ውሩይ ኬንያዊ ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ምኒስተር ኬንያ ነበር ራይላ ኦዲንጋ ኣብ መበል 80 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ምንጭታት ስድራቤት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኦዲንጋ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ እንከሎ እዩ ብ15 ጥቅምቲ ዓሪፉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ገለ ካብ ኣባላት ስድራቤቱን መቕርቡ ፖለቲከኛታትን ንዅነታት ጥዕናኡ ኣመልኪቱ ክበሃል ዝቐነየ እኳ እንተ ነጸጉዎ፡ ዝተፈላለየ ግምታት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ክብ ዝበለ ቦታን ሓያል ናይ ምውዳብ ክእለትን ዝነበሮ ራይላ ኦዲንጋ፡ ንሓሙሽተ ግዜ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ ኣይተዓወተን። ነፍስወከፍ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ዝተገልጸሉ ድማ ይነጽጎን ዓወቱ ከም ዝተሰርቀን ይምጕት ነይሩ።
ኣብ ምርጫ 2017፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ ንዓወት ኡሁሩ ኬንያታ ብምስራዝ እቲ ምርጫ ዳግማይ ክካየድ ኣዚዙ። እንተዀነ፡ ንዳግማይ ምርጫ ብምንጻግ ኣብ ኣገባብ ምርጫ ጽገና ክግበር ሓቲቱ።
ድሕሪ ኣካታዒ ምርጫ፡ ምስዚ ሕጂ ፕረዚደንት ዘሎ ዊልያም ሩቶ ዕርቂ ገይሩ እዩ።
ኣብ 2022 ድሕሪ ዘጋጠሞ ስዕረት፡ ምስ ፕረዚደንት ሩቶ ብምጽንባር ሓያሎ ካብ መሻርኽቱ ወሰንቲ ጽፍሒታት መንግስቲ ከም ዝሕዙ ገይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰባት ናብ ባይቶ ጥሒዞም ክኣትዉ ዝገበሩ ዓበይቲ ተቓውሞታት ድሕሪ ምክያዶም፡ እቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንሃገራዊ ሓድነት እታ ሃገር ኣድላዪ ምዃኑ መጒቱ።
ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ብዝተፈጠረ ግጭት ተቐቲሎም።
ምምሕዳር ሩቶ ነቲ ኦዲንጋ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ደጊፉዎ።
ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍላ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ኦዲንጋ ሓያል ዞባዊ ደገፍ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብጅቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ተሳዒሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







