ኤርትራ ካብ ኢጋድ ዝወጽኣትሉ ምኽንያት ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር ድዩ?

መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እታ ሃገር ኣባል እቲ ብወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ዞባዊ ትካል ኰይና ምስ ተመልሰት ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ዝምራሕ ኢጋድ ከም ዝሰሓበ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega/X

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራ፡ ድሕሪ ስምምዕ ኣስመራን ጅዳን 2018 ናብ ኢጋድ ተመሊሳ ነይራ

ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ብእስላማውያን ዕጡቓት ዝተሰነፈ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንምድጋፍ ብሓምለ 2006 ናብ ሞቓድሾ ዘሚቱ። ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ምያዝያ 2007፡ ኤርትራ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣባልነታ ስሒባ።

ኤርትራ ንውሳነኣ ኣብ ዘፍለጠትሉ ደብዳበ፡ ነቲ ትካል "ወራር" ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ብስቕታ ይድግፍ ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንልዕሊ 16 ዓመታት ካብቲ ትካል ዓርሳ ኣግሊላ ጸኒሓ።

ሕጂ ድሕሪ ዳርጋ 20 ዓመት እውን ተመሳሳሊ ውሳነ ወሲዳ ኣላ። መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ታሕሳስ 2025፡ ኢጋድ "ሕጋዊ ግዴታኡ ክፍጽም ከም ዘይከኣለ፡" ገሊጻ።

ኤርትራ ኣብ መግለጺኣ ንኢትዮጵያ'ኳ እንተ ዘይጠቐሰት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዘሎ ዘይምርድዳእ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ውሳነ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ኣብ ኢጋድ ተመራማሪ ሰላምን ጸጥታን ዶክተር ቃላኣብ ታደሰ።

ዋና ቤትጽሕፈቱ ኣብ ጅቡቲ ዝዀነ ኢጋድ፡ ኣብቲ ዞባ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ድርቂን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ንምክልኻል ኣብ 1986 ተመስሪቱ። ኢጋድ ኣብ 1998 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ ቲ ሕጂ ዘለዎ ትካላዊ መልክዕ ሒዙ።

ኢጋድ ትዅረት ገይሩ ካብ መንጎ ዝሰርሖም ዓውድታት ድማ ጉዳያት ሰላምን ጸጥታን ሃገራት እቲ ዞባ፡ ከምኡ'ውን ቍጠባዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን'ዩ።

ኢጋድ ከም ዞባዊ ትካል ዝመስረታ ቀዳሞት ኣባል ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ኡጋንዳን እየን። ኤርትራ ከም ሃገር ምስ ተመስረተት ድማ ኣብ 1993 እያ ናብቲ ትካል ተጸንቢራ። ቅድሚ 15 ዓመት ናጻ ሃገር ዝዀነት ደቡብ ሱዳን ድሒራ ሻምነይቲ ኣባል ሃገር ኰይና።

ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኢጋድ ክትወጽእ ዝደረኻ ጉዳይ ምስ ምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ።

ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ሶማልያ (Islamic Courts Union) ዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ሰነ 2006 ብዘካየዶ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንርእሰ ከተማ ሶማል ሞቓድሾ ተቘጻጺሩ ነይሩ።

እቲ ጕጅለ ነቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ሃዲሙ ናብ ከተማ ባይዶዋ ክግዕዝ ኣገዲድዎ'ዩ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ "ዘለዎ ጽልኣት" ብወግዒ ምስ ምግላጹ ብዝተሓሓዝ፡ ብቐዳማይ ምኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ሰራዊት ናብ ሶማልያ ክሰድድ ከም ዝደረኾ ይግለጽ።

እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ኣካታዒ ስጕምቲ፡ ካብ ሶማላውያን ተቓውሞ ገጢሙዎ'ዩ። ውጽኢት ናይዚ ስጕምቲ ክሳብ ሕጂ ኣካታዒ'ዩ።

እንተዀነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ምስ ኣተወ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ሞቃድሾ ክምለስ ክኢሉ።

መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ወፍሪ ዝጀመረ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ "ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ምኽርን" ክህቦ ጸኒሑ'ዩ ክብል መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ምስ ኣተወ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ሞቃድሾ ክምለስ ክኢሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ምስ ኣተወ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ሞቃድሾ ክምለስ ክኢሉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጕጅለ ምክትታል ምኽባር እገዳ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ድሕሪ ምፍራስ እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ንዝተመስረተን ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ንዘለዎን "ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ደገፍ" ከም ዝገበረ ጸብጺቡ።

ኤርትራ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ናብ ሶማልያ "ዝዀነ ኣጽዋር ኣይሰደደትን፡" ብምባል፡ ነቲ ክስታት "ቅሉዕ ፈጠራን ቅሉዕ ሓሶትን፡" ክትብል ትነጽጎ።

