ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ 'መተሓሳሰቢ' ጀነራል ታደሰ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ ዶ ፖለቲካዊ መዋጽኦ?

ምንጪ ስእሊ, BBC/TIGRAI TV/TPLF FB
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንቲ ምኽትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ እቲ ምምሕዳር ሓድሽ ሽመትን ምስጓግን ሰብ መዚ ምክያድ ደው ከብል ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ጀነራል ኣብ መንጐ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓትን ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ምክትል ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓትን ተፈጢሩ ንዘሎ ምትፍናን፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ጥራይ ክናደየሉ ከም ዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ፈደራልን መሻርኽቱን ንዝተኻየደ ውግእ ዝመርሐ ህወሓት፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተገሚዑ ላዕለዎት መራሕቱ ኣብ ናይ ስልጣን ቍርቁስ ተፀሚዶም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ውጥረትን ስግኣትን ኣንጸላልዩ ይርከብ።
ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዘለዉ፡ እቲ ናይ መንግስቲ ስልጣን ተጠቒሞም ንገሊኡ ብምውራድ፡ ሓድሽ ምደባታት ምግባር ይረአ ኣሎ። እቲ ምውራድ ይዅን ምድያብ፡ ነቲ ምምሕዳር ንምቕያር ዘሎ ድሌት ብምልኡ ደው ክብል'ዩ እቲ ንሓቶ ዘለና" ኢሉ።
እቲ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ምትፍናን ዓርሞ ዘይብሉ ከም ዝዀነ ዝገለጸ ጀነራል ታደሰ፡ “እቲ ሕዚ ዘሎ ኣፈላላይ ይዅን ፖለቲካዊ ንሕንሕ. . .ቀይሕ መስመር ዘይብሉ፡ ንዅሉ ነገር ሃደሽደሽ ዘብል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ዋላ’ኳ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ከምኡ እንተበለ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ምስጓግን ሓድሽ ምደባ ሽመት ሰብ መዚ ይቕጽል ኣሎ።
ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ድማ ነቶም ሓደሽቲ ሽመታት ከም ዘይቅበሎም ይገልጽ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ እቲ ንርእሱ ከም “ዘይሻራዊ” ትካል ዝርኢ ዝነበረ ሓይሊ ፀጥታ፡ ነዚ ትእዛዝ ከመሓላልፍ እንታይ ስልጣን ኣለዎ? ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንጸላለወ ሓደጋ ኸ? ዝብል ዳህሲስዎ ኣሎ።
መጠንቀቕታ እቲ ጀነራል ካበይ ይምንጩ?
ኣቐዲሙ’ውን ናይ ድጋፍን ተቓውሞን ሰልፍታት ከይካየድ ዘጠንቀቐ ጀነራል ታደሰ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ሽመትን ምስንባትን ከየካይድ ምጽውዑ እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ናብ ካልእ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት ዝተሓወሶ ቅልውላው ክድርኽ ዝኽእል ‘ወተሃደራዊ ዕልዋ’ ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብሉ ስግኣታት ይንፀባረቑ ኣለዉ።
መምህርን ተመራማርን ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ዘረባ ኣዛዚ ሰራዊትን ሓላፊ ጸጥታን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሕገ-መንግስቲ ኰነ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝብገስ ስለ ዘይኰነ፡ ንብዙሓት ከም ዘሻቐለ ይገልጽ።
