እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋዜጠኛ ‘ዘፈራርሐ’ ምክትል ጸሓፊ ዋይት ሃውስ ስርሑ ገዲፉ
ምክትል ጸሓፊ ፕሬስ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ቲጀይ ዱክሎ ስርሑ ከምዝገደፈ ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ንሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ ጋዜጠኛ “ኣፈራሪሕኻ” ብዝብል ወቐሳ ካብ ስርሑ ከምዝተኣገደ ምስተነገሮ ንጽባሒቱ’ዩ ስራሕ ምግዳፉ ብወግዒ ዘፍለጠ።
'ፖለቲኮ' ናይ ዝተብሃለ ሚድያ ጋዜጠኛ ዝኾነት ታራ ፓልመሪ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ተደጋጋሚ ሕቶ ከመዘቕረበትሉን “ከጥፍኣኪ’የ” ኢሉ ከምዘፈራርሓን ይግለጽ።
ዱኮሎ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ዝተጠቐመሎም ቃላት “ፍንፉናት” ከምዝኾኑ ኣሚኑ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ስነ ምግባር ንዘይብሎም ሰራሕተኛታት እቲ ምምሕዳር ክሰጉግ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።
እቲ ወዲ 32 ዓመት ምክትል ጸሓፊ ዋይት ሃውስ ዱክሎ “ጣዕሳይ ዝገልጸሎ ቃላት ስኢነ” ክብል ኣብ ናይ ውልቁ ትዊተር ጽሒፉ።
“ዝኾነት ጓል ኣነስተይቲ ፈጺማ ክትሰምዖም ዘይብላ ቋንቋ እየ ተጠቒመ። እሞ ድማ ስርሓ እናሰርሐት እንከላ ስለዝኾነ ፍጹም ዘይቅቡል ተግባር’ዩ” ኢሉ።
“ንናይ ዋይት ሃውስ መሳርሕተይን ፕረዚደንት ባይደንን ስለዘቐየምኩዎም ካብ ልበይ ሓዚነ’የ። ትማሊ ምስ ሓለፍቲ ኮሚኒኬሽን ዋይት ሃውስ ብዝገበርናዮ ዘተ ካብ ስርሐይ ለቂቐ ኣለኹ” ዝበለ ቲጀይ ዱክሎ፡ እታ ተጓንፎ ዘይትውክሎ ባህሪ ከምዝኾነት ሓቢሩ።
ጋዜጠኛ ፓልመሪ፡ ኣብቲ ርእሰ ጉዳይ ኣድሂባ ዛጊድ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።