እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ተሓከምቲን ሰብሞያ ጥዕናን መጥቃዕቲ ፈጺሙ - ህዩማን ራይትስ ዎች
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተሓከምቲ፡ ሰብ ሞያ ጥዕናንን ትካላት ጥዕናን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።
እቲ ብሓይልታት መንግስትን መሻርኽቲ ሚሊሻታትን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስ ገበን ኲናት ክመጣጠን ከምዝኽእል’ውን እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
እቲ ግጭት ኣብቲ ክልል ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ሓይልታት መንግስቲ ብውሕዱ ኣብ 13 ከተማታት ንዝርከቡ ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታትን ከምኡ እውን ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ዘመልክት ሓበሬታ ከምዝኣከበ ህዩማን ራይትስ ዎች ወሲኹ ጠቒሱ።
"ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ግምት ከየእተዉ ኣብ ኣገደስቲ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ትካላት ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ክትብል ምክትል ዳይረክተር እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ላቲቲያ ባደር ገሊጻ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ገበነኛታት ክሕተቱ እንተዘይገይሩ ተመሳሳሊ ተግባራት ክቕጽል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ’ውን ኣጠንቂቓ።
እቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ጸጋታት ሕክምናን ገደብ ምንቅስቓስን ተሓከምቲ ግቡእ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኽቡ ዝድርት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ብፍላይ ድማ ብሓይልታት መንግስቲ ይግፍዑን ምፍርራሕ ይበጽሖም ከምዘሎን ኣስማቶምን ዝሰርሕሎም ትካላትን ከይግለጽ ዝሓተቱ ክኢላታትን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም’ዮም።
ሓይልታት መንግስቲ፡ ብኣጽዋር ዝተገጠመለን መካይን ናብ ቀጽሪ ትካላት ጥዕና ከምዝኣትዉን ወተሃደራት’ውን ምስ ዕጥቆም ናብ ሕሙማትን መጥባሕቲ ክፍልታትን ከምዝኣትዉ እቶም ክኢላታት ይዛረቡ።
እቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ጸጋታት ሕክምናን ገደብ ምንቅስቓስን ተሓከምቲ ግቡእ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኽቡ ዝድርት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ብፍላይ ድማ ብሓይልታት መንግስቲ ይግፍዑን ምፍርራሕ ይበጽሖምን ከምዘለዉ ኣስማቶምን ዝሰርሕሎም ትካላትን ከይግለጽ ዝሓተቱ ክኢላታትን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም’ዮም።
ሓይልታት መንግስቲ፡ ብኣጽዋር ዝተገጠመለን መካይን ናብ ቀጽሪ ትካላት ጥዕና ከምዝኣትዉን ወተሃደራት’ውን ምስ ዕጥቆም ናብ ሕሙማትን መጥባሕቲ ክፍልታትን ከምዝኣትዉ እቶም ክኢላታት ይዛረቡ።
ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ጸብጻብ ንምድላው ካብ ነሓሰ ክሳብ ግንቦት ብማዕዶ ካብ ዘዘራረቦም 58 ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ሰብ ሞያ ሕክምናን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ዝኣከቦ ሓበሬታን ከምኡ’ውን ምስልታት ሳተላይትን ዝተረጋገጹ ቪድዮታትን ከምዝተጠቕመ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ጸብጻቡ ድማ፡ "ወተሃደራት፡ ኣባላት ፋኖ እዮም ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ተሓከምቲን ኣገልግሎት ክንክን ዝህቡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ይሃርሙ፡ ብዘይ ፍቓድ ይኣስሩን የፈራርሕዎምን። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኣምቡላንሳትን ናይ ሕክምና መካይንን መጥቃዕቲ ይፍጽሙ፡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጣልቃ ይኣትዉ። እዚ ድማ ህዝቢ ኣምሓራ ግልጋሎት ጥዕና ከይረክብ ይገብር ኣሎ" ይብል።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት፡ ብኣጽዋር ተዓጂቦም ሕክምና ንምሃብ "ውሽጥና ይናወጽ እዩ" ኢሎም። "ንዕጡቓት ፋኖ ትሕክሙ ኣለኹም" ብዝብል ከምዝንገላትዑን ምፍርራሕ ከምዝበጽሖምን’ውን ይገልጹ።
