ሊባኖስ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዓቀብቲ ሰላም ምትኳስ ደው ከተብል ኣመሪካ ሓቲታ

ኣብ ሊባኖስ ንነዊሕ ዓመታት ዓቀብቲ ሰላም ተዋፊሮም ከም ዘለው ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ምስ ሕዝቦላህ ኣብ እተካይዶ ዘላ ጐንጺ ኣብ ልዕሊ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት መጥቃዕቲ ምፍጻም ደው ከተብል ተላብዩ።

ትማሊ ዓርቢ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ስሪላንካውያን ወተሃደራት ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ጊዝያዊ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት (ኡንፊል) ዝበጽሐ መጕዳእቲ ሰራዊቱ ተሓተትቲ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ዙርያ መደበር ኡንፊል ኣብ ናቘራ ዝንቀሳቐሱ ወተሃደራት እስራኤል ስግኣት ኣለልዮም ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ ዝገለጸ ሰራዊት እቲ ክስተት “ብዝለዓለ ደረጃ” ክምርመር ምዃኑ ገሊጹ።

ብሓሙስ፡ ክልተ ወተሃደራት ኢንዶነዥያ ኡንፊል፡ ታንኪ እስራኤል ናብኦም ሸነኽ ድሕሪ ምትኳሳ፡ ካብ ሓደ ዝሕልውሉ ዝነበረ ግምቢ ወዲቘም ቈሲሎም።

መራሕቲ ፈረንሳ፣ ጥልያንን ስፔንን ንተግባር እስራኤል ብምኹናን ሓባራዊ መግለጺ ከውጽኡ እንከለው፡ ምኹኑይ ኣይኰነን፣ ብኡ ንብኡ ድማ ከብቅዕ ኣለዎ ኢሎም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሲሪላንካ፡ ነቲ ክልተ ወተሃደራት ሃገሩ ዝቝሰለ መጥቃዕቲ “ብትሪ ከም ዝኹንኖ” ገሊጹ።

ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራት ዝሓዙዎም ከባቢታት ዝተፈጸመ ገለ ተኹሲ ቀጥታዊ ምዃኑ ንምእማን ምኽንያት ኣሎ ኢሉ።

“ንኣብነት ሓደ ግምቢ ተሃሪሙን ኣብ ገለ ካሜራታት'ውን ጉድኣት ዝበጽሐሉን ጉዳይ ኣለና - እዚ ንዓና ኣዝዩ ቀጥታዊ ተዅሲ ዝመስል ከም ዝነበረ ርዱእ'ዩ” ክብል ዣን ፒየር ላክሮይስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወራር እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊት እስራኤልንን ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህን ናብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ሚሳይላትን ሮኬታትን ምትኳሶም ቀጺሎም።

ሰራዊት እስራኤል ብዓርቢ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ኣስታት 100 ሮኬታት ካብ ሊባኖስ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ክሰግሩ ከም ዝረኸበ ገሊጹ። ክልተ ዘይተነጸራ ነፈርቲ (UAV) ካብ ሊባኖስ ክሰግራ ከም ዝተረኸባን፡ ሓንቲ ካብአን ከም ዝተዓገተትን ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ከተማ ሲዶን ኣብ ዘካየደቶ ግፋ፡ ጓል ክልተ ዓመት ቈልዓ እትርከቦም ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። ሓይልታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከተማ ካፍራ ንዝርከብ መደበር ሰራዊት ዒላማ ድሕሪ ምግባሮም ድማ ክልተ ወተሃደራት ሊባኖስ ከም ዝተቐትሉ ሰራዊት ሊባኖስ ኣፍሊጡ።

ብሓሙስ፡ እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ቤይሩት ኣብ ልዕሊ ህንጻታት መጥቃዕቲ ክትፍጽም እንከላ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብዘይ መጠንቀቕታ ከም ዝመጽአን 22 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 117 ድማ ከም ዝቖሰሉን ገሊጹ።

እዚኦም ኵሎም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝዀኑ’ውን ሓቢሩ፤ እስራኤል ኣብዚ ጕዳይ ዝሃበቶ ርኢይቶ የለን።

ካብ ሕዝቦላህ ንዝተተኰሰ ሮኬታት ዝህብዎ ምላሽ ኣብ ዘጋድደሉ ዘሎ እዋን፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሊባኖስ ናይ ኣጋር ወራር ከም ዝፈጸሙ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ፡ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጽም ንድሓር፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዳርጋ መዓልታዊ ስግረ-ዶባዊ ተኹሲ ክካየድ ጸኒሑ እዩ።

ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ ብዓርቢ ኣብ ናቘራ ዝተሃርመ መደበር ሕቡራት ሃገራት፡ ካብቲ ወተሃደራት ዝተለለየሉ ምንጪ ስግኣት ኣስታት 50 ሜትሮ ርሒቑ ከም ዝነበረ ገሊጹ። ኣብቲ እዋን እቶም ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ኣብ ውሑስ ቦታታት ክጸንሑ ከም ዝተነግሮም ገሊጹ።

ዩኒፊል፡ ወተሃደራዊ መካይን እስራኤል ኣብ ካልእ ምስ እስራኤል ዝዳወብ ላቡነ ኣብ ዝብሃል ቦታ ሕቡራት ሃገራት ንዝነበሩ መከላኸሊታት ጥሒሰን ከም ዝኸዳ ሓቢሩ።

እቶም ፍጻመታት "ከቢድ ምዕባለ" ዝውክሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

ሚካቲ፡ እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቕንዐ ገበን” ምዃኑ ገሊጹ።

እስራኤል ዩኒፊል ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ከምጽእ ኣይከኣልን ብምባል ትነቅፍ። ሕጂ ምስ ሕዝቦላህ ንክትገጥም ድማ ናብ ሰሜን ገጾም ክስሕቡ ኣተሓሳሲባ። ዣን ፒየር ላክሮይስ ግን ኣብ ቦትኦም ክጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ።

ሰላም ኣብ ሊባኖስ፡ ካብ 50 ሃገራት ዝተወጻጽኡ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ምስ ኣስታት 800 ሲቪላውያን ሰራሕተኛታት ዓስኪሮም ኣለዉ።

ካብ 1978 ጀሚሮም ኣብ መንጐ ሩባ ሊታኒን “ሰማያዊ መስመር” ተባሂሉ ዝፍለጥ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ክሕልው ጸኒሖም ኣለው።

ሕዝቦላህ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 8 ጥቅምቲ 2023 ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሮኬታት ምትኳስ ጀሚሩ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ እትገብሮ ዘላ ወፍሪ ከተጋድዶ እንከላ፡ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ሊባኖስን ደቡባዊ ክፋላት ቤይሩትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክሕይል ብምግባር ንመራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላ ቀቲላ፣ ብኣጋር ወራር ፈጺማ ትርከብ።

ኣብ ሊባኖስ፡ ካብ 50 ሃገራት ዝተወጻጽኡ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ምስ ኣስታት 800 ሲቪላውያን ሰራሕተኛታት ዓስኪሮም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሊባኖስ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ትገልጽ። ኣብዚ ሰሙን ሕዝቦላህ ናብ እስራኤል ብዝተኰሶ ሮኬት ክልተ እስራኤላውያን ሲቪላትን ሓደ ታይላንዳዊ ዜጋን ከም ዝሞቱ ሰብመዚ እስራኤል ገሊጾም።

እዚ ከምዚ እንከሎ ብዓርቢ ብሓማስ ዝመሓደር ትካል ሲቪላዊ ምክልኻል ቓዛ፡ እስራኤል ኣብ ከተማ ጃባልያን ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ፍልስጤም ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታትን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 30 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ሰራዊት እስራኤል ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጕዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ግብረ ሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ብወገኑ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ሓሙሽተ ካብ ሰራሕተኛታቱ ዝርከብዎም “ኣሽሓት ሰባት ተዓጽዮም ኣለዉ” ኢሉ።

MSF ሓይልታት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ጃባልያ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ ከምዘውጽኡን፡ "ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መጥቃዕቲ እናፈጸሙ" ከምዝነበሩን፡ እዚ ማለት ሰባት ብሰላም ክወጹ ከምዘይክእሉን ገሊጹ።

ግዝያዊ ዳይረክተር ሆስፒታል ኣል-ዓውዳ ዶክተር መሓመድ ሳልሃ፡ እቲ ከባቢ ንሸውዓተ መዓልታት ኣብ ክባ ከም ዝጸንሐ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሓይልታት እስራኤል "ንጀባልያ ካብ ዝተረፈ ክፋል ቓዛ ይቘርጽዋ" ስለ ዘለዉ፡ እቲ ሆስፒታል ሎሚ ቀዳም ነዳዲ ክስእን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

"መድሃኒት የለን፡ ቀረብ ሕክምና የለን፡ ጥዑይ ማይ የለን፡ ነዳዲ የለን። ስለዚ እዞም ሰባት ብቐጥታ ናብ ደቡብ ክኸዱን ክግዐዕዙን ጸቕጢ ግበሩ” ይብል ዶክተር ሳልሃ።

እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ናይ ምድራዊ ስርሒት ከተካይድ ጸኒሓ’ያ፣ ኣብዚ መጥቃዕቲ ንተዋጋእቲ ሓማስ ዒላማ ከም እትገብር ትገልጽ።