“ኣብ ውሽጢ ህወሓት ንዘሎ ጸገም ንኽልቲኦም ኣካላት ግደፉ ካብ ምባል ዝሓለፈን መንግስቲ ከም መንግስቲ ክገብሮ ዝግበኦ ዝገትእን’ዩ። መንግስቲ ክትከውን ከለኻ ካብ ትሰርሖም ስርሓት እቲ ሓደ ምሻምን ምልዓልን እዩ። ጀነራል ታደሰ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ኣካል እቲ መንግስቲ ብምዃኑ፡ ካልኣይ ድማ ዋና ሓላፊ ኣካላት ጸጥታ ስለ ዝዀነ፡ ንመንግስቲ እዚ ኣይትግበር ምባሉ ዘሻቕል እዩ” ብምባል፡ ንመጸዋዕታ ጀነራል ታደሰ ከም ዕልዋ መንግስቲ ገይሮም ዝረኣይዎ ሰባት ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, GETACHEW ASSEFA
ምሁር ሕጊ መኮነን ፍስሃ ድማ፡ ብመንጽር ሕጊ፡ መንግስቲ ንሰራዊት ከመሓድር ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክኸውን ከምኡ’ውን ውድባት ብመምርሒ መንግስቲ ክፍጽማ ንቡር መስርሕ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ግን ካብ ልሙድ ዝወጸን ዝተሓለለኸን ከም ዝዀነ የረድእ።
“ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተጣየሸሉ መቓን ዘደናግር ባህሪ ኣለዎ። እቲ ሓደ ካብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝምንጩ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ናይ ፌደራል ‘ኢንተርቬንሽን’ ኣዋጅ 359/95 ዝምንጩ ስልጣን ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ መንግስቲ ፌደራል ዘውጽኦ ናይ ትግራይ ደምቢ መጣየሺ’ውን ኣሎ። እዚኦም ሓደ ማዕቀፍ’ዮም።
"ካልእ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮንፈረንስ ሓውሲ ቻርተር ዝመስል ሓሳባት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክንደይ እዋን ከም ዝጸንሕ፣ እንታይ ከም ዝገብርን ንመን ዘካተተን’ዩ ዝብል ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሎ” ይብል።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር መጣየሲ ስርዓት ነቲ ማሕበረሰብን ንትንተና ሕጊን ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ እቲ ምሁር ሕጊ ይገልጽ።
እቲ ገዛኢ ሕጊ ካብ ናይ ፕሪቶርያ ውጽእ ኢሉ ናብ ናይ ፈደራል ‘ኢንተርቬንሽን’ ባህሪ ዘለዎ ከም ዝመስል ዝጠቅስ መኮነን ፍስሃ፡ እዚ ድማ ምድብ ጸጥታ ትግራይ ኣበይ እዩ ዝብል ንምንጻር ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ይሕብር።
“ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ንኵነታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ግምት ኣትዩ ምጥያሽን ምስንባትን ሰራዊት ምስ ተኻየደ ሰራዊት ትግራይ ዝብል መጸውዒ ኣይክህሉን። ሕዚ ስምምዕ ፕሪቶርያ’ውን ኣይተፈጸመን፣ ምስንባት ሰራዊት’ውን ኣይተኻየደን፡ ናይ ትግራይ ናይ ህዝቢ ጸጥታ’ውን ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ። ብኻልእ ወገን ድማ ሰራዊት ትግራይ ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ መጺኡ ኣሎ። ስለዚ እቲ መቓን ብስሩዕ ናይ ሕጊ መስርሕ ንምግላጽ ኣጸጋሚ እዩ” ይብል።
ጀነራል ታደሰ ኣቐዲሙ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብዚ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኢዶም ከም ዘየእትዉን፡ እቲ ዘሎ ምትፍናን ህወሓት፡ ፖለቲካዊ ነጻነቶም ተግባራዊ ንኽገብሩ ባይታ ዝፈጥርን እዩ ኢሉ ነይሩ።
