'ኲናት ንስርዓት ኣቢይ መጀመርታ ናይ መወዳእታኡ ክኸውን ይኽእል እዩ' - ኣምባሳደር ዓንደብርሃን

ምንጪ ስእሊ, SM
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ዓሌታዊ ምትፍናን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ብዝግበር ኲናት ሓድሕድ፡ ሃገራት ኣብ ሓድሕደን ብዝፈጥርኦ ወጥሪ ይዅን ኲናት ከምኡ'ውን ብግዳማዊ ምትእትታው ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓይልታትን ዝፍለጥ ዞባ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ካልእ ሓድሽ ኲናት ከይወልድ ኣስጊኡ ኣሎ።
እዚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ብእተልዕሎ ዘላ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝተበገሰ እዩ።
ነዚ ሕቶ'ዚ ንምርግጋጽ ድማ ብሓይሊ ንወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ክትምንዝዕ ኣብ ቅድመኣ ዘሎ ኣማራጺ ምዃኑ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ክሳብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ እታ ሃገር፣ ከምኡ'ውን ደገፍቲ እቲ መንግስቲ ዝዀና ማዕከናት ዜናን ነጠፍትን ዘጐሃህርዎ ዘለዉ ጉዳይ ኰይኑ፡ ንዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመት ጸኒሑ እዩ።
ነዚ ጉዳይን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ ቢቢሲ ትግርኛ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዝነበረ ዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ሰፊሕ ቃለመሕትት ኣካይዱ ኣሎ። ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ መስርሕ ሰላም የመን ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ምሁር እዩ።

ቢቢሲ፤ ኣብዚ እዋን፡ ኣብዚ ዞባ ኣሰካፊ ኵነት ተፈጢሩ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ብቐጥታ እተልዕሎ ዘላ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ታሪኻዊ ይዅን ሕጋዊ መሰረታቱ እንታይ እዩ? ናበይ ከምርሕኸ ይኽእል፣ ጽልዋኡ ነተን ክልተ ሃገራትን ክንዮኡን እንታይ ይረኣየካ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ፡ ዝምድና ኲናትን ግጭትን እዩ። ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ጠንቅታት ክልተ ነንበይኑ ተራጻሚ ትረኻታት ስለ ዘሎ እዩ።
ብወገን ኢትዮጵያ - ወይ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ እንተ በልና ይሓይሽ - ዝዝርጋሕ ትረኻታት 'ኢትዮጵያ ንሰለስተ ሽሕ ዓመት ድሕሪ ምምስራት ንግስነት ኣኽሱም ከም ናጻ ሃገር ኰይና ክትነብር ከም ዝጸንሐትን ኤርትራ ድማ ኣካላ ኰይና ከም ዝጸንሐት' ዝገልጽ ሓቅነት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ትረኻ ኣሎ።
ብወገን ኤርትራ ከኣ ልክዕ ከም ትግራይን ሓያሎ ቦታታት ሰሜን ኢትዮጵያን ኣካል ወይ ማእከል ወይ'ውን መወለድ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስን ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን ዝነበረ እዋን ንግስነት ኣኽሱም ምስ ወደብ ኣዱሊስ ዓቢይ ስልጣነ፣ ማእከል ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ዓለማዊ ንግድን ናይ ስልጣን መርኣያታትን ከም ዝነበረት ይእመን።
ንግስነት ኣኽሱም ግን ሓንሳእ ምስ ወደቐ ድሕሪኡ ኣይተንስአን። ካብ ምውዳቕ ንግስነት ኣኽሱም ኣትሒዙ ክሳብ 1952 ድማ ኢትዮጵያ ወይ እታ ኣቢሲንያ ትበሃል ዝነበረት - ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ወኒና ኣይትፈልጥን። ብፍላይ ካብ 1557 ኣትሒዙ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ምሉእ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብኽልቲኡ ሸነኻት ክሳብ ሶማል፣ ሃረር ንገዛእ ርእሱ ብመንደቕ ዝተኸበበ ቱርካውያን ዝነደቕዎ መንደቕ እዩ።
ስለዚ፡ ብዘይካ'ተን ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘረነትለን 1952-1962፣ ከምኡ'ውን ንፈደረሽን ብኢደ ወነኑ ብምፍራስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንኤርትራ ኣብ ዝጐበጠሉ እዋን ካብ 1962 ክሳብ ናጽነት ኤርትራ 1991 ኣብ ዝነበራ 39 ዓመታት፡ እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ ትበሃል ዘላ ሃገር ገማግም ባሕሪ ወኒና ከም ዘይትፈልጥ ታሪኽ ንባዕሉ ህያው ምስክር እዩ።