ኤርትራ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ምእታው ኣትሪራ ተቓዊማቶ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ኢጋድ ንተግባራት ኢትዮጵያ ይድግፍ'ዩ ክብል'ውን ከሲሳ'ያ።

መንግስቲ እታ ሃገር ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኤርትራ ኣካል እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኢጋድ ዝግበር ወራርን ዕብለላን ንምድጋፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶማል ብዘይ ፍትሕን ሓቅን ዝፍጸም ኣረሜናዊ ተግባራት ክትኸውን ፍቓደኛ ኣይኰነትን፡" ኢሉ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ 2009፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣስመራን ሰበስልጣናትን እገዳ ገይሩ።

እዚ ኵነታት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ዝምድና ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ምስ ተመሓየሸ እዩ ተቐይሩ።

ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንትሸተዓ ዓመታት ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር፡ ንብረት፡ ከምኡ'ዉን ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ዝነበረ እገዳ መገሻ ኣልዒሉ።

ብመሰረት ተመራማሪ ሰላምን ድሕንነትን ዶክተር ቃልኣብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ "ጻዕሪ" እዩ ተላዒሉ ይብል።

መንግስቲ ኣቢይ፡ "ኤርትራ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ግቡእ ቦታ ረኺባ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ምድንፋዕ ግደኣ ክትጻወት እያ፡" ብምባል ነቲ እገዳ ክለዓል ከም ዝደገፈ ተዛሪቡ።

ኤርትራ ብሰነ 2023፡ ዳግማይ ናብቲ ን16 ዓመታት ኣግሊላቶ ዝነበረት ኢጋድ ተጸንቢራ፤ ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ'ውን ተሳቲፋ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ውሳነ ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ኣይጸንሐን፤ ሕጂ ድማ ዳግማይ ካብ ኣባልነት ከም ዝወጽአት ኣፍሊጣ ኣላ።

ኤርትራ ንውሳነኣ ኣብ ዘፍለጠትሉ መግለጺ፡ እቲ ትካል ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ "ዒላማ ዝተገብራ ኣባል ሃገራት ብፍላይ ኤርትራ" ንዝውሰዱ ስጕምትታት "ከም መሳርሒ ጐዳኢ እጃም" ከም ዝተዋስአ ከሲሳ።

ብተወሳኺ ዳርጋ ቅድሚ 20 ዓመት ብሰንኪ እዚ "ዘይግቡእ ተግባራት" ካብ ኣባልነት ከም ዝተሰሓበት ኣዘኻኺራ።

ኣብ 2023 ናብ ኣባልነት ክትምለስ እንከላ፡ እቲ ትካል፡ "ጠለባት ጽገና ኤርትራ ከም ዝቕበልን ሕሉፍ ታሪኹ ክእርምን ተስፋ ብምግባር፡" ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ኢጋድ ካብ ሕጋዊ ግዴታታቱ ምዝንባል ቀጺሉ፡ በዚ ድማ ኣገዳነስቱን ሕጋዊ መሰሉን ኣዳኺሙ'ዩ፡" ኢላ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ትካል ንኣባላቱ "ዝዀነ ርኡይ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት" ስለ ዘይብሉን "ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ከምጽእ" ብዘይምኽኣሉን ነቒፋ። በዚ ምኽንያታት ካብ ኣባልነት እቲ ትካል ክትስሕብ "ተገዲዳ" ኢላ።

ኢጋድ ድሕሪ'ቲ ውሳነ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ውሳነ "ከም ዝሓዘነ" ገሊጹ።

ይዅን'ምበር፡ ኤርትራ ኣብ ሰነ 2023 ዳግማይ ናብቲ ዞባዊ ውድብ ካብ እትኣቱ ንደሓር፡ "ኣብ ኣኼባታት፡ መደባት ወይ ንጥፈታት ኢጋድ ከም ዘይተሳተፈት፡" ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ "ንነብሱ ንሃናጺ ርክባት ድልዊ ብምግባር ትዕግስትን ሰናይ ድሌትን ከርኢ ጸኒሑ፡" ኢሉ።

እቲ ዞባዊ ውድብ ወሲኹ፡ ኤርትራ "ብዛዕባ ትካላዊ ወይ ፖሊሲ ጽገና ዝምልከት ጭቡጥ ውጥን ወይ ርክብ ከይገረበት፡" ካብ ኣባልነት ክትወጽእ ከም ዝወሰነት ሓቢሩ።

ኣብ ኢጋድ መጽናዕቲ ዝገበረ ዶክተር ቃላኣብ፡ ኢጋድ ብመንጽር ረብሓታት ኣስመራ፡ "እንታይ ከም ዘይሰርሐ ክዛረብ ዝኽእል መንግስቲ ኤርትራ'ዩ፡" ብምባል ብዛዕባ'ዚ ኣብቲ መግለጺ ብዝርዝር ከም ዘይተጠቕሰ ይሕብር።

