ቻርለስ፡ ሓዲሽ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ኰይኑ

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ሞተት፡ እቲ ዙፋን ብኡንብኡ ናብ ወራሲ ዙፋን ዝዀነ ወዳ ልኡል ዌልስ ነበር ቻርለስ ሓሊፉ’ሎ።

ይዅን እምበር፡ ዘውዲ ንግስነት ንኽደፍእ ሓያሎ ግብራውን ባህላውን መስርሕ ኣለዎ።

መጸውዒ ሽሙ

ፈለማ እቲ ሓዲሽ ንጉስ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ድዩ ክበሃል ዝደሊ ወይስ ካልእ ስም ክመርጽ ክውስን እዩ።

ንኣብነት፡ ኣቦሓጐኡ፡ ጆርጅ ሻድሻይ፡ እቲ ቀንዲ መጸውዒ ስሙ ‘ኣልበርት’ እዩ ነይሩ።

ይዅን እምበር ካብቲ ማእከላይ ኣስማቱ ጆርጅ ንዝብል ሓርዩ ብእኡ ክጽዋዕ እዩ መሪጹ።

ቻርለስ ከኣ ካብቲ ኣርባዕተ ኣስማት ናቱን ናይ ወለዱን፡ ማለት፡ ቻርለስ፡ ፊሊፕ፡ ኣርተር፡ ጆርጅ [ናቱ፡ ናይ ኣቦኡ፡ ናይ ኣቦሓጐኡ፡ ናይ ኣቦ ኣባሓጐኡ፡ ኣርባዕተ ኣስማት] ንሓደ ካብኡ ክመርጽ ይኽእል እዩ።

ስሙ ክቕይር እንተደልዩ እውን ቅድሚኡ ስለ ዝተገብረ ሓዲሽ ስም ክመርጽ ይኽእል። 

ንኣብነት ወዲ ቻርለስ ልኡል ዊልያም ወራሲ ዙፋን እኳ እንተዀነ ፡ ብኡንብኡ ግን ልኡል ዌልስ ኣይክኸውንን እዩ።

ንቕድም ነቲ ናይ ኣቦኡ ዱክ/መስፍን ኮርንወል ዝብል ዝጸንሐ መዓርግ እዩ ዝወርስ።

በዓልቲ ቤቱ ካትሪን እውን 'ዳችስ ኮርንወል' እያ ክትበሃል።

ንበዓልቲ ቤት ቻርለስ [ካሚላ ሮስመሪ] እውን ንግስቲ ኮንሶርት ዝብል ሓድሽ መዓርግ ክህልዋ እዩ።

ኮንሶርት ማለት በዓልቲ ቤት ወይ ሰበይቲ ንጉስ ንምባል ዘገልግል ቃል እዩ። 

ወግዓዊ ጽምብላት

ቻርለስ፡ ድሕሪ ሞት ወላዲቱ ኣብተን ናይ መጀመርታ 24 ሰዓታት ብወግዒ ክነግስ እዩ።

እቲ ጽንብል ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሰይንት ጀምስ ፓላስ ኣብ ቅድሚ ጸምበልቲ ሽማግለ ወራስ-ዝፋን ክፍጸም እዩ።

[ሽማግለ ጸምበልቲ ወራስ-ዝፋን Accession Council መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሓደ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዘቕውም ኰይኑ፡ ኣብ ሴንት ጀምስ ፓላስ ብወግዒ ሞትን ስንብታን ንግስቲ ብምግላጽ ተካኢ ናይቲ ዝፋን ዝእውጅ ሕጋዊ ኣካል እዩ።]

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ስልጣን ብዘለውን ብዝነበሩን ላዕለዎት ኣባላት ባይቶን መዘኑኦምን፡ ከምኡ'ውን ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ሰብ-መዚ መንግስታት ምትእኽኻብ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ [ኮመንወልዝ] ከምኡ'ውን ብከንቲባ ለንደን ዝቘመ እዩ።