ስለዚ፡ እቲ ትረኻ ኣብ ፈጠራ ዝተመርኰሰ ስለ ዝዀነ ብዙሕ ትርጕም ዘለዎ'ውን ኣይኰነን። ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ተቓሊሱ ዓቢይ መስዋእቲ ከፊሉ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ፤ ናጻ ልኡላዊት ሃገር ክምስርት ክኢሉ እዩ።
እቲ ጸገም ግን ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኢትዮጵያ ናጽነት ወይ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ዘይምቕባል ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ እዝን ኣብ መንጎ እቲ ዘይዕጸፍ ድሌት ኤርትራውያን ንመሰል ርእሰ ውሳነን፤ ናጻ ሃገረ መንግስቲ፣ ልኡላዊት ግዝኣታዊ ምሉእነታ ዘረጋገጸት ሃገር ናይ ምህላው ድሌት፤ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝመጽኡ ኣስፋሕፋሕቲ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ድማ ናጻ ህላወ ኤርትራ ስለ ዘይቅበሉ፤ ንኤርትራ ብምጕባጥ ልዑላዊ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሃረርታ ዘበገሶ እዩ።
ነዚ ህሉው ኵነታት ክንርእዮ እንከለና፡ ነቲ ኣብ 1998-2000 ዝተገብረ ወራር ኣትሒዝካ ክሳብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ዝመጸሉ ኣይኲናት ኣይሰላም ኵነታት እዩ ነይሩ።
ኣብ 2018 ዝተፈረመ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ከኣ፡ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ወዲኡ፡ ምናልባት ንብዙሓት ተስፋ ናይ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፤ ተስፋ ናይ ምትሕግጋዛዊ ዝምድናታት ኣንቢሩ ነይሩ ይኸውን።
ኣብ ሓያሎ ግን እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ትካላዊ ኣተሓሕዛ ስለ ዘይነበሮ፡ ከምቲ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናዊን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝነበረ ዝምድና ምስ ተበላሸወ ኲናት 1998-2000 ዘስዓበ፤ እዚ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይን ዝተመስረተ ዝምድና'ውን፡ ብኵራት ትካላውነት ስለ ዝነበሮ ምናልባት ናብ ተመሳሳሊ ኵነት ናይ ኲናት ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ትነታነታት ነይሩ። ሕጂ እዚ ትነታነ ዝሰዓረ ይመስል።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምናልባት ኣብቲ ናይ 2018 – 2020 ዝነበረ እዋን፡ ዝነበረ ዝምድናን ወደኽደኽን፡ ኣብ ኣስመራ መጺኡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን ኣዲስ ኣበባ ከይዱ፣ ፕሮቶኮላዊ ቅጥዒ ዝሰኣነ፡ ንልዑላውነት፡ ንኽብሪ ሃገርን ህዝብን ዘዋርድ ዓጀውጀዋት - 'ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፣ ካብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ነቲ ክውንነት ዘይፈልጥ እዩ፡' እናተባህለ ዝግበር ዝነበረ ብቕሉዕ ርኢና ኢና።
ኣብቲ ብስቱር ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝምድናታታት እንታይ ዓይነት ዝርርባት ይካየድ ነይሩ፣ እንታይ ምርድድኣት ገይሮም ዝፍለጥ የለን። ብዝዀነ ግን ሕጂ በብቝሩብ በጨቕ እናበለ ካብ ዝተፈላለየ ውሽጣዊ ምንጭታት ዝመጽእ ዘረባታት ኣሎ፤ ኣብኡ ከይኣተና ግን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ ሕዳር ወይ ጥቅምቲ 2023 ኣቢሉ ኣብ ፓርላማ ዘቕረቦ መደረ፡ 'ቀይሕባሕሪ ባህሪያዊ ዶብ ኢትዮጵያ እዩ፣ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ፣ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ባህሪያዊ መሰል እዩ፣ ህላወኣዊ ግድነት እዩ፣ ኵነት ናይ ልዑላውነት እዩ፤ ብታሪኽ ከኣ ናትና እዩ' ዝብል መሰረት ዘይብሉ ዘረባ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AMB. ANDEBRHAN
