እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንጥዑይ ግዘ እርጋንና፡ ገና ኣብ 30ታት ዕድመና ክንገብሮም ዘለና ነገራት
'ዋይ እዛ እርጋንየ ዋይ እዛ እርጋንየ
ባዕላ እያ'ምበር ኣነ እማ ኣይደለኹዋንየ….'
ገፃት ዕድመ ንእስነት ሓሊፎም ናብ እርጋን እንትንቕልቀል፡ ወይ ድማ ጉልበት ንእስነት ጠሊሙ ሰብነትና ከም ወትሩ ምምእዛዝ እንትኣብይ፡ ዕድመ እርጋን ከም ዝረገፅናዮ ኣስተብሂልና እነስቆንቁኖ ብሂል እዩ።
ኣብ ዘበን እርጋን ሙሉእ ጥዕናን ብቕዓት ሓንጐልን ንክህልወና፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት እንገብሮም ነገራት ኣገደስቲ እዮም።
ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት እንከለና፡ ን15 ደቓይቕ ቅልጡፍ ጉዕዞ እግሪ ካብ ምግባር ክሳብ ስሩዕ ድቃስ ምርካብ ዝኣመሰሉ እንተገይርና፡ ኣብ ግዘ እርጋን ምሉእ ጥዕና ንክህልወና ይሕግዝ።
መቸም ኣብዛ ምድሪ ንሸሞንተ ዓሰርተ ዓመታት ነቢርና ከም ድኻም፣ ክፍሊ ኣካላትና ከም ድሌትና ዘይምእዛዝ፣ ምስ ዕድመ ንእስነት እንትነፃፀር ድኹም ብቕዓት ሓንጐል ምህላው ትፅቢት ዝግበር እዩ።
ምሸት ናይ ድቃስ ስምዒት ተሰሚዕና ደቂስና፡ ግን'ከ ቅድሚ ኣዕዋፍ ጭው ጭው ምባለን ኣቐዲምና ነቒሕና፡ ኩነታት ድቃስና ተቐይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። መፅናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ምናልባት ሓደ ሱር ዝሰደደ ፀገም ጥዕና ከጋጥመና ይኽእል እዩ።
ተመራመርቲ፡ እናኣረግና ምስ ንኸይድ ፀገም ጥዕና ምግጣም ዘይተርፍ ነገር ከም ዘይኾነ ሕዚ ልዕሊ ዝኾነ ግዘ ርግፀኛታት እዮም። ብኸመይ ከም ንኣርግ፡ ክንመርፅ ንኽእል ኢና።
ፕረዝደንትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን እቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ትካል ምርምር ባክ ኤሪክ ቨርዲን፡ "ሕዚ ካብ ንፈልጦ ነገር ብምብጋስ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣነባብርኦም ምምሕያሽ እንተኽኢሎም፡ ፅቡቕ ጥዕና ሃልይዎም ካብ 90 ክሳብ 95 ዓመት ክነብሩ ይኽእሉ።
እዚ ግና፡ ሕዚ ንሕና ካብ ንርከበሉ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብፅቡቕ ጥዕና ካብ 65 ክሳብ 70 ዓመት ምስ ነበሩ፡ ብሕማምን ዕድመ ብምውሳኽን ብዝመፅኡ ፀገማት ይሳቐዩ" ይብል።
ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ እወንታዊ ኣነባብራ (ቅዲ ህይወት) ብምኽታል፡ ጥዕና ንምምሕያሽ ኣይረፍድን ዝብል ቨርዲን፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ስፖርት) ምፅዓቕ፣ ዝሐሸ ኣመጋግባ ምህላው፣ መስተ ኣልኮል ምንካይን ዝኣመሰሉ ነገራት ኣቐዲምኻ ከም ምጅማር ዝመስል ነገር ከምዘየለ ይገልፅ።
ተመራመርቲ፡ ክሊ ዕድመ 30ታት ኣዝዩ ወሳኒ ከም ዝኾነ እዮም ዝገልፁ።
እዚ ዕድመ ስፍሓትን ጥንካረ ጭዋዳታትና፣ ጥንካረ ኣዕፅምትናን ስርዓት ምሕቓቕ ምግብን፡ ቀስ ብቐስ ለውጢ ምርኣይ ዝጅምረሉ እዋን እዩ።
ኣብ ሚኒሶታ ኣብ ዝርከብ ማዮ ክሊኒክ ማእኸል ኮጎድ ፕሮፌሰር ፊዚዮሎጂ ዝኾነ ጆኣኦ ፓሶስ፡ "እዚ ዕድመ ናይ ነዊሕ እዋን ዓቕሚ ምፅዋር ናይ ምምዕባል ባህሪያት ንምጥንካር፡ ጠቓሚ ኣጋጣሚ ምዃኑ የርእይ" ይብል።