ኣብቲ ጽንብል ልዕሊ 700 ሰባት ክሳተፉ ዝግባእ'ኳ እንተኾነ ምስ ሕጽረት ግዜ እቲ ልክዕ ቍጽሪ ክውሕድ ይኽእል እዩ።

ብ1952 ኣብ ዝተገብረ ጸምበልቲ ሽማግለ ወራስ-ዝፋን ኣስታት 200 ሰባት ጥራሕ እዮም ተሳቲፎም ነይሮም።

ብልምዲ እቲ ንጉስ ኣብቲ ጽምብል ክሳተፍ ግድን ኣይኮነን።

ኣብቲ ዝግበር ኣኼባ፡ ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብእዋናዊ ፕረዚደንት ባይቶ ብሎርድ ፔኒይ ሞርዳውንት ኣባል ካቢኔ (ኤም-ፒ) ክንገር እዩ፤ እቲ ኣዋጅ እውን ክንበብ እዩ። 

ቃላት ናይቲ ኣዋጅ ክለዋወጥ ይኽእል እዩ፤ ትሕዝቶኡ ግን ብልምዲ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ንጉስ ዝንእድን ነቲ ሓድሽ ንጉስ ድማ ዝድግፍን ኰይኑ ብጸሎትን መብጽዓን እዩ ዝስነ።

ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ኣዋጅ ብኸም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሊዛ ትሩስ፡ ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪን ሎርድ ቻንስለርን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ይፍረም።

ኵሉ ስነ-ስርዓት ጽምብላት፡ ከም ምልክት ሓድሽ መዋእል ተቘጺሩ ብዝያዳ ኣብ ዝውሰኽ ወይ ዝሕደስ ነገራት ኣቓልቦ ይገብር።

ሽማግለ ጸምበልቲ ደፋእ-ዘውዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ዝእከብ፣ ሽዑ ከኣ እቲ ንጉስ ምስ ፕሪቪይ ባይቶ ሓቢሩ ይእከብ ።

ኣብ መጀመርታ ንግስነት ብሪጣንያ፡ ከም ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ዝገብርዎ 'ቃለ ማሕላ’ ኣይገብሩን እዮም ነይሮም።

ይዅን እምበር፡ እቲ ሓድሽ ንጉስ ምስቲ ኣብ መጀመርታ መበል 18 ክፍለ-ዘመን ዝነበረ ልምዲ ብምስምማዕ፡ ንቤተ ክርስትያን ስኮትላንድ ንምዕቃብ ቃለ ማሓላ ክፍጽም እዩ ።

መለኸት ምስተነፍሐ፡ ቻርለስ ካብ ገበላ/ (ባልኮኒ) ቤተ-መንግስቲ ሰይንት ጀምስ ሓድሽ ንጉስ ምዃኑ ንህዝቢ ክእውጅ እዩ።

"ኦ ኣምላኽ ንንጉስ ሓልዎ" ኢሉ ከኣ ክጽውዕ እዩ።

ድሕሪ 1952 ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ሃገራዊ መዝሙር "ኦ ኣምላኽ ንንጉስ ሓልዎ" ክበሃል እዩ ።

ኣብ ለንደን ግምቢ ዘብዐኛ ሃይድፓርክ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ክብሪ ተዅሲ ክትኮስ እዩ።

ቻርለስ ንጉስ ምዃኑ ዝገልጽ ኣዋጅ ድማ ኣብ ኤዲንብራ፡ ካርዲፍን ቤልፋስትን ክንበብ እዩ። 

ምድፋእ ዘውዲ

ዝለዓለ ዕማም ሽማግለ ጸምበልቲ፡ ወራስ-ዝፋን ንጉስ ቻርለስ ብወግዒ ዘውዲ ከምዝደፍእ ምግባር እዩ።

ይዅን እምበር ምድፋእ ዘውዲ ቀልጢፉ ዝትግበር ፍጻመ ኣይኰነን።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንኣብነት፡ ኣብ ለካቲት 1952፡ ናብ ዝፋን ደይባ ከተብቅዕ፡ ክሳዕ ሰነ 1953 ኣኽሊል ኣይደፍአትን ነይራ።