ቢቢሲ፤ ምስ ቅርበት ናብቲ ባሕሪ፡ ብዝሒ ህዝቢን ካልእ ኣተኣሳሲርካ ሕጋዊ መሰረታት ከም ዘሎ ገይርካ'ውን እቲ ሕቶ ይለዓል እዩ፣ ስለዚ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕጊ ኣመኽንዮ ኣለዎ ድዩ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ታሪኻዊ ሰረት ዘይብሉ ነገራት፡ ከም ታሪኻዊ ብጽሒት ኢሎም ዝጠቕስዎ ብዝምልከት፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኰይና ኣይትፈልጥን። ዓሰብ ንመጀመርታ ግዜ ብመግዛእቲ ጥልያን እያ ተሃኒጻ ከም ወደብ። [ጥልያን] ካብ ዓሰብ ኣቢሉ እዩ ብገማግም ባህሪ ካብኡ ናብ ከበሳ ዝደየበ። ስለዚ፡ እታ ቀዳመይቲ ግዝኣት ኢጣልያ ዝዀነት መሬት፡ ኤርትራ እያ። ቅድሚኡ ናይ ኢትዮጵያ ኰይና ኣይትፈልጥን፤ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገር'ውን ኣይነበረትን። ምምስራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ምስ መግዛእቲ ተኣሳሲሩ ዝመጽአ እዩ። ኣቢሲንያ ወይ ሓበሻ ዝብል፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዘውዲ ኣብ ዝደፍኣሉ ዘምጽኦ ሽም እዩ - ብሓፈሻኡ። ስለዚ፡ እታ ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገርሲ፡ ዓሰብ ይውንን ነይረ ዝብል ታሪኻዊ ጭብጢ ዘይብሉ እዩ።
እቲ ዝበሃል 'ክንድዚ ኪሎ ሜትራ ካብ ባሕሪ እንተ ርሒቕካ መሰል ኣለካ፡' ዝበሃል ሓሶት እዩ። ኣበየናይ ሕጊ ኣሎ እዚ? ካበይ መጺኡ? ናይ ፈጠራ ትረኻ እዩ፤ ከምኡ ዝብል ሕጊ የለን ኣብ ዓለም። ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ህላወኣዊ ግድነት እዩ ዝበሃል፣ ኢትዮጵያ ብዘይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምሉእ ህይወታ ጸኒሓ እያ። ስለዚ፡ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ግድነት ኣይኰነን - ብዘይፍደገ ባሕሪ ንዝነውሐ እዋን ዕድመኣ ጸኒሓ እያ። ኣፍደገ ባሕሪ ንልዑላውነት ኣፍደገ ባሕሪ ቅድመ-ኵነት እዩ ዝብል ትረኻ'ውን የምጽኡ እዮም፣ እዚ'ውን ሰረት የብሉን - ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ልዑላዊት ኰይና ጸኒሓ እያ፣ ነዊሕ እዋን ክሳብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን እትቝረን። ካብ 2000 ንደሓር እውን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ 1993 መተሓላለፍን ኣገልግሎት ወደባትን ምስ ኤርትራ ዝፈረመቶ ስምምዕ ኣፍሪሳ ተጠቃምነት ወደባት ካብ እተቋርጽ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኢትዮጵያ ልዑላዊት ሃገር ኣይኰነትን ማለት ድዩ? እዚ ብዙሕ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ካልእ ዝመጽእ ድማ ብዝሒ ህዝቢ እዩ፤ ብዝሒ ህዝቢ፡ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን መሰል ዝህባ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ብዅሉ ዅሉ እቲ ዝፍብርኽዎ ዘለዉ ታሪካዊ ይዅን ሕጋዊ መሰረት የብሉን።
ቢቢሲ፤ እቲ ኵነታት ሕጂ ናብ ኲናት ከየምርሕ ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ። ናብ ኲናት ዘምርሓዶ ይመስለካ? ኲናት እንተ መጺኡኸ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል? ነቲ ዞባ እንታይ መልክዕ ከትሕዞ እዩ? ሳዕቤኑ ነዘን ክልተ ሃገራትን ክንዮኡንከ እንታይ ክትብል ትኽእል?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ከም ናተይ ገምጋም፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነዚ ፕሮጀክት'ዚ ክእውጅ እንከሎ፡ ምናልባት ካብቲ ንኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው - ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ጸጥታዊ ቅልውላው - ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ተባሂሉ፡ ሃገራዊ ስምዒት ንምልዕዓል፡ ምናልባት ወደብ ምውናን ኣብ ብዙሓት ኣካላት ልሂቃን ኢትዮጵያ እቲ ህርፋን ስለ ዘሎ ደገፍዶ ይረክብ? ነቲ እናኣንቈልቈለ ክመጽእ ዝጸንሐ ተቐባልነቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክቕልብሶዶ ይኽእል? ዝብል ስነመጐት ሒዙ እዩ መጺኡ እምበር፡ ናይ ብሓቂ ንረብሓ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ዕላማ ሒዙ ኣይመስለንን። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብቲ ንኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ቅልውላው ንምጥምዛዝ ተባሂሉ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፤ ብእንግሊዝኛ 'ፖስቸሪን' እዩ ዝበሃል።