ኤርትራ ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጋድ፡ ድሕሪ ልዕሊ 16 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ዑስማን ሳልሕ (ካብ ጸጋም ካልኣይ) ተወኪላ ተሳቲፋ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, IGAD Secretariat/X

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራ ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጋድ፡ ድሕሪ ልዕሊ 16 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ዑስማን ሳልሕ (ካብ ጸጋም ካልኣይ) ተወኪላ ተሳቲፋ ነይራ

እንተዀነ፡ "ኤርትራ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ምስ ኢጋድ ሓቀኛን ቅንዕና ዘለዎን ዝምድና ነይርዋ ክትብል ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ኣስመራ ቤትጽሕፈት ኢጋድ የሎን። ኢጋድ ኣብ ነፍስወከፍ ኣባል ሃገራት 'ሄድ ኦፍ ሚሽን' ዝበሃል ቤትጽሕፈት ኣለዎ። ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ዝምድና [ምስ ኢጋድ] የብላን፡" ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ ተሳትፎ ኤርትራ ኣብ ኢጋድ ቅድሚ ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ "ድልዱል ኣይነበረን፡" ይብል።

"ኤርትራ ኣብ ኢጋድ ብምሉእ ልባ ኣትያ፡ 'እዚ ዕላማ ኢጋድ'ዩ፡ ኣብ ዞባዊ ልምዓት፡ ሰላምን ጸጥታን፡ ለውጢ ክሊማ፡ ዞባዊ ውህደት ሓቢረ ክሰርሕ'የ' ኢላ ኣይትፈልጥን፡" ብምባል፡ ተሳትፎ ኣስመራ ኣብዚ ዝተመኰሰ ከም ዘይነበረ ይገልጽ።

በዚ መንጽር፡ ኤርትራ እቲ ሕጂ ዝወሰደቶ ውሳነ፡ "ኣብ ኢጋድ ዕቱብን ስትራተጅያውን ተገዳስነት ዘንጸባርቕ ኣይኰነን፡" ዝብል ገምጋም ከም ዘለዎ እቲ ተመራማሪ ሰላምን ጸጥታን ገሊጹ።

"ጉዳይ ኢጋድን ኤርትራን ወትሩ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ እዩ ነይሩ፡" ዝብለ ዶክተር ቃላኣብ፡ እዚ ሕጂ ዝወሰደቶ ውሳነ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሳሰረ ከም ዝኸውን'ውን የመልክት።

ኤርትራ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ወርቅነህ ገበየሁ (ዶክተር) ካብ ዝምራሕ ኢጋድ ክትወጽእ ምውሳና ዘፍለጠትሉ እዋን፡ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ርክባት ኣብ ዝሓርፈፈሉ እዋን እዩ።

እቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ንደሓር ዝሓርፈፈ ዝምድና ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን፡ ካብ 2023 ጀሚሩ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ድልየት ከም ዘለዎ ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድንአን ሓርፊፉ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኢትዮጵያ፡ "ቅድሚ 30 ዓመት ዝተፈጸመ ጌጋ" ክብል ዝገለጾ ኢትዮጵያ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ምዃና ጉዳይ ህልውና፡" ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።

ነዚ "ጌጋ ንምእራም፡" ክሰርሕ ምዃኑ ብግልጺ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መሪሕነት ህወሓት ኣለዎ ዝበሃል ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስክፍታታት ፈጢሩ ኣሎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ናብ ዋናጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኤርትራን ህወሓትን "ጥምረት" ብምፍጣር "ኲናት ንምጅማር" ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ከም ዝኸሰሰ ይዝከር።

ኤርትራ ብወገና፡ ድልየት ኣፍ-ደገ ባሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝቐርቡ ክስታትን ምንቅስቓሳት "ጐስጓስ ኲናት፡" ከም ዝዀኑ ትገልጽ። ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ዝግበር ዘሎ ስጕምቲ'ውን ልኡላውነት ሃገር ዝጥሕስ'ዩ ክትብል ትምጕት።

ዶክተር ቃልኣብ፡ ኤርትራ ካብ ኢጋድ ክትስሕብ ምውሳና ነጸብራቕ ናይዚ ወጥሪ'ዚ ምዃኑ ይኣምን።

"እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ውጥጥ፡ መሊሱ ኤርትራ ወትሩ እትህቦ 'ስሓብኩ' ዝብል መግለጺ ከተውጽእ ገይርዋ'ዩ፡" ኢሉ።

ንሱ፡ ኤርትራ "ኣብ ብዙሕነታዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ልዑል ጥርጣረታት ከም ዘለዋ፡"ብምግላጽ፡ እቲ ሕጂ ዝወሰደቶ ውሳነ'ውን ነዚ ዝጸንሐ ስግኣት ዘንጸባርቕ እዩ ይብል።