ኣምሓራ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብ ክልተ ዞባታት ኣስታት 27 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋን ሰሜን ጎጃምን ኣብ መንበሪ ገዛውትን ኣብ መንገዲን "ሰላማውያን ነበርቲ" ከምዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ነበርትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም መጥቃዕታት ብሰኑይ 17 ሰነን ረቡዕ 19 ሰነን 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ከምዝተፈጸመ ዝተገልፀ ዀይኑ፡ በቶም ተጓንፎታት ኣስታት 27 ንጹሃት ሰባት ከምዝተቐትሉ ይንገር።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ጣርማ በር ካብ ከተማ ደብረ ሲና ውፅእ ኢላ ኣብ እትርከብ ‘ሾላ ሜዳ’ ዝተብሃለት ንእሽቶ ናይ ገጠር ከተማ፡ ብ19 ሰነ [ግእዝ] ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተፈፀመ ኣብ ዝተገልፀ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 4 ካልኦት ድማ ቆሲሎም።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፈ መሰኻኽር ዓይኑ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከባቢ ሰዓት 11፡30 [ቅድሚ ቀትሪ] ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝበዝሑ ዘበናዊ ድኹዒ ክወስዱ ዝተኣከቡ ሓረስቶት ግዳይ ከምዝኰኑ እቲ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

ኣስታት 12 ዝዀኑ ዕጡቓት "መንግስቲ" ናብቲ ገዛ ብምእታው ማሙሽ ኣብ ዝተባህለ ካፌ፡ ሻሂን ቡንን ይሰትዩ ነይሮም ዝተብሃሉ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊፁ።

ገለ ካብቶም መሰኻኽር ዓይኒ ብሓፁር ዘሊሎም ከመዘምለጡ ወሲኾም ተዛሮቦም።

"ሃንደበት ኣትዮም እዮም ወዲኦምና" ይብል ካልእ ነቲ መጥቃዕቲ ዝረአየን፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ገዛ ከምዝነበረን ዝገለጸ ናይ ዓይኒ ምስክር።

ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ እንዳ ሻሂ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ምስክር ዓይኒ ሓቢሩ።

ዋላ እውን ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ብማዕጾ ሽቓቕ ኣምሊጡ ህይወቱ ከድሕን እንተኽኣለ፤ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከብ ዝበልዎ ሓዎም ኣብ መንገዲ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ይዛረብ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣባሐጐታቱ ዝነብር ወዲ 14 ዓመት ወዶም ኣብ ጥቓ ገዝኦም ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ከምዝተቐትለ ዝገለጹ ኣቦ፡ ኣብ ደብረ ሲና ኣብ እንዳ ሓዘን ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቶኽሲ ሰሚዐ ወፂአ ዝበለ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ዝፈልጦም 11 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ገለ ዝቖሰሉ ኣብ ሆስፒታላት ሾላ ሜዳን ደብረብርሃንን ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።

ካልእ ኣስማት ናይቶም 11 ዝሞቱ ክእክቡ ከምዝኸኣሉ ዝገለጸ ምስክር፤ ንጽባሒቱ 20 ሰነ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሬሳታት ከምዝተረከበን፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 15 ከምዝበፅሐን ተዛሪቡ።

እቶም ኣባላት ሰራዊት፡ ንሰለስተ ሓዘን ክበፅሑ መፂኦም ዝተብሃሉ ዕጡቓት ፋኖ ተኸቲሎም ናብቲ ከባቢ መጺኦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት በቲ ዝለበስዎ ዩኒፎርምን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ሲናይ ዝበሃል ከባቢ መዓስከር ብምቛሞም፡ ኣባለት "ሰራዊት ምክልኻል" ምዃኖም ከምዘረጋገጹ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

ካልእ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም ይልማና ወረዳ ደንሳ ከተማ ዓዴት ኣብ መጀመርታ ሰሙን ሰኑይ 17 ሰነ፤ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ዘጋጠመ ዀይኑ፡ ንጹሃት ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ እትርከቦም 11 ሰባት ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተቐትሉ ዝገለጹ ነበርቲ፤ ነቲ ተግባር ምስ ሕነ ምፍዳይ ኣተሓሒዞሞ።

ነበርቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ንሰዓታት ዝቐጸለ "ከቢድ ውግእ" ስዒቡ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ [ብግእዝ] ከምዝተፈጸመ ገሊጾም።

እቲ ቅትለት ዕጡቓት ፋኖ ካብታ ከተማ ምስ ወጹ ኣብ 02 ቀበሌ ‘እርሻ ሰብል’ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ መንገድን ገዛ ንዛን ከምዝተፈጸመ ዝዝክሩ ነበርቲ፡ "ንፋኖ ሓበሬታ ትህቡ ኢኹም" ብዝብል ምኽንያት ከምዝዀነ ይዛረቡ።

ሓደ ነባሪ ከተማ ዓዴት፡ "ፋኖ ነታ ከተማ ክቆጻጸራ ከሎ፡ ብዙሕ ኣባል ስለዝሞቶም፡ ንኹሉ ዝረኸብዎ ሰብ ይሃርሙ ነይሮም" ይብል።

ኣብ ስራሕ መዓልታዊ ሸቕሊ ዝተዋፈሩ ሰባት ሓዊሱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ብዝሒ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ዘመልከተ ካልእ ነባሪ፡ ድሕሪ ፅባሒትኡ ብ18 ሰነ፡ ኣብ ወሰን ከተማ ‘ርብርብ’ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ካልእኦት ኣቦን ወድን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ክስታት፡ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ክልል ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ተጣበቕቲ መሰላት፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝጀመረ "ዕጥቃዊ ጐንፂ"፡ ‘ሰላማዊ ህዝቢ’ ግዳይ ይኸውን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ምግላፆም ይዝከር።