ጾታዊ ርክብ ኣብ ሓዳር ግዴታ ድዩ - ፈረንሳ ተተኣታትዎ ዘላ ሕጊ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ፈረንሳ መወዳእታ ናይቲ "መሰላት መጻምድቲ" ዝበሃል - ሓዳር ማለት ጾታዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ግዴታ ማለት እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ከም ሕጊ ንኽእለ ጻዕርታት ትገብር ኣላ።
ኣብቲ ትማሊ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዝጸደቐ እማመ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ 'ማሕበረሰብ' ዝብል ዓንቀጽ ሓደ ተወሳኺ 'ኣብ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ግዴታ ኣይኰነን" ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ ወሲኹ ኣሎ።
እቲ ዝቐረበ ሕጊ፡ ኣብ በደል ዝተመርኮሰ ፍትሕ፡ ጾታዊ ርክብ ዘይምህላው ከም መጐት ክትጥቀመሉ እውን ከም ዘይከኣል ይገብር።
ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ተኽእሎ'ኳ እንተዘይብሉ፡ ደገፍቲ እቲ እማመ ግን እቲ ሕጊ ኣብ ሓዳር ንዝፍጸም ዓመጽ ንምዕጋት ክሕግዝ ተስፋ ኣለዎም።
ሓንቲ ካብቶም ነዚ ሓሳብ ዘበገሱ ኣባል ባይቶ ግሪን ማሪ ሻርሎት ጋሪን "ከምዚ ዝበለ መሰል ወይ ግዴታ ክቕጽል ብምፍቃድ፡ ብሓባር ንሓደ ስርዓተ ዕብለላ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ፍቓድና ንህቦ ኣለና" ትብል።
"ሓዳር ንጾታዊ ርክብ ምፍቃድ ከም ውዱእ ዝቝጸር ክኸውን ኣይክእልን'ዩ።"
እቲ ሕጊ ኣብ ዝዀነ ሕጋዊ ጽሑፍ "ናይ መጻምድቲ ግዴታ" ብግልጺ ዝተጠቕሰ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ዝጸንሐ ሃጓፋት ንምዕባስ ተባሂሉ ይኣቱ ምህላዉ'ዮም፡ እቶም ነዚ ሓሳብ ዘበገሱ ኣባላት ባይቶ ዝማጐቱ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሲቪላዊ ሕጊ ፈረንሳ፡ ግቡኣት ሓዳር ኣብ ትሕቲ ዝብል መግለጺ እቶም መጻምድቲ ንሓድሕዶም "ንምክብባር፡ ንምትእምማንን ንምድግጋፍን" ኢሎም ዝኣትውዎ'ዩ ይብል።
ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣብቶም ጽሑፋት ብዛዕባ "መጻምድቲ" ጾታዊ ርክብ ማለት መሰል ናይ ሓዳር'ዩ ኢሉ ዝተገለጸ የለን።
መበገሲ ናይቲ ክንክተሎ ዝጸናሕና ከኣ እቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ከምዝዀነ ይግለጽ።
ኣብ 2019 ኣብ ዝተፈጸመ ፍሉጥ ጉዳይ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ንብዓል ቤታ ንሓያሎ ዓመታት ጾታዊ ርክብ ምስ ኣበየቶ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሖም፣ ንሳ ገበነኛ ተባሂላ ናብ ፍትሕ ኣትዮም።
ድሕሪኡ ግን እታ ሰበይቲ ጉዳያ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (ECHR) ወሰደቶ፣ እዚ ቤት ፍርዲ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ እዛ ሰበይቲ ጾታዊ ርክብ ምእባያ ከም ገበነኛ ምግላጻን ንሳ ጠንቂ እቲ ፍትሕ ገይሩ ምግላጹን ንቤት ፍርዲ ፈረንሳ ኰኒንዎ።
እዚ ድማ በተን 'ፈሚኒሰት' ን በቶም ነቲ ምንቅስቓስ ፈሚኒስት ዝድግፉን ኣገዳሲ ምዕባለ ተባሂሉ ተናኢዱ።
ውሳነ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ዝዀነ ፈረንሳዊ ዳኛ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ናይ ፍትሕ ውሳነ ክህብ ከምዘይክእል ገይርዎ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ እቲ ሓሳብ ከም ሕጊ ኰይኑ ኣብ ዓንቀጽ ንኽሰፍር እንተዘይኰይኑ፡ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ካብ 2019 ኣትሒዙ ክስርሓሉ ጸኒሑ'ዩ።
ነቶም ነዚ ሓድሽ ሕጊ ዝጕስጕሱ ዘለዉ ሰባት ግን ነቲ ኣንስቲ ምስ ሰብኡተን ጾታዊ ርክብ ክገብራ "ግዴታ" ኣለወን ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ብዙሕ ሕብረተሰብ ንምእማኑ ዓቢ ብድሆ ክዀኖም ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ካልእ ኣብዚ ዝልዓል ነጥቢ እቲ ኣብ 2024 ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጉዳይ ጂዘል ፔሊኮት'ዩ።
ገለ ካብቶም ነቲ ዓመጽ ዝፈጸሙ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ፡ ብዓል ቤታ ብድሌታ'ዩ ዝገብር ዘሎ ኢሉ ይነግሮም ምንባሩ ምስክርነቶም ሂቦም።
ኣብ ፈረንሳ ከምቲ ኣብ መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራት ዝግበር፡ ሕጂ ኣብ ሓዳር ዝፍጸም ዓመጽ 'ከም ጾታዊ ዓመጽ ክቝጸር' ኣብ ሕጊ ተሰኒዱ ኣሎ።
ቅድሚ 1990 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ፍቓድ ምሕታት ኣየድልን'ዩ ኢሎም ክማጐቱ ዝኽእልሉ ባይታ ነይሩ'ዩ።
ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ግን ኣብ ፈረንሳ፡ እቲ ምስ በዓልቲ ቤትካ ብዘይ ፍቓዳ ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ ከም ጾታዊ ዓመጽ ከምዝቝጸር ተደንጊጕ'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ዓመጽ ክብሃል እንከሎ "ብጐነጽ፡ ብምፍርራሕ፡ ብምስግዳድ" ዝፍጸም'ዩ ዝብል ትርጕም'ዩ ዝውሃቦ ነይሩ።
በዚ ሕጂ ተዋሂብዎ ዘሎ ሓድሽ ትርጕም ግን "ብዘይፍቓድን ብዘይሓበሬታን ከምኡ ከኣ እናተኣበኻ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም" ከም ጾታዊ ዓመጽ ከምዝሕሰብን ብዓቢኡ 'መልሲ ዘይምሃብ ፍቓድ ከም ምሃብ ክሕሰብ ከምዘይብሉ' ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