ንዓቕሚ ደቂሰባት ንምርዳእ ብዛዕባ እርጋን ዘፅንዑ ተመራመርቲ፡ ካብ ልሙድ ናይ ዕድመኦም ባህሪ ውፅእ ኣብ ዝበሉ ተግባራት ንዝሳተፉ ሰባት ምዕዛብ ይመርፁ።
ዕድመኦም ልዕሊ 35 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብ ጉያ፣ ሳይክልን ካልኦት ዓይነታት ስፖርትን ክሳብ 60 ዓመቶምን ልዕሊኡን ንዝወዳደሩ ኣትሌታትን ውልቀሰባትን ድማ ከም ኣብነት የልዕሉ።
ኣብ ማንችስተር ዩኒቨርሲቲ ሜትሮፖሊታን መምህር ኣመጋግባን ሜታቦሊዝምን ፖል ሞርጋን፡ ካብ መንጎ እዞም ኣትሌታት መብዛሕትኦም፡ ኣዝዩ ዝተፈለየ ዘበን እርጋን ከም ዝህልዎም ይዛረብ።
ናይ ልቦምን ሳምብኦምን ብቕዓት ከምኡ'ውን ጥንካረ ጭዋዳታቶም፡ ኣብ ልዑል ደረጃ ከም ዝርከብን ዝቕንስ ድማ ብኸይዲ ከም ዝኾነን የረድእ።
ናይዚ ውፅኢት፡ ብዙሓት ኣብ ግዘ እቲ ዳሕረዋይ ዕድመኦም፡ ንነዊሕ እዋን ናይ ምንቅስቓስ ፀገም ከየጋጠሞም ንግዘ እርጋኖም ከስተማቕርዎ ይኽእሉ።
ሞርጋን፡ "ኣብ ማእኸላይ ዘበን ህይወቶም ከም መከላኸሊ ኰይኑ ዘገልግል ዕቑር ጥንካረ ኣለዎም" ይብል።
ወሲኹ፡ ኩላህና ካብዚ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ፅቡቕ ግዘ እርጋን ንክህልወና" ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት፡ ክንዲ ዝኸኣልናዮ ብልዑል ደረጃ ንምዕዋት ክንትልም ኣለና ይብል።
ብፍላይ፡ ኣብ ምትዕፅፃፍ ኣካላትናን ጥንካረ ጭዋዳታትናን፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት እንከለና ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ።
ዕድመኡ 70ን ልዕሊኡን ንዝኾነ ሰብ፡ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ፡ ምዕንቃፍን ምውዳቕን እዩ። እዚ፡ ምስ ቅልጣፈ ምስኣንን ኣብ መላግቦታት መጠን ምንቅስቓስ ምስ ምንካይን ዝዛመድ እዩ።
ሞርጋን፡ "ኣብ ታሕተዋይ ኣእጋርና ዝርከቡ ንምንቅስቃስ ዝሕግዙና ጭዋዳታት፡ ብነፃነት ንምንቅስቓስ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም እየ ዝዕዘብ። ስለዚ ኣብዚኦም ምድሃብ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል።
እዚ ንምዕዋት፡ ስፖርት (ኣካላዊ ምንቅስቓስ) ምስራሕ ፅቡቕ መገዲ እዩ። ኣብ ከም ቴኒስ ወይ ባድሚንተንን ዝበሉ ናይ ራኬት ዓይነታት ስፖርት ምስታፍ፡ ምስ ነዊሕ ዕድመ ርክብ ከም ዘለዎ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ እዩ።
ኣብ 2025 ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ ሓደ መፅናዕቲ፡ ረብሓታት ሳይክል ምዝዋር ኣጉሊሁ ኣርእዩ።
ወትሩ ሳይክል ዝዝውሩ ካብ 60 ክሳብ 65 ልዕሊኡን ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕብሓብ ዘየድልዮም ኰይኖም እንትርከቡ፡ ኣብ ዘይእዋኖም ናይ ምሟት ዕድሎም'ውን ትሑት እዩ።
ኣብ ሰሙን ንልዕሊ 75 ደቓይቅ ምጉያይ'ውን፡ ንከይድታት እርጋን ከም ዘደንጕይ ተረጋጊፁ።
እንተኾነ፡ ንከም ማራቶን ዝኣመሰለ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ጉያ ግና፡ ዳግማይ ምሕሳብ ከድልይ እዩ።