እቲ ውሽጣዊ ኵነታት ናይ ኢትዮጵያ እንተ ርኢና፡ ኲናት ኣብ ኣምሓራ ኣሎ፣ ኲናት ኣብ ኦሮምያ ኣሎ፣ ጉዳይ ትግራይ ነባሪ መዕለቢ ኣይረኸበን፣ ኣብ ክልል ሶማል ናይ ኦጋዴን - ሓርነት ምንቅስቓስ ኦጋዴን ኣሎ፣ ኣብ መንጎ ብዙሓት ክልላት ናይ ዶብ ምስሕሓባት፤ ሓሓሊፉ ዝውላዕ ኲናትን ግጭታትን ኣሎ። ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓዘቕቲ ናይ ቅልውላው ጥሒላ እንከላ ኣቢይ ኣሕመድ ኤርትራ ክወርር እየ ምባሉ፣ ምናልባት ጽላለ ክኸውን ይኽእል፣ እንድሕር ገይርዎ ከኣ ብገምጋመይ መጀመርታ ናይ መወዳእታ ናይ ስልጣኑ ክከውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምኽንያቱ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕጡቕ ተቓውሞታት ክገጥሞን ክብድሆን ኣይከኣለን። እቲ ዝመጽእ ዘሎ ዝንባለ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ግንባር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፤ ፋኖ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፤ ካልኦት ንኣሽቱ - ኣብ ዓፈር ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ናይዚኣቶም ጥምረት፡ ብውሕዱ ስሙር ግንባር እናማዕበለ ይመጽእ ኣሎ፤ እዚ ንገዛእ ርእሱ ንስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓቢይ ስግኣት ሸሚምዎ'ሎ። ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ኵነትታት'ዚ ኲናት ከበግስ እዩ ወይ ኲናት ናይ ምብጋስ ዓቕሚ ኣለዎ ዝብል ገምጋም የብለይን።

ምንጪ ስእሊ, AMB. ANDEBRHAN
ቢቢሲ፤ ካብዚ ወጻኢ ብመንጽር ግዳማዊ ምትእትታዋት እንተ ረኣናዮኸ? ኣብዚ ጉዳይ ድርኺት ናይ ግዳም ሓይልታት ወይ ሃገራት ከም ዘሎ ይዝረብ እዩ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ጽቡቕ ኣለኻ፤ ብዙሓት ተንተንትን ሜድያታትን እዚ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ልዑላዊ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ፕሮጀክት፡ ናቱ ኣይኰነን ናይ ካልኦት እዩ፤ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እዩ፤ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ውክልና ኲናት እዩ ከካይድ ዝቀራረብ ዘሎ ዝብል ገምጋም ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ከም ናተይ ትዕዝብቲ ዝመጽአ ይምጻእ ግዳማዊ ምትእትታው ነቲ ውሽጣዊ ሚዛን ሓይሊ ብመሰረቱ ዝቕይር ኣይኰነን። እቲ ወሳኒ ረቛሒ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ሓይልታት እዮም። ግዳማዊ ደገፍ ምናልባት ከናውሕ ወይ ዓቕሚ ክውስኽ ሓድሓደ ተስፋ ክህብ ይኽእል ይኸውን - ነቲ ተቐባሊ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዳይናሚክስ ኣብቶም ውሽጣዊ ሓይልታት ዘሎ ሚዛን ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ ወሳኒ። ስለዚ፡ ዝዀነ ግዳማዊ ምትእትታው ዓቢይ ጽልዋ ሃልይዎስ ንናይ ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ከዐውት ይኽእል እዩ ዝብል ገምጋም የብለይን።
ቢቢሲ፤ ዛዕባ ምትእትታው ሃገራት ወይ ሓይልታት ኣብዚ ዞባ እንታይ ዕላማ ንምፍጻም እዩ፤ እቲ ኣሰላልፍታታትከ እንታይ ይመስል ብዝብል ነዊሕ ትንታነ ዘድልዮ እዩ፤ ስለዚ፡ እቲ ጉዳይ ብገጽ ኤርትራ ምልስ ኣቢልና ከኣ ክንርእዮ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ መጽሓፍካ እውን ጠቒስካዮ ከም ዘለኻ፡ ኣብቲ ናይ '1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኵነታት ብወገን ኤርትራ ዝግብኦ 'ዲፕሎማቲክ ኢስካሌሽን' ዘይምግባር ዋጋ ከም ዘኽፈላ ትምጕት ኢኻ፤ ሕጂ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ተመሳሳሊ ኣተሓሕዛ ከም ዘሎ ኢኻ ትእምት። ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ኣብ 2018 ዝተፈጥረ ኵነታት ሰላም፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳእ ንሓዋሩን መዕለቢ ክግበረሉ ዘኽእል ዝነበረ ዝተኸስረ ዕድል ምዃኑ፤ ነቲ ጉዳይ ብምፍታሕ ድማ ብወገንካ ገለ ተበግሶታት ከም ዝወሰድካን ከም ዘይሰመረን ኣብ ዳሕረዋይ ጽሑፍካ ኣመልኪትካ ኣለኻ። ስለዚ፡ ነዚታት ኣጠቓሊልካ ነቲ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ግብረመልሊ ዝምልከት ርእይቶኻ እንታይ እዩ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ብወገን ኤርትራ፡ ብፍላይ ከም ልምዲ ናይ ህዝባዊ ግንባር፤ ዋላ ኣብ ሜዳ እንከለና፡ ኣብ ምምልላስ ኣይነተኵርን ነይርና። ትም ምባል ይምረጽ ነይሩ። ከም ልምዲ'ውን፡ ትም ዝበልና ዝብሃል ዘይብልና ኰይኑ ዘይኰነስ ትም ክንብል ስለ ዝመረጽና እዩ፡ ይበሃል ነይሩ።
ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ዝተመስረተትሉ ግን፡ ክንዮ ዜናውን ፕሮፓጋንዳውን ስርሓት ዕቱብ፡ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ክካየድ ነይርዎ። እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ - ብሓቂ ዶብ ክምልከት ዝነበሮ መጀመርታ ኤርትራ ሓራ ኣብ ወጽአትሉ እዋን ቅድሚ ረፈረንደም እዩ፤ ዝዀነ ዘሰሓሕብ ጉዳይ እንተ ነይሩ ድማ ሽዑ መዕለቢ ክግበረሉ ነይርዎ። ከምኡ ንምግባር'ውን ሓሳባት ነይሩ፤ ግን ቅቡል ክኸውን ኣይከኣለን፣ ሳዕቤኑ ድማ ርኢናዮ።
ከም ካልኣይ፡ ድሕሪ ኲናት ስምምዕ ኣልጀርስ መጺኡ። ስምምዕ ኣልጀርስ ግን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ስለ ዝነጸጎ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ምምልካት'ውን ስለ ዝዓንቀፎ፡ እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮምሽን ቨርቹዋል ዲማርኬሽን ወይ ማንዛዊ ምምልካት ኣዊጁ ከይዱ። እቲ ቨርቹዋል ዲማርኬሽን ነቲ ጉዳይ ፈቲሕዎ እዩ፤ ክልቲአን ሃገራት ከኣ ግድን ክቕበልኦ ኣለወን እዩ ዝብል። ብሓፈሽኡ ግን ማንዛዊ ምምልካት ዶብ፡ ኣብ ባይታ ኣካላዊ ምምልካት ከስዕብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
እዚ ዕድል'ዚ ኣብቲ 2018 ክሳዕ 2020 ዝነበረ ብሮማንስ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኣቢይ ኣሕመድን ምቹእ ሃዋሁ ነይሩ። ሽዑ ክልቲኦም ሃገራት ነቲ መግዛእታዊ ዶብ ኣብ ባይታ ከመልክትዎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ሓሳብ ይቐርብ ነይሩ እዩ። እቲ ዶብ ናይዘን ክልተ ሃገራት፡ ፈለማ ክምልከት እንከሎ እዞም ናይ ሎሚ ስርዓታት ዝዀነ ተራ ኣይነበሮምን ኣብ ምምልካቱ፡ ወይ ኣብ ምድራቱ፤ ተደሪቱ እዩ ጸኒሑ ውዕላት ኣሎ ናይ 1900፡ 1902፤ 1908፡ ስለዚ ዝጸንሐ እዩ። ብመሰረት እዚ ውዕላት'ዚ ሓባራዊ ተፈላጥነት ክህባኦ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ድማ ኣብ ባይታ ክምልከት፣ ናይ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ነቝጣታታት ኣብ መተሓላለፊ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ክትከል፡ ሓገዝ'ውን ክግበር እማመታት ቀሪቡ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ብስቱር ዝተገብረ ርክባት ጥራይ ዘይኰነ ብወግዒ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ እዚ ናይ ዶብ ጉዳይ ናይ ሕጂ ቀዳምነትና ኣይኰነን ኢሉ ዕሽሽ ኢሉ ነቲ ዝነበረ ዕድል ኣባኺንዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER
ቢቢሲ፤ ምናልባት ሽዑ እንተ ዝምልከት ነይሩ፡ ነቲ ሕጂ ዝመጽእ ዘሎ ሕቶታት - ብወገን ኢትዮጵያ - ምገትኦ ነይሩ ዝብል እምነት ወይ ምጕት ድዩ ዘለካ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ንኤርትራ ተወሳኺ ሓያል ሕጋዊ መካትዒ ነጥቢ ምሃባ። እምበር፡ እዚ ኣቢይ ዝብሎ ዘሎ ሃገር ናይ ምጕባጥ ፕሮጀክት፡ ንሕና ብዙሓት ኢና፣ ብዕስለ ወሪርና ክንሕዘኩም ኢና ዝብል ኣብ ዝዀነ ግዜ ከምጽኦ ይኽእል እዩ። እቲ ዶብ ተመልኪቱ ነይሩ እንተ ዝኸውን ግን፡ ዶብ ክሰግር እንከሎ ኣህጉራዊ ዶብ ሰጊሩ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ናይ ሓንቲ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ናጻ ሃገር ይግህስ ምህላው ተወሳኺ መርትዖ ኰይኑ፡ ነቲ ምጕት ናይ ኤርትራ መሐየለ እምበር፡ ክገትኦ ምኸኣለ ዝብል ርእይቶ የብለይን።
