ብዛዕባ ዘይተለምዱ ፍርሒታት እንታይ ትፈልጡ?

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ፍርሒ ከበግሱ ተኽእሎ ዘለዎም ምስልታት፡ ቃላትን ኣገላልጻታትን ዝሓዘ እዩ።

ብእንግሊዝኛ ፎብያ ወይ ድማ ብትግርኛ ዘይርትዓዊ ፍርሒ ማለት ሰባት ዝዀነ ሓደጋ ዘስዕብ ምኽንያት ኣብ ዘይብሉ እዋን ዘጋጥም ፍርሒ እዩ።

ሓደ ነገር ምፍራሕ ዘይተለምደ ኣይኰነን፤ ኣብ ገለ ሰባት ግን፡ እቲ ከም ንእሽቶ ፍርሒ ዝጅምር ኵነታት፡ ናብ ብሓቂ መዓልታዊ ህይወት ዝጸሉ ጭንቀት ክምዕብል ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ፎብያ ወይ ዘይርትዓዊ ፍርሒ ይበሃል።

ገለ ሰባት ንሓደ ነገር ካብ ዘለዎም ፍርሒ ዝተለዓለ መዓልታዊ ዕማማት ንምፍጻም ከምዝጽገሙ ይገልጹ።

እዚ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዕድመ ክምዕብል ዝኽእል ኵነታት ስነ-ኣእምሮ፡ ብሓፈሻ ሓሙሽተ ቀንዲ ምድባት ኣለዎ።

ፍርሒ እንስሳታት፡ ፍርሒ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ፍርሒ ደም/መርፍእ፡ ፍርሒ ኵነታትን እቶም ኣርባዕተ ምድባት ኰይኖም እቲ ሓምሻይ ካልኦት ዝተፈላለዩ ፍርሒታት ዘጠቓልል ምድብ እዩ።

ብሓፈሻ ብዙሓት ልሙዳት ዝዀኑ ፎብያታት ኣለዉ።

ማሕበራዊ ፍርሒ (ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ ምፍራሕ)፡ ኣጎራፎብያ (ፍርሒ ክፉት ህዝባዊ ቦታታት)፡ ኢሜቶፎብያ (ፍርሒ ተምላስ)፡ ፍርሒ ምዝዋር መኪና፡ ሃይፖኮንድርያ (ፍርሒ ሕማም)፡ ኤሮፎብያ (ፍርሒ በረራ)፡ ኣራክኖፎብያ (ፍርሒ ሳሬት)፡ ዙፎብያ (ፍርሒ እንስሳታት) ከምኡ’ውን ክላስትሮፎብያ (ፍርሒ ጸበብቲ ቦታታት ገለ ካብቶም ልሙዳት ፎብያታት’ዮም።

ዘይተለምዱ ፍርሒታት

ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ፡ ሰባት ንዝዀነ ይዅን ነገር ዝምልከት ፍርሒ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ድማ ክኢላታት ዘይተለምዱ ዓይነታት ፍርሒ ከምዝተዓዘቡ ይገልጹ።

ንኣብነት፡ ፈለማ ኣገልግሎት ባቡር ክጅመር እንከሎ፡ ፍርሒ ባቡር (ሳይደሮድሮሞፎብያ) ዘማዕበሉ ሰባት ነይሮም።

ሓደ ሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ዝፍለጥ ፍርሒ ብሓድሽ መንገዲ ክግለጽ ይኽእል። ንኣብነት፡ ‘ስኮፖፎብያ’ ሰባት ካልኦት ክጥምትዎም እንከለዉ ዝስምዖም ፍርሒ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣኼባታት ብዙም (ብቪድዮ) ድሕሪ ምክያዶም ብሓድሽ መንገዲ ይግለጽ ኣሎ።

ካልእ ኣብ ቀረባ እዋን እናተለመደ ዝመጽእ ዘሎ ድማ ‘ኖሞፎብያ’ እዩ። እዚ ኵነታት ሰባት ሞባይሎም ምስኦም ኣብ ዘይኰነሉ እዋን ዝስምዖም ፍርሒ እዩ።