ዋላ'ኳ እዚ ኣብ ግንዛበ ዝኣተወ እንተዘይኾነ፡ ንነብስኹም ክሳብ ጫፍ ምድፋእ (ፀቕጢ ምግባር)፡ ንእርጋን ከቀላጥፎ ከም ዝኽእል ዘመልክቱ ገለ መርትዖታት ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ሓደ መፅናዕቲ ከም ዘመልከቶ፡ ኣብ መዓልቲ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ማእኸላይን ጥንኩርን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ እርጋን ሓንጐል ክንክይ ይሕግዝ።
ኣብ አሜርካ ዩኒቨርሲቲ ፒትስበርግ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሕክምና ኣዲቲ ጉርካር ከም ትብሎ፡ ብኣንፃራውነት ቀለልቲ ምንቅስቓሳት ምግባር፡ ኩላትና ሓደሓደ ጥዑይ ረብሓታት እርጋን ክንረክብ ንኽእል ኢና።
"ድሕሪ ምግቢ ን15 ደቓይቕ ቅልጡፍ ጉዕዞ እግሪ ምግባር፡ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ የምፅእ" ትብል።
ንደሓር ዝኸውን ጥንካረ ሓንጐል ምህናፅ
ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ከምቲ ንጭዋዳታትናን ስርዓት ሰራውር ደም ልብናን ምሕላውን ምጥንካርን ንኽእል፡ ንሓንጐልና'ውን ከምዚ ክንገብር ይግባእ።
ጥዕና ስኒ ንምሕላው ብስሩዕ ምምርማር፣ ፅቡቕ ስኒ ናይ ምፅራይ ልምዲ ምዕባይ፣ ሽጋራ ዘይምትካኽን ምቁራት ምግብታት (ብዙሕ ሽኮር ዘለዎም) ብምንካይን፡ ዘደንቕ ለውጢ ክነምፅእ ንኽእል ኢና።
ምስ ስኒ ዝዛመዱ ሕማማት ኣብ ዳሕረዋይ ዕድመ ዘበን (ግዘ እርጋን) ንዝህሉ ምንካይ ብቕዓት ሓንጐል ከም ዘቃልዕ ብዙሓት መፅናዕትታት ኣረጋጊፆም'ዮም።
ተመራመርቲ፡ ኣብ ኣካላትና ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ትሑት መጠን ዘለዎ ነድሪ፡ ምስ ግዘ ንሓንጐል ክጎድኦን ንኣገባብ ኣሰራርሕኡ ክፀልዎን ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ናይ 30ታት ዕድመኹም፡ መጠን እትወስድዎ ኣልኮል ምንካይ እትጅምርሉ እዋን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣልኮል ምስታይ፡ ንኣሰራርሓ ጂን ሰብነትና ዝፀልዎ እንትኾን፡ እዚ ለውጢ ድማ ንእርጋን የቀላጥፎ። ኣልኮላዊ መስተ፡ ቀንዲ ንድቃስ ዝዘርግ'ውን እዩ።
ቨርዲን፡ ምስ ዕድመ ንዝዛመድ ምንካይ ብቕዓት ሓንጎል ንምውጋድን ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ንዘጋጥም ስግኣት ሕማም ረሲዕ ንምንካይን፡ ስሩዕ ናይ ድቃስ ግዘ ክህልወና ይምዕድ።
እዚ ድማ፡ መዓልታዊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምድቃስን ምንቃሕን ዝሓውስ እዩ።
ድቃስ፡ ሰብነት ኣብ ምፅጋን ዋህዮታት ጥራሕ ንከድህብ ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ሰባት ጥዑይ ኣነባብራ (ቅዲ ህይወት) ንክኽተሉ፡ ጉልበትን ተበግሶን ክህልዎም የኽእል።
"ሓንቲ ለይቲ ድቃስ እንተስኢንኹም፡ ምግቢ ናይ ምሕቓቕ ስርዓትኹም ይቕየር። ከም ሳዕቤኑ፡ ጥዕናኹም ንምሕላው ዘኽእሉ ነገራት ንምግባር ሽውሃትኹም ይጠፍእ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ንሕና መዓልትን ለይትን ንኽተል ፍጡራት ስለዝኾንና'ዩ" ይብል።
