ኣመሪካ፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን መራሒ ኣይኤስ ተቐቲሉ

እቲ ዝተቐተለ መራሒ ኣይኤስ ቀንዲ ወሳኒ ኣካል እቲ ወዳበ'ዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከብ ላዕለዋይ መራሒ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ኣባላት ሃገራዊ ስለያ ዒራቕ ምስ ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ብዘካየድዎ ስርሒት ከምዝተቐትለ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ኣፍሊጡ።

ብኣቡ ከዲጃ ዝፍለጥ ዓብደላ ማኪ ሙስሊሕ ኣል-ሪፋይ "ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ሓደገኛታት ኣሸበርቲ ተባሂሉ ይቑጸር ነይሩ" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሺያ ኣል ሱዳኒ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ብዘይ ዕረፍቲ ብደፋራት ተዋጋእትና ተሃዲኑ" ኢሉ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ምዕራባዊት ግዝኣት ኣል ኣንባር ዒራቕ "ሸቶኡ ዝወቕዐ መጥቃዕቲ ኣየር" ከምዘካየደን፡ እዚ ድማ ትማሊ ሓሙስ "ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ" ኣባላት ኣይኤስ ከምዝቐተለን ገሊጹ።

ሪፋይ ሓላፊ ናይቲ ዝለዓለ ውሳነ ዝህብ ኣካል ኣይኤስ ኮይኑ፡ ብዓለም ደረጃ ብኣይኤስ ዝካየድ ስርሒታት፡ ሎጂስቲክስን ውጥንን ሓላፍነት ከም ዝነበሮ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ንዓለምለኻዊ ትካል ናይቲ ጉጅለ ዓቢ ክፋል ፋይናንስ ከምዝመርሕ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ወሲኹ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ምስ መንግስቲ ዒራቕን ክልላዊ መንግስቲ ኩርዲን ብምውህሃድ ህይወት ናይቲ መራሒን ካልእ ሓደ ኣባል ዳዕሽን ተኾሊፉ'ሎ፤ ሰላም ብሓይልና" ኢሉ።

ሪፋይ ኣብ ጎኒ ሓደ ካልእ ኦፕሬተር ኣይኤስ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ገሊጹ።

ሓይልታት ኣመሪካን ዒራቕን፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሕንጢጥ ኣምሊጡ ካብ ዝሃደመሉ ወፍሪ፡ ካብ ዝተኣከበ 'ዲኤንኤ' ብዝተገብረ ምትእስሳር ከለልይዎ ከምዝኸኣሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

ጀነራል ማይክል ኤሪክ ኩሪላ፡ ሪፋይ "ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ኣባላት ኣይኤስ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

እቲ ጀነራል ኣስዒቡ "ኣሸበርቲ ምቕታል ክንቅጽለሉ ኢና፤ ኣብ ኣመሪካ ኮነ ዞባናን ኪኖኡን ንዝርከቡ መሓዙትን መሻርኽትን ኣባላት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ውዳበታቶም ምፍራስን ክንቅጽል ኢና።"

ኣብ ሓደ እዋን ኣይኤስ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ንሰሜናዊ ዒራቕ ዝዝርጋሕ 88,000 ትርብዒት ኪ.ሜ መሬት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ኣረሜናዊ ምሕደራኡ ኣንቢሩ ነይሩ።

ዒራቕ ኣብ ታሕሳስ 2017 ስዕረት ኣይኤስ ዝኣወጀት ኮይና፡ እቲ ጉጅለ ካብቲ ናይ መወዳእታ ሓራ መርየቱ ኣብ 2019 ተባሪሩ።

ይኹን እምበር ዕጡቓት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ህላወኦም ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ፖሊስን ዒራቕ ስፍሕ ዝበለ መጥቃዕቲ የካይዱ ኣለዉ።