እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋዝፕሮም ናብ ላቲቭያ ዝልእኮ ጋዝ ኣቋሪጹ
ሩስያ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ትልእኮ ዝነበረት ጋዝ ምቍራጹ ተተሓሒዙ፡ ናብ ላቲቭያ ትልእኮ ዝነበረት ጋዝ ከምዘቋረጸት ተፈሊጡ።
እቲ ገዚፍ ትካል ጸዓት ሩስያ ዝዀነ 'ጋዝፕሮም' ነዳዲ ጋዝ ናብ ላቲቭያ ምልኣኽ ከምዘቋረጸ ገሊጹ። ነዚ ስዒቡ ላቲቭያ ኣብ ቀረባ እዋን ቀረብ ነዳዲ ካብ ዝተቛረጸን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኰይና ኣላ።
ጋዝፕሮም፡ ንላቲቭያ ኵነታት ዕዳጋ ከም ዝጠሓሰት እዩ ዝኸስስ። እንተዀነ ብዛዕባ እቲ ዝተጣሕሰ ዝተባህለ ነገር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ላቲቭያ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምርካብ ኣብ ጐረቤታ ሃገር ሩስያ ጽግዕተኛ'ኳ እንተዀነት፡ እቲ መንግስቲ ግን ጋዝፕሮም ዝወሰዶ ስጕምቲ ዓቢይ ጽልዋ ከምዘይህለዎ ይገልጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 170 ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝቐተለት ገለጻ።
ወተሃደራት ዩክረይን ንሓይልታት ሩስያ ካብታ ኣብ ደቡብ ትርከብ ስትራተጅያዊት ከተማ ከርሰን ከውጽኡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ይቕጽልዎ ኣለዉ።
ዩክረይን፡ ወተሃደራታ ኣብ ከባቢ ከርሰን ዝነበሩ ክልተ እኵብ ኣጽዋር ሓይልታት ሩስያ ከምዘዕነዉ ገሊጻ። ቢቢሲ ነዚ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ፈተነ ዕውት ክኸውን ኣይከኣልን።
ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ሮኬት ዩክረይን ቀንዲ ድልድላት ምስ ኣዕነው፡ ናብ ከርሰን እንደገና ቀረብ ንምልኣኽ ዘኽእሎም ክልተ ድልድላትን ዓበይቲ ጀላቡን ኣዳልዮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ብሪጣንያ ይሕብር።
ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሩስያ ነቲ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበርዎ ማዕቀብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ቀረብ ጋዝ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ኣላ ብምባል ይኸሳ።
ዝለዓለ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ቝጠባ ላቲቭያ ኤዲጅስ ሳይካንስ፡ ላቲቭያ ጋዝፕሮም ብቐዳም ዝወሰዶ ስጕምቲ ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ኣይግበረሉን ከምዝበለ ሮይተርስ ጠቒሱ እዩ።
እዚ ንላቲቭያ ካብ ዘድልያ ሃልኪ ጸዓት ካብ ጋዝፕሮም ዝርከብ 27 ሚእታዊት ጥራይ እዩ።
ኔቶ ንሓይልታት ላቲቭያ ከምኡ'ውን ኣብ ባልቲክ ዝርከባ ጐረባብታ ኢስቶንያን ሊትወንያን የደልድለን ኣሎ። እዚ ከባቢ'ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስ ሩስያ ሃንደበታዊ ግጭት ክለዓለሉ ዝኽእል ከምዝዀነ እዩ ዝግመት።
ሩስያውያን ኣብ ሃገራት ባልቲክ ሒደት እዮም። እተን ቅድሚ ሕጂ ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራት ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ጋዝ ሩስያ ምቕባል ንምቍራጽ መደብ ሒዘን ጸኒሐን እየን።
ጋዝፕሮም ረቡዕ ካብ ሩስያ ተበጊሱ ናብ ኣውሮጳ ዝኣቱ ብ‘ኖርድ ስትሪም’ ዝፍለጥ መስመር፡ ናብ 20 ሚእታዊት ከምዝነከዮ ይዝከር።
ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ እቲ ሩስያ ሃገራት ብዩሮ ዘይኮነስ ብሩብል [ባጤራ ሩስያ] ንክኸፍላ ዘቕረብቶ ሕቶ ነጺግዎ እዩ። ክፍሊት ብሩብል ንኽፍጸም ዝሓትት ውዕል ከም ዘየለ ይገልጽ።
ሓሙስ ላትቪጃስ ጋዝ ዝበሃል ትካል ላቲቭያ፡ ጋዝ ካብ ሩስያ ይዕድግ ከም ዘሎ፡ ግናኸ ክፍሊት ብዩሮ ይፍጽም ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት ንዩክረይን ካብ ትወርርን ምዕራባውያን ማዕቀብ ካብ ዘንብራላን ኣትሒዙ፡ ጋዝፕሮም ናብ ቡልጋርያ፡ ፊንላንድ፡ ፖላንድ፡ ዴንማርክን ሆላንድን ዝልእኮ ጋዝ ኣቋሪጹ እዩ። ሩስያ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሼል ኤነርጂ ኣውሮጳ ዝሸጦ ዝነበረ ጋዝ እውን ደው ኣቢላ እያ።
ኣብዚ እዋን ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ኖርወይ፡ ቀጠርን ኣሜሪካን ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ሓዊሱ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኣቱ ጋዝ ክብ ንምባል ይጽዕር ኣሎ።