ዘይተለምዱ ዓይነታት ፍርሒ ግን እዚኦም ጥራይ ኣይኰኑን።

ፎቦፎብያ - ፍርሒ ፎብያ

እዚ ቃል ንፍርሒ ፎብያ ዝገልጽ’ዩ።

ገለ ሰባት ፎብያ ከየማዕብሉ ኣዝዮም ካብ ምፍራሖም ዝተለዓለ፡ ፎብያ የማዕብሉ።

ብሰንኪ’ዚ ብዛዕባ ፍርሒ ክሓስቡ እንከለዉ ንኣብነት ምልክታት ስንባደ ከርእዩ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ሰባት ኣብ ገዛእ ነፍሶም ዝፍጽምዎ ትንቢት ክኸውን ይኽእል።

ሰባት ዋላ ካልእ ፎብያ እናሃለዎም፡ ፎቦፎብያ ከማዕብሉ ከምዝኽእሉ ክኢላታት ይገልጹ።

ሴስኪፔዳሎፎብያ - ፍርሒ ነዋሕቲ ቃላት

ከም ኣንቲዲስኢስታብሊሽመንታሪያኒዝም (antidisestablishmentarianism) ዝኣመሰሉ ነዋሕቲ ቃላት ዝፈርሑ ሰባት ኣለዉ።

እዚ ፍርሒ ሴስኪፔዳሎፎብያ ብዝብል ይፍለጥ። ነዚ ኵነታት ዝገልጽ ‘ሂፖፖቶ-ሞንስትሮ-ሴስኪፔዳሎፎብያ’ ዝብል ቃል ባዕሉ ሓደ ካብቶም ፍርሒ ዘበግሱ ነዋሕቲ ቃላት እዩ።

ጥምዛዝ ዕጫ፡ ገለ ሰባት ንፍርሒ ኣዝዩ ነዊሕ ቃላት ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ሂፖፖቶ-ሞንስትሮ-ሰስኩፔዳሊዮፎብያ’ውን ኣሎ።

ኣይቦህፎብያ ንተምያጠ ንባባዊ ቃላት (ፓሊንድሮም) ዝገልጽ ዘይወግዓዊ ቃል እውን ኣሎ። ተምያጠ ንባባዊ ቃላት (ፓሊንድሮም) ክበሃል እንከሎ ቅድሚትን ድሕሪትን ክንበቡ እንከለዉ ሓደ ዓይነት ድምጺ ዘለዎም ቃላት ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ኣይቦህፎብያ እንግሊዝኛ ቃሉ ‘aibohphobia’ ኰይኑ ንቕድሚት ወላ ንድሕሪት እንተተነቢቡ ሓደ ዓይነት ድምጸት ኣለዎ - ኣይቦህፎብያ።

ኖሞፎብያ - ፍርሒ ምጥፋእ ሞባይል

ካብ ኣብ ቀረባ እዋናት እናተለመዱ ዝመጹ ዓይነታት ፍርሒ ኖሞፎብያ እዩ። እዚ ኣብ 2010 ብቤት ጽሕፈት ፖስታ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰመየን ኣብ መዝገበ ቃላት ካምብሪጅ 2018 ዝተኻተተን ቃል፡ ሰባት ሞባይሎም ክስእኑ እንከለዉ ዝስምዖም ፍርሕን ጭንቀትን ይገልጽ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣብ ወልፊ ቴክኖሎጂ ዝያዳ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያዶም፡ ገለ ሰባት ንሞባይሎም ዘለዎም ወልፊ እናወሰኸ ከምዝኸደ ተዓዚቦም። ገለ ሰባት ምስ ስማርትፎኖም ዘለዎም ምትእስሳር ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ሞባይሎም ክጠፍእ እንከሎ ልዑል ጭንቀት ከምዝስምዖም’ውን ኣረጋጊጾም። እዚ ፍርሒ ድማ ኖሞፎብያ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ስማርትፎናት ኣዝየን ምዕቡላት ስለዝዀና ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዓልታዊ ንጥፈታት ንጥቀመለን ኢና። ካብ ሞባይሎም ምርሓቕ ወይ ክጥቀሙሉ ዘይምኽኣል ብሓቂ ንስምዒት መንነት ክጸሉ ይኽእል እዩ።

ኦምፋልኦፎብያ - ፍርሒ ሕብርቲ

ናብ ሕብርቶም ዝኣተወ ጡጥ ምውጻእ ከይተረፈ ዘሰክፎም ገለ ሰባት ኣለዉ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ሕብርቶም ምትንካፍ ዘፍርሖም ኰይኖም፡ እዚ ኵነታት ድማ ኦምፋሎፎብያ ብዝብል ይፍለጥ።

