እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ኣብ ኢራን ምብጻሕ ኣካይዱ
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኢራን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እዚ ኣብ ለካቲት ንዩክረይን ካብ ዝወርር ኣትሒዙ ንኻልኣይ ግዜ ዝገበሮ ጕዕዞ ወጻኢ ሃገር እዩ።
ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ቴህራን ተራኸቡ’ሎ። ቀጺሉ ድማ ምስቲ ዝለዓለ መራሒ ኢራንን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ሪሰፕ ጠይብ ኤርዶጋን ክራኸብ እዩ።
ካብቶም ዝዘራረቡሎም ኣርእስታት ሰደድ እኽሊ፡ ጉዳይ ሶርያን ኲናት ዩክረይንን ይርከብዎም።
እዚ ምብጻሕ እዚ፡ ምስታ ካብቶም ዝተረፉ ደገፍቱ ዝዀነት ኢራን ዘሎ ርክብ ንምድልዳል ኣጋጣሚ ከምዘኸውን ይግመት።
ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፡ ቴህራን ንሩስያ ብኣማኢት ዝቝጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትህባ ከምዝዀነት ዝገልጽ ክሲ ስዒቡ እዩ ነዚ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ። ብሰሉስ ጋዝ-ፕሮም ዝበሃል ናይ ሩስያ ገዚፍ ኩባንያ ጸዓት ምስ መንግስታዊ ትካል ነዳዲ ኢራን ናይ 40 ሚልዮን ዶላር ሓድሽ ውዕል ከምዝፈረመ ይዝከር።
ፑቲን ምስ ራይሲ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ መንጐ ኢራንን ሩስያን ዘሎ ርክብ፡ "ብጽቡቕ ፍጥነት ይዓቢ ኣሎ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፑቲን እዘን ክልተ ሃገራት ከም ዓለምለኸ ድሕነት፡ ንግዲ ከምኡ'ውን "ነቲ ኣብ ሶርያ ዘጋጠመ ቅልውላው ምፍታሕ" ኣብ ዝኣመሰሉ መዳያት ዘሎ ርክብ የደልድላ ከምዘለዋ ገሊጹ።
ቱርኪን ሩስያን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያን ንተጻረርቲ ወገናት ድጋፍ ሂበን'ኳ እንተነበራ፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ግን ነዚ ንምንካይ መገድታት ከናድያ ጸኒሐን እየን።
እንተዀነ እዚ ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ኣንጻር እቶም ኣሜሪካ እትድግፎም ኩርዳውያን ዕጡቓት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ትፍኑ ምስገለጸት ኰይኑ፡ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ኸኣ ኢራንን ሩስያን ተቓዊመናኦ እየን።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኤርዶጋን ኣብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ ምስ ሶርያ 20 ኪሎ ሜተር ዘዳውብ ውሑስ ዞባ ንምቛም ዘውጽኦ መደብ እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሩስያ ኣብ ፈለማ ነታ ዓለወኛታት ዝቈጻጸርዋ ሶርያ ንሓደ ዓመት ሓገዝ ንኽወሃብ ዝተላዕለ ሕቶ፡ ምስ ተቓወምቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዶብ ሰገር ረድኤት ከብጽሓላ ኣብ ውሳነ በጺሑ እዩ።
ቱርኪ፡ ፑቲን ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ካብ ዝወርር ኣትሒዛ ኣብ ሞስኮ እገዳ ከይግበር ክትቃወም ጸኒሓ'ያ። መንግስቲ ኤርዶጋን ብመንጐኛነት ግደኡ ክጻወት እዩ ድልየቱ።
እቲ ኣኼባ፡ ነቲ መራሒ ቱርኪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ 22 ሚልዮን ቶን እኽሊ ንምልኣኽ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ዝተገብረ ግዜያዊ ስምምዕ ንኸፈጽም ኣጋጣሚ ክኸፍተሉ ይኽእል እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስተር ጸጥታ ቱርኪ፡ ክልቲኦም ወገናት ንድሕነት መገዲ መራኽብ እኽሊ ንምርግጋጽ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ መራኽብ ኲናት ሩስያ፡ ዝዀነት መርከብ ክይትኣቱን ከይትወጽእን ይኽልክላ ከም ዘለዋ ይንገር። ቢቢሲ፡ ሓይልታት ሞስኮ እኽሊ ዩክረይን ከምዝሰረቝን ከምዝወሰዱን ዝሕብር ብዙሕ መርትዖታት ሰኒዶም እዮም። ካልኦት መገድታት ድማ ብዙሕ ነተጕቲ ዝተቐበሮም እዮም።
ሚስተር ኡሻኮፍ፡ "ብዛዕባ ምልኣኽ እኽሊ ዩክሬን ምስ ኤርዶጋን ክመያየጥ እዩ። ኣብዚ መገዲ እዚ ዕዮና ንኽንቅጽል ድሉዋት ኢና፡" ክብል ገሊጹ።
እንተዀነ ኣብቲ ኲናት፡ ኣብ ጥቓ ግንባር ዝነበሩ ሰበ-ስልጣንን ሓረስቶትን፡ ሩስያ ደይ መደይ ኢላ ግራውቲ እኽሊ ትድብድብ ኣላ ኢሎም ድሕሪ ምኽሳሶም እዩ እዚ ምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ።
ኦሌ ፒሊፔንኮ ዝበሃል ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ዝነብርን ቅድሚ ሕጂ ብሩስያ ተኣሲሩ ዝነበረን ፖለቲከኛ፡ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ሚኮላይቭ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝነብሩ ሓረስቶት፡ ብቐጻሊ ደብዳብ ይወርዶም ከምዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ እዩ።
ሓይልታት ሩስያ፡ "ኣብቲ ግራውቲ፡ ማሽነሪታት ሕርሻ ከምኡ'ውን መጓሰ እኽሊ ደብዳብ ይፍጽሙ ከምዝነበሩ" ከምኡ'ውን ብዙሓት ሓረስቶት "ግዳያት ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ከም ዝዀኑን ተዅሲ ከም ዝወረዶምን" ገሊጹ።
ወሲኹ፡ "ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ ካብ ከተማ ሚኮላይቭ ዝመጹ ክኢላታት መጥፋእቲ ሓዊ ምኻድ የፍርሆም እዩ" ኢሉ።
"ብዙሕ ሓዊ ብጻዕርና ነጥፍኦ ኣለና። ሕጂ ግን እቲ ደብዳብ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።"