ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ኦሮምኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃብ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, CITY ADDIS ABABA
ካቢነ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ኦሮምኛ ምስ ኣምሓርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃብ ውሳነ ኣሕሊፉ።
እቲ ስጉምቲ፡ ቀዳማይ ቋንቋኦም (ቋንቋ ኣዲኦም) ኣምሓርኛ ንዝኾኑ ተመሃሮ፡ ምስ ስርዓተ ትምህርቲ ብዝሐ ቋንቋታት ብምትእስሳር፡ ኦሮምኛ ከም ተወሳኺ ካልኣይ ቋንቋ ክማሃሩ ዝገብር እዩ።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ሎሚ ሓሙስ 04 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ፡ ኣብታ ከተማ ብቋንቋ ኦሮምኛ ዝመሃሩ ተምሃሮ'ውን ቋንቋ ኣምሓርኛ ከም ተወሳኺ ቋንቋ ክማሃሩ ወሲኑ ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንመምሃሪ ቋንቋ ኦሮምኛ ዝትግበር ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ በቲ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክቕየር እዩ።
እቲ ውሳነ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ዝርከቡ ተመሃሮ ካብ ሻብዓይ ክፍሊ ጀሚሮም ኩሎም ዓይነታት ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ክመሃሩ ከም ዘለዎም እውን ይገልጽ።
ሎሚ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ ብዛዕባ ስነስርዓት ትምህርቲ ብዝሐ ቋንቋታት መጽናዕቲ ከካይድ ከም ዝጸንሐን፡ ኣብ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከም ዝተዛተየን ገሊጹ።
እቲ ካቢነ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ፈረንሳን ዓረብን ንተመሃሮ ታሽዓይን ዓስራይን ክፍሊ ከም ኣማራጺ ቋንቋታት ኮይኖም ክቕጽሉ ከም ዝወሰነ ኣመልኪቱ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መዝሙርን ባንዴራን ክልል ኦሮምያ ብዝምልከት ግጭትን ተቓውሞን ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ንብረት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝዓነወን ተገሊጹ ነይሩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝተኣሳሰር ብዙሓት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ምግላጹ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