ሕክምናኦም ከይወድኡ ብሓይልታት መንግስቲ ዝወስዱ ሕሙማት ከምዘለዉ ዝገልጹ እቶም ክኢላታት፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸቕጢ ምሉእ ግዜኦም ኣብ ስርሖም ከይነጥፉ ይግደዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
"ወተሃደራት ናብ ኣገልግሎት ሕክምና ክኣትዉ ከለዉ፡ ስነ-ልቦና ናይቲ በዓል ሞያ ይጉዳእ፡ ንስቱርነት ሕሙማት'ውን ስለዝጸልዉ ከቢድ ጸቕጢ ኣለዎ" ብምባል ኣብ ሓንቲ ዞባዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ሆስፒታል ዝሰርሕ በዓል ሞያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ጸብጻብ ናይቲ ትካል ተሓላቂ መሰላት፡ ሓይልታት መንግስቲ ንሓደ በዓል ሞያ ሕክምና ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንሓያሎ መዓልታት ከምዝኣሰሩ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
እቲ ክኢላ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ዝመርመረኒ ኮሎኔል 'ዶክተር ፋኖ' ኢሉ ይጽውዓኒ ነይሩ። ነቲ መርመራ ‘ንምንታይ ኢኻ ንፋኖ ትሕክም ዘለኻ?’ ብዝብል ሕቶ እዩ ጀሚርዎ። ወሲኹ’ውን ‘ፋኖ ሰባት ኣይኮኑን... ጭራም እዮም’ ኢሉኒ" ክብል ኣብሪሁ።
ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል፡ ምስ ፋኖ ርክብ ኣለዎም ብዝብል ዝጠርጠርዎም ነበርቲ ምእሳር ዝርከብዎም ስጉምትታት ስለዝወስዱ፡ ሕክምና ዘድልዮም ሰባት ስግኣት ከምዝሓደሮምን ናብ ትካላት ሕክምና ከይዶም ኣገልግሎት ከይረኽቡ ከምዝደረዀምን ይሕብር።
ብሰመረት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኣብ እዋን ኲናት እውን እንተዀነ ትካላት ሕክምና፡ ሰብ ሞያ፡ ተሓከምቲን ኣምቡላንሳትን ፍሉይ ሓለዋ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም፤ ሃገራት’ውን ነዞም ደንብታት ከኽብራ ይግደዳ እየን።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዳርጋ ንሓደ ዓመት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እቲ ክልል ምንቅስቓስ ከምዝተደረተን መሰረታዊ ግልጋሎት ከምዝተዓናቐፈን ይፍለጥ።
በዚ ምኽንያት ድማ ቀረብ ናውቲ ሕክምና ብምቁራጹ፡ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን እቲ ክልል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ከቢድን ሕጽረት ኣገደስቲ መድሃኒታት ከምዘጋጠመንን ግቡእ ኣገልግሎት ክህባ ከምዝተጸገማን ይንገር።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እቲ ኲናት ንኩነታት ጥዕና ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ከምዝገለፀ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተኻየደ ግጭት 967 ትካላት ጥዕና ከምዝተሃስያ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣቶ ዓብዱልከሪም ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝወረደ ጉድኣት ሰለስተ ቢልዮን ብር ከምዝግመት ብምጥቃስ፡ 124 ኣምቡላንሳት "ተሰሪቐን" ንኹናት ይውዕላ ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ይኹን’ምበር እቲ ሓላፊ፡ እቲ ዘመተ ብዕጡቓት ፋኖ ከምዝተፈጸመ እዩ ገሊጹ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ብሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዝኣከቦ መርትዖታት ንመንግስቲ ኣፍሊጡ ርእይቶ ክህብ ሓቲቱ’ኳ እንተነበረ፡ መልሲ ግን ኣይረኸበን።
እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ትካላት ጥዕና፣ ሕሙማትን ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን ዝፍፀም መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ከብል ጸዊዑ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን እውን መንግስቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ብሕጊ ክሓትት ጸቕጢ ክገብሩን ዝተጎድኡ ትካላት ድማ ናብ ስርሖም ክምለሱ ክድግፉን ተላብዩ።