እዚ ፍርሒ’ዚ ብኸመይ ክምዕብል ከምዝኽእል ብሓቂ ንጹር ኣይኰነን፤ ኪኖ’ቲ መደበኛ ኣብ ቁልዕነት ዘጋጥም ስንባደ ካልእ ጠንቂ ክህሉ ዘሎ ተኽእሎ’ውን ኣይፍለጥን።

ገለ ክኢላታት ግን ምስ ኣገዳስነት ዕትብቲ የተኣሳስርዎ።

ብሰንኪ’ዚ ፎብያ ዝሳቐዩ ፍሉጣት ሰባት ኣለዉ፤ ሓንቲ ካብዚኦም ክሎይ ካርዳሽያን እያ። ክሎይ ኣብ 2015 ኣብ ትዊተር፡ ዋላ ናይ ገዛእ ርእሳ ሕብርቲ ምትንካፍ ከምዘሰክፋ ገሊጻ ነይራ።

እዚ ጥንሲ ዕሸል ኵሉ መኣዛታት ዝረኽበሉ መንገዲ ስለዝዀነ፡ ሕምብርቲ እንተተተንኪፋ ክትጉዳእ ትኽእል’ያ ዝብል ዘይርትዓዊ ፍርሒ ከማዕብሉ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ።

እንተዀነ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ዝድግፍ ዝዀነ መርትዖ የለን።

ቱሮፎብያ - ፍርሒ ፎርማጆ

‘ቱሮ’ ካብ ጥንታዊ ግሪኽ ዝተወስደ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ፎርማጆ ማለት እዩ።

እዚ ፍርሒ ዘለዎም ገለ ሰባት፡ ኣይኰነን’ዶ ፎርማጆ ክበልዑ ክጨንዎም ዋላ’ውን ክርእይዎ ኣይደልዩን።

እዚ ምስ ዘይተጻዋርነት ላክቶስ ምትእስሳር'ኳ እንተሃለዎ፡ ምስ ፎርማጆ ዝተኣሳሰር ስንባደ ዝመልኦ ተመኵሮ ግን ቀንዲ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕሰብ።

ጀኑፎብያ

ጀኑ ንብርኪ ዝገልጽ ቃል ላቲን እዩ።

ጀኑፎብያ ድማ ኣብ ገለ ሰባት ንዝርአ ፍርሒ ብርኪ ይገልጽ።

ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብርኪ ክርእዩ እንከለዉ ዘይርትዓዊ ፍርሒ ይስምዖም፤ ወይ’ውን ምንብርካኽ ዋላ ኣብ ብርኪ መጉዳእቲ ከየጋጥሞም ጽዑቕ ጭንቀት ይሓድሮም።

ባምባኮማሎፎብያ

እዚ ፍርሒ ጡጥ ሱፍ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ቃሉ ካብቲ ንጡጥን ሱፍን ዝገልጽ ናይ ግሪኽ ቃላት ዝመጸ እዩ።

ብፍላይ ጡጥ ወይ ሱፍ ኣካላቶም ክትንክፎም እንከሎ፡ ዘስካሕክሖም ሰባት ከምዘለዉ ይንገር። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ንዕድመኦም ምሉእ ካብ ጡጥ ወይ ሱፍ እናረሓቑ ክንብሩ ይግደዱ።

ፖጎኖፎብያ

ፖጎን፡ ንጭሕሚ ዝገልጽ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ቃል እዩ።

ፖጎኖፎብያ ድማ ፍርሒ ጭሕሚ ይኽውን ኣሎ።

እዚ ኵነታት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ከም ዝረአ ይንገር።

ነፍስሄር ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ማርጋሬት ታቸር በዚ ኵነታት ትሳቐ ምንባራ ይንገር።

ሃፈፎብያ

ገለ ሰባት ዋላ ስድራቤት ወይ ፈተውቶም ከይትንክፍዎም ይፈርሑ።

እዚ ናይ ቆርበት ተነቃፍነት ጸገም ዘይኰነስ፡ ምትንካፍ ካብ ምጽላእ ዝብገስ’ዩ።

ትራይፖፎብያ

ራይፖፎብያ፡ ፍርሒ ነዃል ነገር እዩ።

ትራይፓ ካብ ግሪኽ ቃል ዝተወሰደ ቃል ኰይኑ፡ እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት፡ ዝዀነ ነዃል ዘለዎም ነገራት ክርእዩ እንከለዉ ልዑል ጭንቀት ክስምዖም ተኽእሎ ኣሎ።