ንዝሓለፈ 900 ዓመት ምድፋእ ዘውዲ ንግስነት ኣብ ዌስት ሚኒስተር ዓቢ እዩ ክግበር ጸኒሑ።

እቲ ፈላሚ ኣኽሊል ንጉስ ዝደፍአ 'ዊልያም ዘ ኮንከረር' ክኸውን እንከሎ፡ ሕጂ ቻርለስ መበል 40 ዘውዲ ዝደፍእ ዘሎ ንጉስ ክኸውን እዩ ።

ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ኣንግሊካን እዩ ዝህብ።

እቲ ጽምብል ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ከኣ፡ ነቲ ኣብ 1661 ዝተሰርሐ ኣኽሊል ወርቂ ቅዱስ ኤድዋርድ ኣብ ርእሲ ቻርለስ ከንብሮ እዩ።

እዚ እቲ ኣብ ግምቢ ለንደን/ ለንደን ታወር ዝፍጸም ቀንዲ ጽምብል ስልማት ዘውዲ እዩ።

እቲ ዘውዲ፡ 2.23 ኪ/ግ ክብደት ስለዘለዎ እቲ ንጉስ ኣብቲ ጽምብል ጥራይ እዩ ዝገብሮ።

ዘይከም መርዓ ንጉሳዊ ቤተሰብ፡ ጽምብል ምድፋእ ዘውዲ ብመንግስቲ እዩ ዝግበር።

ንወጻኢታቱ ዝምልከት እውን መንግስቲ እዩ ዝሽፍኖ። ዝርዝር ናይቶም ኣጋይሽ ከኣ መንግስቲ እዩ ዝውስኖ።

ኣብቲ ጽምብል እቲ ሓዲሽ ንጉስ ብባህላዊ ልምዲ፡ ብዘይቲ ኣራንሺ፡ ቃርፋ፡ ሙስክን ኣምበርግስን ክቕባእ እዩ።

ሙዚቃን ናይ ምስጋና ንባብን እውን ክህሉ እዩ።

እቲ ዘውዲ ዝደፍእ ሓድሽ ንጉስ ኣብ ቅድሚ ዓለም ክምሕል እዩ።

ኣብዚ ሰፊሕ ጽምብል፡ ኣኽሊልን በትረ ንግስነትን ከም ምልክት ሓዲሽ ሓላፍነቱን ተራኡን ክቕበል እዩ።

ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ ከኣ ነቲ ድሙቕ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ከንብርዎ እዮም። 

ሓላፊ ሓባራዊ ሃብቲ

ቻርለስ ሓላፊ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ (ኮመንወልዝ) ክኸውን እዩ።

ማሕበር ሓባራዊ ሃብቲ ናይ 56 ናጻ ሃገራትን ናይ ኣስታት 2.4 ቢልዮን ህዝብን ምትእኽኻብ እዩ።

ካብአን ኣብዘን 14 ሃገራትን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ንጉስ፡ ርእሰ-ምምሕዳር እተን ሃገራት ክኸውን እዩ።

እዘን ብሓባራዊ ሃብቲ ዝፍለጣ ሃገራት፡ ኣውስትራልያ፡ ኣንቲጓን ባርቡዳን፡ ባሃማስ፡ በሊዝ፡ ካናዳ፡ ግሪንዳድ፡ ጃማይካ፡ ፓፕዋ ኒው ጊኒ፡ ሴንት ክሪስቶፈርን ነቪስን፡ ሴንት ሉቺያ፡ ሴንት ቢንሰንትን ግሬናዲንስ፡ ኒውዝላንድ ደሴታት ሰሎሞን፡ ቱቫሉ እየን።