ቢቢሲ፤ ምስዚ ተዛሚዱ ኣብ መንጎ ኤርትራን ብፍላይ ህወሓትን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ምስ ካልኦት ሓይልታት ኢትዮጵያ ብጽምዶ ዝግለጽ ምሕያል ዝምድናታት ይርአ'ሎ። እዚ ዕምቈቱ ክሳብ ክንደይ ይኸውን፤ ናበይ ከመርሕ ወይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል፤ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝፈጥሮ ጽልዋኸ እንታይ ክከውን ይኽእል ኢልካ ትግምት?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ እዚ ጽምዶ ዝብል ቃና፡ ምናልባት ትካላዊ መስርሕ ክሕዝ እንተ ዝኽእል ዝያዳ ሰራሪ ምዀነ፣ ዝያዳ ቀጻልነት ምሃለዎ፣ ነባሪ ምዀነ ኢለ እግምት። ኣብዚ ብቐዳምነት ክብሎ ዝደሊ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ጽልኢ ዝበሃል፡ ግጭት ዝበሃል የለን፤ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጽልኢ የብሉን። እቲ ባእሲ ኣብ መንጎ እቲ ስርዓታት እዩ። በቲ ስርዓታት ዝተነዝሐ መርዛም ትረኻታት ኣሎ። መጀመርታ እቲ ናይ '98-2000 ኲናት ዝመጽአ ካርታ ናይ ዓባይ ትግራይ፡ ኣብቲ ዝነበረ ኲናት፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ ኣብ 2000 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን - ሽሕ'ኳ እቲ ቀንዲ ዕላማ ኣይወቓዕ - ሰፊሕ ቦታታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ፡ ኣብኡ ዝተፈጸመ ማእለያ ዘይብሉ ዝተመዝገበ ግፍዕታት ኣሎ። ብዝድሕሪኡ ዝሰዓበ ብሚሳይላት ንዕደና ወርቂ ቢሻን ማይዕዳጋን ንምድብዳብ ዝተገበረ ፈተነ ኣሎ፤ እዚታት ብምልኡ።
ካልእ ኣብ 2020 ኣብ ዝነበረ ኲናት ትግራይ ምስኡ ዝተኣሳሰር ትረኻ ናይ ህልቂት፡ ገበናት ኲናትን ግፍዒን ወዘተ ኣሎ። እዚ ሓቅነት ኣለዎ ድዩ የብሉን - ጉዳይ ብምሉኡ ካብ መሰረቱ ተጸኒዑ ናይ ብሓቂ ርትዓዊ መዕለቢ ምእንቲ ክግበረሉ ኣነ ሓደ ርእይቶ ኣለኒ።
እዚ ርእይቶ፡ ገለልተኛ ብዝዀነ ወይ ካብ ክልቲኡ ወገናት ብዝቘመ ነቲ ጉዳይ ካብ ሱሩ ኣትሒዙ ዝምርምር ኣብ መወዳእታ ድማ መዕለቢ ዝገብር፤ እንድሕር ናይ ብሓቂ በደላት ተፈጺሙ ከኣ ነቲ በደላት ዝኽሕስ ስጕምትታት ክውሰድ፣ ሰረት ናይ ነባሪ ዕርቂ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ስርዓታት ክግበር ኣለዎ። ስርዓታት ይመጽኡ ይኸዱ እዮም፣ ነበርቲ ኣይኰኑን። ግን ብሓፈሻኡ ኣብ መንጎ ሃገረ ኤርትራን ክልል ትግራይን - ኣብ መጻኢ እንታይ ክኸውን ይኽእል ንህዝቢ ትግራይ ዝግደፍ ኰይኑ - ናይ ብሓቂ ድልዱል ሰረት ናይቲ ዝጸንሐ ዝምድናታት ዘንጽፍ ኰይኑ ይስምዓኒ።
ስለዚ፡ እቲ ጽምዶ ትካላዊ መልክዕ እንተ ዝሕዝ ዝያዳ ጸናሕነት ክህልዎ ይኽእል፤ እዋናዊ እንተዀይኑ ግን ድሕሪ ገለ እዋን እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይፍለጥን። ትካላዊ መልክዕን ትካላዊ ትሕዝቶ እንተ ሃልይዎን ግን ሱር ክሰድድ ይኽእል እዩ። ትካላዊ እንተ ዘይኰይኑ ግን ከምቲ ቅድም ኣብ መንጎ ኢሳይያስን መለስን ዝነበረ ዝምድና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተሓጺሩ ነይሩ፣ ድሒሩ'ውን ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኣቢይን ተሓጺሩ ነይሩ፣ ውጽኢቱ ድማ ንርእዮ ኣለና። ስለዚ፡ ነባርነት ክህልዎ ምእንቲ ትካላዊ መስርዕ እንተ ዝሕዝ።
ቢቢሲ፤ ትካላዊ ክንብል እንከለና ዝያዳ ቅልዕ እንተ ነብሎ እቲ ሓሳብ፡ ኣብ መቓንዚ ጉዳይ እንታይ ማለትና እዩ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ትረኻ ናይ ህልቂት ሕጂ ንኣብነት፡ ብሰፊሑ እናተዘርግሐ፡ ኣብኡ ዝተመርኰሰ ዓሚቝ ቅርሕንቲ እናሃለወ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ምምቕቓላት ናይ ኣረኣእያ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኣመለኻኽታ ናብቲ ዝምዕብል ዘሎ ምሕዝነት ንገዛእ ርእሱ ስጡም ስለ ዘይኰነ ጕድኣት ኣለዎ። ስለዚ፡ እቲ ጉዳይ ተጸኒዑ፡ ናይ ብሓቂ ህልቂት ተፈጺሙ ድዩ ኣይተፈጸመን? ጆኖሳይድ ክበሃል እንከሎ እኮ ሕጋዊ ቃል እዩ፤ ሕጋዊ ቃል ድማ ናቱ መምዘኒታት ኣለዎ። ስለዚ ክኢላታት መጺኦም፡ እቲ ኵሉ ዝበሃል ኣብ ባይታ ሓቅነት ኣለዎዶ የብሉን? ሓቅነት እንተ ዘይሃልይዎ ክቋረጽ ክኽእል ኣለዎ። ሓቅነት እንተ'ልይዎ ድማ እቲ ዝተረጋገጸ በደለኛ ወይ ብይቕረታ ወይ ብኻሕሳ መዕለቢ ወይ መደቀሲ ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ።