ድሕሪ እዚ፡ ንምንታይ ነዚ ቀያዲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ዝብል ድማ ኣዘራራቢ ኰይኑ።
ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ መንጐ እቲ ሰራዊት ዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈጠረ ናይ ውግንና ፍልልይን ጸቕጥን ነዚ ክዛረብ ደሪኹ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኣብ መንጐኦም ኣብቲ ሰራዊት ንመንግስቲ ኣትሪሮም ዝተቓወሙ፣ እዚ ደው ክብል ኣለዎ ዝበሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣለዉ ኢለ እኣምን። ገሊኦም ድማ፡ ነቲ ውድብ ንምውጋን ኢሎም ክዀኑ ይኽእሉ። ጀነራል ታደሰ ንክልቲኡ ሒዙ መጺኡ’ዩ ነቲ መንግስቲ ተዛሪብዎ። ሓደ ናይ ጸጥታ ኣካል፡ ዝዀነ ይዅን ውድብ ንመንግስቲ ከፍርስ ኣይንፈቅድን እንተይሉ ንቡር እዩ። እቲ ዓብይ ጉዳይ ግን፡ መንግስቲ ምሻምን ምውራድን ደው ከብል ኣለዎ ምባሉ እዩ።
ካልኣይ፡ እቲ ካቢነ ከም መንግስቲ ተኣኪቡ ክውስኖም ዘለዎም ዓበይቲ ነገራት ኣለዉ። እንታይ ይገበር ዝብል? ብካቢነ ደረጃ ወሲኖም ዝገበርዎ ነገር የለን። ስለዚ ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስቲ ጸቕጢ ናይቶም ኣዘዝቲ ሒዙ፡ እቲ ካቢነ ብዙሕ ግዜ ከም ዘይእከብ፡ ምስ ጸጥታ ዝተሓሓዝ ክውሰኑ ዘለዎም ወሰንቲ ነገራት ከም ዘይተገበረ ስለ ዝተዛረበ፡ ብኽልቲኡ ወገን ናይ ምስሓብን ምጕታትን ነገራት ኣጋጢምዎ ኢለ እየ ዝኣምን” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምሁር ሕጊ መኮነን ፍስሃ፡ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳብ ኣበይ ይኸይድ? ዝብል፡ ማዕቀፍ ሕጊ ከይሃለወ ምምጽኡን ኣብ መንጐ ህወሓት ብዝተፈጠረ ክፍፍልን ኣብ ትግራይ ብመደበኛ ሕጊ ምሕደራ ዘይከኣለሉ ኵነታት ከም ዝተበጽሐ ይገልጽ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ክልቲኡ ጫፍ ዘሎ ናብ ዝኸፍአ ከይበጽሕ ድሕነት ህዝቢን ምሕላው ሚዛን ከትሕዝ ዝደለየ ይመስል” ይብል።
እቲ ሓይሊ ጸጥታ፡ ኣካል መንግስቲ ድዩ ዝብል’ውን ኣካታዒ ከም ዝዀነ የረድእ።
መምህር መኮነን፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ “ተዋጋእቲ ህወሓት ተባሂሎም’ዮም ዝጽውዑ። ደሓር ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ትካል ኰይኑ መጺኡ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሓይሊ ጸጥታ ዝሃቦ መግለጺ ዕልዋ መንግስቲ ድዩ ኣይኰነን? ወይስ ሰላምን ጸጥታን እዩ ዝሕሉ ዘሎ ወይስ ድሕነት ህዝቢ እዩ ዝሕሉ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ የልዕል።
ብዓይኒ ሕጊ ክረአ እንከሎ መንግስቲ ወይ ምምሕዳር፡ ንሰራዊት፡ ፖሊስን ህዝብን ሓዊሱ የመሓድር ዝብል እቲ ምሁር ሕጊ፡ እንተዀነ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ወጻኢ ጽላት ባይቶ፡ ፈጻሚ ስራሕን ኣብያተ ፍርድን ዘካተተ መንግስቲ ብዘይምህላዉ፣ ሰራዊት ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ዘይምስንባቱን ኣብ ትግራይ ነዚ ዝድንግግ ኣዋጅ ዘይምህላዉን ብመደበኛ ትንታነ ሕጊ ንምርኣይ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

'መንግስቲ ስርሑ ደው ከብል ኣይክእልን'
እቲ ካብ ዝምስረት 50 ዓመታት ከመልኦ ኣዋርሕ ዝተርፎ ህወሓት፡ ብሓደ ወገን ምስ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነትን ምክያድ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦ ጉባኤን ብዝዛመድ ምስ መንግስቲ ፈደራልን ቦርድ መረጻ እታ ሃገርን ክሰሓሓብ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቱ ብዝተፈጠረ ቍርቁስ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተገሚዑ ኣብ ሰንፈላል ይርከብ።
