ገንዘብ ብዘይግቡእ ዘባኸነ ሚኒስተር ስራሕ ደው ኣቢሉ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓፕዋ ጊኒ፡ ኣብ ምድፋእ ዘውዲ ሳልሰዋይ ንጉስ ቻርለስ ገንዘብ ብዘይግቡእ ኣባኺኑ’ዩ ብዝብል ተቓውሞታት ምብዝሑ ስዒቡ ስራሕ ደው ከብል ተገዲዱ።

እታ ሃገር ብወግዒ ናብ ዘውዲ ምድፋእ ንጉስ ቻርለስ ኣብ ዝለኣኸትሉ ግዜ ገንዘብ ከምዘባኸነ ተገሊጹ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀስቲን ታካቺንኮ ምስ ጓሉ ሳቫና ናብቲ ዘውዲ ናይ ምድፋእ ስነ ስርዓት ዝተጉዓዘ ኮይኑ እታ ጓሉ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጽ ቲክቶክ ብቐዳማይ ደረጃ በረራ ነፋሪት ከምዝተጉዓዙን ኣብ ሲንጋፖር ዝገበርዎ ዕድጊትን ንሰዓብታ ኣካፊላ።

እቲ ሚኒስተር ንጓሉ ሳቫና ዝነቐፉ ሰባት “ድሑር እንስሳት” ኢልዎም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ዘረብኡ ሓያል ክትዕ ኣልዒሉ።

ፓፕዋ ኒው ጊኒ ካብተን ኣባል ሃገራት ኮመንዌልዝ ሓንቲ’ያ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀስቲን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጄምስ ማራፔ ድሕሪ ምዝርራቡ “ስርሑ ንኽለቅቕ” ከምዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ንሬንድራ ሞዲ ናብታ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ ግዜ እቲ ዝተጀመረ ተቓውሞታት ዕንቅፋት ከይኸውን ካብ ዝብል መበገሲ ስርሑ ክለቅቕ ከምዝወሰነ ተዛሪቡ።

“ብዛዕባ እቲ ርእሰ ጉዳይ ዝተነዝሐ ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ከምዝተጻረየ ከፍልጥ እደሊ” ኢሉ።

ሓንቲ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ እቲ ሚኒስተር ምስ ካልኦት 10 ሰበ ስልጣን ኮይኑ ብሓደ ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ ከምዝተረኸበ ጸብጺባ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ እታ ሃገር ቢል ቶራሶ 10 ሰበ ስልጣን ፓፕዋ ኒው ጊኒ ምስ 10 ገያሹ ኮይኖም ናብ ለንደን ከምዝገሹ ንሮይተርስ ኣረጋጊጹ።

ጓል እቲ ሚኒስተር ኣብ ቲክቶክ ኣብ ዝዘርግሐቶ ቪድዮ ኣብ ናይ ሕንቁቛት መደብር ፋሽን ኣትያ ክትዕድግ ትርአ። እቲ ቪድዮ ድሓረ ኣጥፊኣቶ’ያ።

ንህዝባዊ ኣገልግሎት ክውዕል ዝግብኦ ገንዘብ ይባኽን ኣሎ ዝብል ዒምዒምታ ኣልዒሉ’ዩ።

ኦቦኣ ግን “ጓለይ ብእዞም ሰባት ምኽንያት ተጎዲኣ’ያ። ቅንኢ ሕማቕ’ዩ። እዞም ሰባት ሽም ንሃገሮም ናይ ዘገልግሉ ሰባት ካብ ምጽላም ሓሊፉ ካልእ ስራሕ የብሎሙን” ኢሉ።

እዚ ምስበለ ግን ተመሊሱ በቲ ዝሃቦ ሓሳብ ተጣዒሱ ይቕሬታ ሓቲቱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብግዲኡ ህዝቢ እታ ሃገር ንይቕሬታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ንኽቕበል ተማሕጺኑ።