"ናህትና ጠቕላላ ስነ ህይወት ካብ ጂን ክሳብ ሜታቦሊዝም፡ ምስ ዑደት 24 ሰዓታት ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚ፡ መዓልታዊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምድቃስ፡ ሰብነት ምስዚ ኹሉ ንክጠዓዓም ይሕግዝ" ብምባል ይምዕድ።
እንተኾነ፡ ዝኾነ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብን ኣናእሽተይ ቆልዑ ዘዕብይን ሰብ ከም ዝፈልጦ፡ ኩሉ ግዘ ፅቡቕ ድቃስ ከየጋጥም ይኽእል እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ምናልባት ክሊ ዕድመ 30ታት ኣመጋግባኻ ብዕቱብ ምክትታል ክትጅምር ፅቡቕ ግዘ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቨርዲን ከም ዝብሎ፡ ክንገብሮም ካብ ዝግቡእና ፅቡቓት ነገራት እቲ ሓደ፡ ምግቢ ኣብ ዘይንበልዐሉ እዋን፡ ንሰብነትና ተወሳኺ ግዘ ምሃብ እዩ ይብል። ፆም ዕረፍቲ ከም ዝህብ ድማ ይገልፅ።
ብዙሓት ደገፍቲ 'ኢንተርሚተንት' ፆም፡ 16፡8 ተባሂሉ ዝፍለጥ ስርዓት ይኽተሉ።
እዚ፡ ኣብ መዓልቲ ን16 ሰዓታት ብምፅዋም፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ሰዓታት ምምጋብ ማለት እዩ።
ቨርዲን ግና፡ ብ12፡12 ብምኽፋል ብዙሕ ረብሓታት ክንረክብ ከም ንኽእል ይምዕድ።
"ብቐንዱ ኣብ ትፆምሉ እዋን ሰብነትኹም ኣብ ምሕቓቕ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምፅጋን ንከድህብ የኽእሎ። ንሰባት ዝነግሮም፡ ኣብ ዝምገብሉ እዋን ከም ዝሃንፁ፡ እንትፆሙ ግና ከም ዝፅግኑ'ዩ" ይብል።
ብዙሕ ኣትኽልትን ፍረምረን ምምጋብ፡ ልዕሊ ኣብ ፋብሪካ ዝተመስርሑ ምግብታት ለውጢ ከምፅእ ይኽእል እዩ።
ጉርካር ካብ ልምዳ ብምብጋስ፡ ኣብ ከም ሽኮር ድንሽን ካሮትን ዝኣመሰሉ ኣትኽልቲ፣ ኣብ ማንጎን ኣፕሪኮትን ዝኣመሰሉ ፍረምረን ዝርከብ ልዑል መጠን ካሮቲኖይድ ዘለዎም ምግብታት ዝምገቡ ሰባት፡ ቀስ ኢሎም እዮም ዝኣርጉ ትብል።
ምኽንያቱ፡ እዞም ኬሚካላት ንዋህዮታትና 'ኦክሲዴቲቭ ስትረስ' ካብ ዝበሃል ጉድኣት ንምክልኻል ግደ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ብሓፈሻ፡ ፓሶስ ገና ኣብ ንእስነት ዕድመና ዝህልዉና ሕርያታት፡ ደሓር ኣብ ናይ እርጋን ዕድመና፡ ዘላቒ ፅልዋ ከም ዝህልዎም ርግፀኛ እዩ።
ኣብ አሜርካ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብዓሰርተ ኣሽሓት ንዝቑፀሩ ሰባት ዝተኸታተሉ ዓበይቲ መፅናዕትታት ብምፅራሕ ድማ፡ ኣብ መፋርቕ ዕድመኦም ጥዑይ ኣነባብራ (ቅዲ ህይወት) ዘለዎም ሰባት፡ ንሕማም ልቢ፣ ምንቁልቋል ብቕዓት ኣእምሮን ዓቕሚ ምስኣንን ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ትሑት እዩ ይብል።
ፓሶስ ከም ዝብሎ፡ እርጋን ምግታእ'ኳ እንተዘይተኽኣለ፡ "ብርግፀኝነት ኣንፈት ክነትሕዞ (ብኸመይ ከም ንኣርግን እቲ ከይዲ ጥዑይ ክንገብሮን) ንኽእል ኢና።"
ኣብ 30ታት ዕድመ ኰይንኩም ስምዒት ሰዓራይነት ክስምዓኩም ይኽእል እዩ፤ እርጋን ግና፡ እዋን ሓልዩ ደበኽ ምባሉ ዘይተርፍ እዩ።
እንተኾነ፡ ልዕሊ ዓቐን ኣልኮል ምስታይ እንነኪኹም፣ ክሳብ እርጋን ክንዲ ትኽእልዎ ስፖርት እንተሰሪሕኹም፣ ስሩዕ ሰዓት ድቃስ እንተሃልይኩም፡ ጭዋዳታትኹም፣ መላግቦታትኹምን ሓንጐልኹምን፡ ኣብ ግዘ እርጋንኹም ከመስግንኹም እዮም።