ቢቢሲ፤ እቲ ዝምድናታትከ ናበይ ክምዕብል ወይ እንታይ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝገብርኦ ምትእትታው ዝጸንሐ እዩ። ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ኣብ ግዜ ቃልሲ፣ ካብ 2000-2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ'ውን ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ መደበሮም ገይሮም ይንቀሳቐሱ ነይሮም፤ እዚ ሓድሽ ኣይኰነን። እዘን ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ክተኣታተዋ ኣለወንዶ የብለንን ካልእ ጉዳይ ኰይኑ፡ ከም ክውንነት ኣብ ባይታ ግን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ።
ስለዚ፡ ኣቢይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መዓት ቅልውላው ፈጢሩ፡ ንዝዀነ ፍልልይ ብጐነጽ ክፈትሖ ይፍትን ኣሎ። እቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ተቓውሞታት ናይ ኢትዮጵያ፡ ረብሕኡ ብጥምረት ብምቅላስ፣ ነቲ ጠንቂ እቲ ኵሉ ኰይኑ ዘሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ምእላይ ክዕልም ክኽእል ኣለዎ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ፡ እዚ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ስርዓት ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ብዘይካ ምቕንጻል፣ ብዘይካ ንዝዀነ ጐነጽ ብሓይሊ ምፍታሕ፣ ብልዝብ ኰነ ብዝርርብ ክፈትሕ ኣይተራእየን። እቲ ቀንዲ ጸገም ከኣ እቲ ኣብ ኣብ ኵሉ ክልላት ዘካይዶ ዘሎ ኲናት እዩ። ኣጽዋር ኣለኒ፡ ድሮናት ኣለኒ ዝብሎ ዘሎ ምናልባት ንግዚኡ ነቲ ሰራዊት ሞራል ይህቦ ይኸውን፡ እቲ ወሳኒ ግን እቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ግጥም እዩ።
ንኤርትራ ዝምልከት ኣብዚ ዘለኒ ርእይቶ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ኲናት'ዚ ክኣቱ የብሉን። ኤርትራ ግን ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም - ምኽንያቱ እዞም ሓይልታት ዳርጋ ኵላቶም ነቲ ፕሮጀክት ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ዓሰብ ናይ ምጕባጥን ልዑላውነት ኤርትራ ነጺግካን፡ ንኤርትራ ናይ ምውራር ፕሮጀክት ስለ ዝቃወሙ፡ ምስኣቶም - ጂኦ ፖለቲካ ኣብ ግምት ኣእቲኻ - ስቱር ዝምድና ወይ ምሕዝነት ክትገብር ንረብሓኣ እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።
እዚ ሓይልታት'ዚ እናደንፍዐ፡ ኣብ መንጎኡ ዝጸንሐ ፍልልያት እናኣጽበበ ናብ ጥመረት ገጹ የምርሕ ኣሎ፤ ብሓባር እንተ ተቓሊሱ ድማ ሰራርነት ወይ ጸናሕነት ኣቢይ ኣሕመድ ሓጺር ግዜ ጥራይ እዩ ክህልዎ ዝኽእል ዝብል ገምጋም ኣለኒ።
ቢቢሲ፤ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኤርትራ ሓድሓደ ነጥቢታት ከነልዕል፤ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተገብረ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም መበገሲ ወሲድካ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ሜዳ፡ ዕድላት ወፍሪ፡ ሽቕለት ምፍጣር ንዜጋታት ዝኣመሰሉ ጽላታት ዝተራእየካ ለውጢ ወይ ኣጠማምታታት ኣሎዶ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ እዚ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ሓድሽ ኣይኰነን፣ ብተደጋጋሚ ክዝረብ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ከረጋግጸልካ ዝደሊ፡ ግዝኣተ ሕጊ ክሳብ ዘይሃለወ፣ ሕጋዊ መቓን ኣብ ቍጠባዊ ጽላት እንድሕር ዘይሃልዩ፡ ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍሪ ክመጽእ ኣይኰነን። ይትረፍዶ ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍሪ፡ ኤርትራውያን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ስለ ዘይከኣሉ፡ ወፍሪታቶም ኣብ መዓላ ልምዓት ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኣንጎላ ይውዕል ከም ዘሎ ኵላትና ንርእዮ ዘለና እዩ። ስለዚ እዚ ስርዓት'ዚ፡ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ እዋን ስልጣኑ ክቕይር እዩ ዝብል እምነት የብለይን - ናይ ብሓቂ። ክቕይር እንተዀይኑ ድማ ብቐዳምነት ግዝኣተ ሕጊ ከንግስ ክኽእል ኣለዎ። ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ሕጋዊ መቓን ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ወፍሪ እንታይ ደልዩ ይመጽእ?