ብኣቦ ወንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት በቲ ሓደ ወገን፡ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር እቲ ውድብን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ኰይኖም ነንሕድሕዶም ኣብ ምክሳስን ኣኼባታት ኣብ ምክያድን ተጸሚዶም ይርከቡ።
ኣብ ወረዳታት እግሩ ከይተክል ኰነ ተባሂሉ ክስራሕ ከም ዝጸንሐ ዝኸስስ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ ሰብመዚ ብምስጓግ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ከም ዝሸመ ይፍለጥ።
ይዅን’ምበር ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ሓዊሱ ብግዝያዊ ምምሕዳር ሽመት ኣብ ዝተኻየደሎም ገለ ከባቢታት ዝርከቡ ክንፊ እቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት፡ ነዚ ሽመት ከም ዘይእቅበልዎ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኦም እዮም።
እቶም ሓደስቲ ዝተሸሙ ኣመራርሓ ድማ ስራሕ ከም ዘይጀመሩ ይግለፅ።
ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ መንግስቲ ስርሑ ከቋርጽ ከም ዘይክእልን ዘድሊ ሽመትን ምስንባትን ከም ዝቕጽልን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, REDAEI HALEFOM
“ነገራት ከይጋደዱ ናብ ዝሐሸ ነገር ንምምጻእ ምድላይ ሓደ ነገር እዩ። ከምኡ ክትደሊ እንከለኻ ኣብ ኣተገባብራኡ ግን፡ መንግስቲ ስርሑ ንኸይሰርሕ ዘግብር እንተዀይኑ ትርጕም ዘለዎ ኣይኰነን። መንግስቲ እንተዘይሃልዩ እቲ ዝበሃል ዘሎ እውን ክሳኻዕ ኣይክእልን።
"እዚ መንግስቲ ኣብ ዘድልዮ ምምዳብ ይዅን ኣብ ዝተመደቦ ስራሕ ኣጕዲሉ ክበሃል ካብ ምድቡ ምልዓል ንቡር ናይ መንግስቲ ስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ተገዳስነቶም ነኽብር። ካብኡ ሓሊፍካ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣብ ዘድልየሉ ግን መንግስቲ ስርሑ ደው ከብል ኣይክእልን፡” ኢሉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ሽመት ኣብ ዘካየደሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝጻባእ ኣካል ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ድማ ተዛሪቡ።
ኣቶ ረዳኢ፡ “ግዝያዊ ምምሕዳር ንምዕንቃፍ ኰነ ኢሉ ዝሰርሕ ጕጅለ ኣሎ። ንኣብነት ናይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ እንተርኢና፡ ካብ መሪሕነት ካብ ዝለዓል ዳርጋ ሓደ ዓመት ዝገበረ ኣካል ቢሮ ዓፅዩ፣ ማሕተም ሒዙ ነቶም ዝተመደቡ ኣመራርሓ ኣይነስርሕን ዝበልሉ ኵነታት ተፈጢሩ።
"ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን እምቢ ምባልን ምህዋኽን ከም ሞያ ዝሓዞ፤ ካብዚ ሕልፍ ኢሉ’ውን ነታ ሰላም ዝዕንቅፍ ጕጅለ ብቅሉዕ ምምጻእ ጀሚሩ ኣሎ። እምቢ ኢሎም ክሳብ መወዳእታ ክሽፍቱ ኣይክእሉን። መንግስቲ ነዚ ናይ ሽፍትነት ስራሕ መልክዕ ከትሕዞ እዩ፡” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ፡ እቶም ብግዝያዊ ምምሓዳር ካብ መዝነቶም ዝተኣለዩ ናብ ሓላፍነቶም ዝምለስሉ ዕድል ከም ዘየለን፡ እቶም ሓደስቲ ዝተሸሙ ድማ ስርሖም ከም ዝቕጽሉን ኣነጺሩ።
“ኣብ ትግራይ ዝዀነ ይዅን ንጸጥታ ትግራይ ዝህውኽ ነገር ከየጋጥም፡ ስራሕ መንግስቲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ምኽልካል ምስ ዲሞክራሲ’ውን ሓቢሩ ዝኸይድ ኣይከውንን፤ ናይ መንግስቲ ስራሕ እውን ኣብ ዘድልየሉ ክቕጽል እዩ፡” ኢሉ።
ስግኣትን መዋጽኦን?
