እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ጀሚሩ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክገብሮ ዝተወጠነ ዲፕሎማስያዊ ጕዕዞ ብግብጺ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ንሱ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ሩስያ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ምግቢ ኣስዒባ ዝብል ክሲ ምዕራባውያን ነጺግዎ።
ላቭሮቭ፡ ነቶም ኣብ ካይሮ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሊግ ዓረብ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ምዕራባውያን፡ እቲ ዝገበርዎ ማዕቀባት ኣብ ዓለምለኻዊ ውሕስነት ምግቢ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ይኽሕዱ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተጽዕኖ ክገብራ ይጽዕራ ከምዘለዋ'ውን ከሲሱ።
መብዛሕትኡ ክፋል ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ትገብሮ ዘላ ኲናት ሕጽረት እኽሊ ኣጋጢምዎ እዩ።
ሰደድ እኽሊ ዩክረይን ንኽቕጽል ኣብዚ ሰሙን ዝተገብረ ታሪኻዊ ውዕል፡ ሩስያ ቀዳም ኣብ ወደብ ኦዴሳ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ነቲ ስምምዕ ኣጠራጣሪ ገይርዎ ኣሎ።
ሚስተር ሰረገይ ላቭሮቭ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከካይድ እዩ።
ሚስተር ላቭሮቭ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበራኦ "ቍጥዐ" ዝመልኦ ማዕቀብ ዘመልክቶ ቀሊል መደምደምታ፡ "ብዛዕባ ዩክረይን ዘይኰነስ ብዛዕባ መጻኢ ስርዓት ዓለም እዩ" ክብል ገሊጽዎ።
"ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ ስርዓተ ዓለም ክድግፍ ኣለዎ ይብሉ። እቲ ሕግታት ከኣ ኣብቲ ምዕራባውያን ንጥቕሞም ኢሎም ክፈትሕዎ ዝደልዩ ፍሉይ ኵነታት ተመርኲሱ ዝተጻሕፈ እዩ።"
ኣቐድም ኣቢሉ ሚስተር ላቭሮቭ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ እዩ።
ግብጺ፡ ምስታ ስርናይን ኣጽዋርን ተቕርበላን ከምኡ'ውን ንዩክረይን ክሳዕ ትወርር ብዙሓት በጻሕቲ ዝመጽኡላ ዝነበረት ሩስያ ዓቢይ ምትእስሳር ኣለዋ።
ሚስተር ላቭሮቭ ምስ ሚስተር ሹክሪ ድሕሪ ምዝታዩ፡ ምዕራባውያን "እንታይን መወዳእታ መንን" ከም ዝኸውን'ኳ እንተ ተረድኡ፡ ነቲ ግጭት የናውሕዎ ከም ዘለዉ ኣብ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
ሚስተር ሰርገይ ላቭሮቭ እዚ ብግብጺ ጀሚርዎ ዘሎ ዑደት ንኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ከምኡ'ውን ኮንጎ-ብራዛቪል ናይ ዝገብሮ ምብጻሕ መፈለምታ እዩ።
ኤርትራ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ዝሓለፈ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝዅንን ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምንጻግ'ውን ጸግዒ ሩስያ ዝወሰደት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ዝዝከር ኰይኑ፡ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብዚ ዑደቱ'ዚ ኣይጸንበራን።
ሚስተር ላቭሮቭ፡ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሩስያ ወትሩ "ንኣፍሪቃውያን ኣብቲ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ናጻ ንምዃን ዝገበርዎ ቓልሲ ብልቢ ትድግፍ ከም ዝነበረት" ገሊጹ ነይሩ።
ወሲኹ፡ ሩስያ ነቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ጕዳይ ዩክረይን ዘለዎም "ሚዛናዊ መርገጽ" ከም ተኽብር ሓቢሩ።
ዩክረይንን ሩስያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣፍሪቃ ካብቲ ዘድልያ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ስርናይ ከም ዘቕርባ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ይሕብር።
ግብጺ ቀንዲ ተጠቃሚት ስርናይ ዩክረይን እያ። ኣብ 2019 ካብ ዝዀነ ይዅን ሃገር ንላዕሊ 3.62 ሚልዮን ቶን ስርናይ ካብ ዩክረይን ኣእትያ እያ።
ሚስተር ላቭሮቭ ግን፡ ነቲ ሩስያ "ጥሜት ትልእኽ ኣላ" ዝብል ክሲ ነጺጉ፡ እዚ ፕሮፓጋንዳ ምዕራባውያን እዩ ክብል ወቒሱ።
ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ምዕራባውያን ኣብ ሩስያ ዘንበራኦ ማዕቀብ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይስ ዝተፈጥረ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ምግቢ "ኣሉታዊ ምዝባዕ" ከም ዘስዓበ ሓቢሩ።