ምንጪ ስእሊ, Awate.com
ቢቢሲ፤ ምናልባት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ሜዳኸ ምስኡ ኣተሓሒዝካ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፤ ሐራይ። እቲ ዝዓበየ ጸጋ ናይ ኤርትራ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣ እዩ። 1,200 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ ኣለዋ። ካልኣይ፡ ካብ ፖርት ስዒድ ክሳብ ሞምባሳ ኣብ ዝዝርጋሕ እተን ዝበለጻ ዓሚቝ ማያት ዘለወን ወደባት ዓሰብን ባጽዕን እየን። እዘን ወደባት እዚኣተን ግን ንዝሓለፈ 34 ዓመታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይነን ባኺነን ጸኒሐን። ምናልባት ካብ 1991 ክሳብ 1998 ኢትዮጵያ ትጥቀመለን ነይራ። እቲ ናይ ኢትዮጵያ ግን ኣዝዩ ንኡስ ቍጠባ ስለ ዝዀነ ዋላ ናይ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ንግዲ - ሰደድን እታውን - ድሩት እዩ ነይሩ።
ስለዚ፡ ዓሰብ'ውን ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ክንዲ ናብ ኢትዮጵያ ጥራይ - ንኢትዮጵያ ኮስት ኢፈክቲቭ ዝዀነ ኣድማዒ ኣገልግሎት እናሃበት - ትራንስሺፕመንት ፖርት ማለት መደበር ዓለማዊ ንግዲ - ከም ብዓል ዱባይ - ክትከውን እማመ ቀሪቡ ነይሩ። ክስርሓሉ'ውን ተበግሶ ነይሩ ግን ተዀሊፉ፣ ከም ብዙሓት ነገራት ኣብ ኤርትራ፤ ከም ኵሉ ብግስ ዝበለ ዝዅለፍ - ተዀሊፉ። ባጽዕን ዓሰብን እምበኣር ንህዝቢ ኤርትራ ይዅን ነቲ ዞባ ይዅን ክንዮኡ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ክህብኦ ዝግባእ ኣገልግሎትን ኢንዱስትርን ባኺነን እየን ጸኒሐን።
ብዓቢኡ ባሕሪ ኤርትራ ዓቢይ ጸጋ እዩ። ቅድሚ 30 ዓመት ኣቢሉ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኤርትራ ኣብ ዓመት 100,000 ቶን ዓሳ በበይኖም ዓይነቶም ዓሳ ክትገፍፍ ትኽእል። ክሳብ ሎሚ ግን ምናልባት እቲ ዝበዝሐ 10,000 ቶን ዘይበዝሕ እዩ ክግፈፍ ጸኒሑ። ስለምንታይ? እቲ ዓቕሚ ኮነ ተባሂሉ ተረሚሱ። ክሳብ ሕጂ'ውን እቲ ዓቕሚ የለን።
ኣብ ዲፕሎማሲ እንተ መጺእካ እውን፡ ግደ ሓቂ ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራ ክወርር እየ ዓሰብ ክሕዝ እየ ክብል እንከሎ ኲናት እዩ ኣዊጁ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሓቂ ዲፕሎማስያዊ ልቦና እንተ ዝህልዎ ነይሩ፡ ፍሉይ ኣኼባ ናይ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ ነዚ ጉዳይ'ዚ ከቃልዖ ይኽእል ነይሩ።
ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኤርትራ'ውን ንኣብነት ኣብዚ ናይ ትማሊ መደረኡ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሰምዖ እንከለኹ፡ ደስ ዘየብል እዩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ኲናት ከይጠቐሰ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ታህዲድ ከይጠቐሰ ብዛዕባ'ዚ ቅሬታኡ ከይገለጸ... ፤ ምኽንያቱ ዝምድና ሃገራት ኣብዚ ዘሎ ኣህጉራዊ ስርዓት ኣብ ምፍላጥ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራት ዝተመርኰሰ እዩ። እዚ ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ይዅን ኣብ ኵሉ ዓንቀጻት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ እዩ፤ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት'ውን ኣሎ፤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ናይ ኣልጀርስ ይዅን ኣብቲ ናይ 2018 ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን'ውን ተጠቒሱ ዘሎ - ንዅሉ ነዚ ዝጻረር እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ንምቅላዕ ዕድል ነይርዎ። ነዚ ከይተጠቕመ ምሕላፉ ብሓቂ ዝባኸነ ዕድል ኰይኑ ይስምዓኒ።
ብሓፈሻኡ፡ እቲ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ንምክያድ ዘኽእል ዓቕሚ ስለ ዝጐድል፡ ኣብቲ ዲፕሎምስያዊ ሜዳ ከምቲ ዝግባእ ዝነጥፍ ስርዓት ኣይኰነን፤ ዓቕሚ የብሉን፣ ምናልባት'ውን መረዳእታ ይጐድሎ፣ እቲ ኤምባሲታት'ውን መብዛሕትኡ ኣምባሳደራት ዘይብሉ ብግዝያዊ ፈጸምቲ ኣካላት ዝምራሕ እዩ፤ መብዛሕትኡ ከኣ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ዘይኰነስ ቆንስላዊ ስርሓት ዘሰላስል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዜናውን ዲፕላምስያውን ስርሓት እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ርኡይ ድኽመት ኣለዎ። እዚ ድኽመት'ዚ ድማ ኵሉ ግዜ ብተጻባእቲ ሓይልታት ዝምዝመዝን ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ንረብሓ ሃገረ ኤርትራን ዝሃሲ ኰይኑ ይስምዓኒ።

ዶ/ር ዓንደብርሃን፡ ገዲም ተጋዳላይ ንናጽነት ኤርትራ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ዘገልገለ፣ 'ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ - ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን' ዘርእስታ ዓባይ መጽሓፍ ዝደረሰ፣ በብእዋኑ ኣብ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቍጠባውን ጉዳያት ኤርትራ ማእከሉ ዝገበሩ ሰፋሕቲ መጽናዕታውን ነቐፌታውን ተንታኒ ጽሑፋት ዘቕርብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዕማማት ዓለምለኻዊ ትካላት ዝሰርሐ ምሁር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