ካብ ሕድሕድ ምክሳስ ሓሊፉ ኣኼባታት ክሳብ ምህዋኽን ከይካየድ ምስራሕን ዝበጽሐ ምትፍናን ላዕለዎት መራሕቲ ጕጅለታት ህወሓት፡ ትእዛዝ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተወሲኽዎ፡ እቲ ምክፍፋል ናብቲ ሰራዊት ልሒኹ ንትግራይን ህዝባን ዳግማይ ናብ ዝበኣሰ ሓደጋ ከየእትዋ ኣስጊኡ ኣሎ።
መምህርን ተማራማርን ዩቨርሲቲ ካልጋሪ ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ “ክልቲኦም ጕጅለታት ህወሓት እቲ ሓደ ኣጊደ እየ ይብል፤ እቲ ካልእ መጀመርታ እውን ኣፍልጦ የብልካን ይበሃሃሉ ስለ ዘለዉ፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብዚ ዘለዎም ቅዋምን ርድኢትን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝወስድዎ ስጉምቲ ወሳኒ እዩ ኢለ እኣምን።
"ኣካል ጸጥታ ናይ መንግስቲ ኣካል’ዩ። ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣካል ኰይኑ ዝተወሰና ነገራት እዩ ክገብር ዝኽእል፤ ኣብቲ ፖለቲካ ክኣትው ኣይኽእልን። ጀነራል ታደሰ፡ ክብሎ ዘይግባእ ነገር እዩ ኢሉ። መንግስቲ ዝምልከት ከምዚ ናይ ምባል መሰልን ሕጋዊ ሰረትን የብልናን ብምባል ክውድኦ ነይርዎ። እቲ ስግኣት ዝፈጥር መግለጺ ወዲ ወረደ ብዙሕ ሰብ ስለ ዝኾነኖን ንሱ እውን ናብ ምዝሕሓል ስለ ዝኣተወን፡ እዚ ኣይድገምን እቲ ምክፍፋል እውን ኣይፍጠርን ኢለ እየ ዝኣምን” ይብል።
ምሁር ሕጊ መኮነን ፍስሃ ብወገኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብዘሎ ወድዓዊ ኵነታት፡ “ኵሉ ዓይነት ስጕምትታት ክውሰድ ከም ዝኽእል ምግማት ይከኣል እዩ። ጽባሕ ንግሆ ዝዀነ ሓይሊ ተላዒሉ ኣነ መንግስቲ እየ ክብል ከም ዝኽእል ግልጺ እዩ” ይብል።
ኣብ መንጐ ህወሓት ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝገብርዎ ዘለዉ ምትፍናን እምበር ንህዝቢ ሓልዮም ኣይኰኑን ዝብል መምህር መኰነን፡ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ኣትዩ መዓልቦ ክወሃብ ከም ዝግባእ ይሕብር።
“ሰራዊት ትግራይ፡ ትግራይ ብኽልተ ስልጣን ዝደልዩ ጕጅለ ተመቒላ ኣብ ዕግርግር እንትትኣቱ ክርኢ ኣይኽእልን ይብል ከም ዘሎ እየ ዝርዳእ። ስልጣን ይምልከተኒ እዩ እንተዀይኑ ግን፡ ሓደገኛን ዕልዋ መንግስትን እዩ ዝኸውን። ግን ኣብ ክልል ዕልዋ መንግስቲ ይከኣል ዶ? ዝብል ምርኣይ የድሊ። ስለዚ መንግስቲ ፈደራል ‘ኣነ ዘጣየሽክዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ተነኺኡ ብዘይ ኣግባብ ተዓልዩ ኣሎ፤ ደጊመ ከጣይሾ እየ፣ መቐለ ክቈጻጸር እየ’ ክብል ይኽእል እዩ። ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ኵሉ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ” ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
ፖለቲካዊ ዝተ ብምግባር ኣብ ትግራይ ንዅሉ ዝሓቍፍ መንግስቲ ክምስረት ኣብ መስርሕ ናብ ስርዓተ ሕጊ ምምጻእን ድማ እንኮ መፍትሒ ከም ዝዀነን፡ ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ግን፡ ንትግራይ ናብ ጥፍኣት እዩ ክመርሓ ዝኽእል ዝብል ኣረዳድኣ ኣለዎ፡ ምሁር ሕጊ መኮነን ፍስሃ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







