‘ሩስያ፡ ቀረብ ጋዝ ነክያ ንኣውሮጳ ከተርዕድ ትሰርሕ ኣላ’ ዩክረይን

ሩስያ፡ ነቲ ካብ ሃገራ ተበጊሱ ናብ ኣውሮጳ ዝኣቱ ብ'ኖርድ ስትሪም 1' ዝፍለጥ መስመር ጋዝ ብምንካይ፡ ኣብ ኣውሮጳ ራዕዲ ንምእታው ትሰርሕ ኣላ ክትብል ዩክረይን ከሲሳ።

ሩስያ፡ ነቲ ካብ ከተማ ቭዮበርግ [ሩስያ] ተበጊሱ ብውሽጢ ባሕሪ ባልቲክ ንሃገራት ኢስቶንያ፡ ላቲቭያ፡ ሊትወንያን ፖላንድን ሰንጢቝ፡ ናብ ጀርመን ዝኣቱ መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም 1 ንምትዕርራይ፡ ነቲ ናብ ጀርመን ዝሓልፍ ጋዝ ከተጉድሎ ምዃና ምግላጻ ዝዝከር እዩ።

እንተዀነ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነቲ ሩስያ ዝሃበቶ ምኽንያት፡ ምስምስ’ዩ ብምባል፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳ ራዕዲ ንምእታው'ያ ትሰርሕ ዘላ ኢሉ።

እዚ፡ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ወደባት ዩክረይን ዘሎ ኣእካል ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ንወጻኢ ሃገራት ክስደድ ዘኽእል ስምምዕ ድሕሪ ምኽታመን’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ኩባንያ ቀረብ ጋዝ ሩስያ ዝዀነ ጋዝፕሮም፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ መስመር ጋዝ ዝመሓላለፈሉ ሻምብቈታት ንምትዕርራይ፡ ነቲ ናብ ኣውሮጳ ዝልኣኽ ጋዝ ብፍርቂ ክንክዮ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ ዘሎ።

መንግስቲ ጀርመን ግን፡ ቀረብ ንምጉዳል ዘገድድ፡ ኣብቲ መስመር ዝዀነ ብልሽት ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ።

ኖርድ ስትሪም 1፡ ንዝሓለፈ ሳምንታት ካብቲ ከሕልፎ ዝግባኦ ጋዝ ንታሕቲ’ዩ ናብ ጀርመን ጋዝ ክሰድድ ጸኒሑ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ’ውን ክተዓራረ ተባሂሉ ን10 መዓልታት ደው ኢሉ ነይሩ’ዩ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 40 ሚእታዊት ካብ ጠለባት ጋዝ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሸፊና ነይራ’ያ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሩስያ ነቲ መስመር ጋዝ ከም መሳርሒ ኵናት ትጥቀመሉ ኣላ ብምባል ይኽስስ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ “ሩስያ፡ በዚ መስመር ንዝሓለፍ ጋዝ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ እናኣጕደለት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣብጺሓቶ ኣላ። እዚ፡ እዛ ኣሸባሪት ሃገር ኮነ ኢላ ንናብራ ኣውሮጳውያን ናብ ዝኸፍአ ትሑት ደረጃኡ ንምውራድ ትገብሮ ዘላ’ዩ፡” ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ብርቱዕ ዛሕሊ ዘለዎ እዋን ሓጋይ ኣጸጋሚ ንክኸውንን፡ ድኻታት ዝያዳ ከምዝሽገሩን ንምግባር ብሩስያ ኮነ ኢልካ ዝተተለመ ምዃኑ ይገልጽ።

ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ትልእኮ መጠን ጋዝ ምጕዳላ፡ ንሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሩስያ ተመርኲሱ ዝጸንሐ ቀረብ ጋዝ ካልእ ኣማራጺ ከናድያሉ ዝቕስብ እዩ።

እንተዀነ ቅድሚ እዚ ዝመጽእ ወቅቲ ሓጋይ ኣማራጺታት ንምርካብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጽቢብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሚኒስተራት ጸዓት ሃገራት ኣውሮጻዊ ሕብረት፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ብራስለስ ብምርኻብ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዕ ክኽትሙ ትጽቢት ይግበር።

ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኵለን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳዊ፡ ንዝመጽእ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሃልኪ ጋዝ ብ15 ሚእታዊት ከጕድላ ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር። 

እዚ ብኮሚሽን ኣውሮጳ ዝቐረበ ሓሳብ ካብ ብዙሓት ኣባል ሃገራት ተቓውሞ'ኳ እንተጋጠሞ፡ እተን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዘሎ ተኽእሎ ግን ልዑል ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለይን ኣቐድም ኣቢላ፡ ሩስያ ነቲ ቀረብ ጋዝ ጠቕሊላ ክትዓጽዎ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣተንቢሃ ነይራ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ፡ ዋጋ ጋዝን ነዳድን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ወሰኽ ኣርእዩ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብመሰረት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንጎኛነት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ዩክረይን ዝርከብ ኣእካል፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክስደድ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ተግባራዊ ክኸውን ዩክረይን ተስፋኣ ልዑል ምዃኑ’ያ ገሊጻ።

ኣስታት 20 ሚልዮን ቶን እኽሊ ዩክረይን፡ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ንጸሊም ባሕሪ ተቘጻጺርዎ ስለዘሎ ካብ ወደባት ዩክረይን ክስደድ ከምዘይከኣለ’ያ ዩክረይን ትገልጽ።