እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ሕቶ ዑቕበኦም ንዝተነጸገ ስደተኛታት ገንዘብ ከፊላ ብወለንትኦም ናብ ርዋንዳ ክትሰዶም'ያ
ብሪጣንያ፡ ሕቶ ዑቕበኦም ዝተነጸገ ስደተኛታት ብድሌቶም 3000 ፓውንድ ከፊላ ናብ ርዋንዳ ክትሰዶም ከምእትኽእል ገሊጻ።
እዚ መጀመርታ ኣብ ታይምስ ዝወጽአ ጸብጻብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ሕቶ ዕቕበኦም ዝተነጸገ ግን ከኣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዘይክእሉ ዕላም ገይሩ ዝተፈጠረ ዕድል ከም ዝዀነ ብምጥቃስ ብድሌት እቶም ስደተኛታት ጥራይ ዝፍጸም ከም ዝዀነ ይጠቅስ።
ሚኒስተር ‘ቢዝነስ’ ዓዲ እንግሊዝ ኬቪን ሆሊንራክ ነቶም ብወለንትኦም ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ዝደልዩ ሰልዲ ምሃቦም “ንገንዘብ ህዝቢ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ምውዓል” ከምዝኾነ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ብምስዓብ “እቲ ቀንዲ ናብ ህዝቢ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ናብዚ ብዘይ ሕጊ እንተኣቲኹም ኣብዚ ክትነብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም ዝብል’ዩ፤ ከም ዝመስለኒ ነዘን 3000 ፓውንድ ወሲዱ ናብ ርዋንዳ ንምኻድ ናብዚ ዓዲ ብዘይሕጋዊ ክኣቱ ዝደሊ ሰብ ኣይክህሉን’ዩ” ኢሉ።
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ እቶም ብዘይሕጋዊ ናብ ዓዲእ እንግሊዝ ዝመጽኡ ሰባት ሕቶ ዑቕበኦም ኣብ ርዋንዳ ኰይኑ ክረአ ዝብል ቅድሚ ሕጂ ዘልዓሎ ሓሳብ ብቤት ፍርዲ’ኳ እንተተበደሀ ከይተሓለለ ክጽዕረሉ ምዃኑ ብምግላጽ እዚ ናይ ሕጂ መደብ ዝተፈለየ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ናይ ሕጂ መደብ ብነጻ ድሌት ናይቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝግበር ኰይኑ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ብባይቶ ምጽዳቕ ከም ዘየድልዮ’ዩ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ።
ወሃቢ ቃል ‘ሆም ኦፊስ’ “እዚ መደብ ንቁጽሪ ናይቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብዚ ዝኣትዉ ስደተኛታት ከጉድሎ’ዩ፡ እዚ ነቶም ኣብዚ ሕቶ ዑቕበኦም ተነጺጉ ኣብዚ ክነብሩ ዘይክእሉ ዝተዳላወ መደብ ኰይኑ ኣብ ርዋንዳ ምስ ኣተዉ ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክውሃቦም’ዩ ናብ ርዋንዳ ምስ ኣተዉ’ውን ተወሳኺ ደገፋት ክግበረሎም’ዩ” ይብል።
እንተዀነ እዚ መደብ እዚ መዓስ ከም ዝጅምርን ክንደይ ዝዀኑ ሰባት በዚ መደብ እዚ ናብ ርዋንዳ ከኸዱ ከም ዝክእሉን ኣይተነጸረን ዘሎ።
ብመሰረት ካብ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ዝተረኸበ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 19 ሽሕን 253 ብወለንትኦም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ካልእ ሃገር ከም ዝተሰጋገሩን ካብኦም 3319 ናይ ነፋሪትን ካልእ ወጻኢታትን ከም ዝተሸፈነሎምን ይሕብር።
እዚ ከኣ ካብ 2010 እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
‘ሆም ኦፊስ’ እቲ ናብ ርዋንዳ ብወለንትኦም ክኸዱ ንዝደልዩ ክውሃብ ተሓሲቡ ዘሎ ሰልዲ፡ ንግዝያዊ ክራይ ገዛ፡ ንትምህርቲ ወይ’ውን ዝዀነ ነኡስ ትካል ንምኽፋት ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይጠቅስ።
ነዚ ሓዲሽ ሓሳብ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣመልኪቱ ካብ ሰልፊ ዕዮ ዝዀነ ሚኒስተር ስደተኛታት ስቴፈን ኪኖክ “ሕጂ ዋላ ሚኒስተራ ከይተረፉ እቲ ኣቐዲሞም ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ክርአ ዝብል መደብ ክሰርሕ ከም ዘይክእል ክርድኦም ጀሚሩ ኣሎ፡ እዚ ምስ ኰነ ንሰባት ሰልዲ ከፊልና ናብ ርዋንዳ ንስደዶም ዝብል ሓዲሽ ሓሳብ ሒዞም ይመጽኡ ኣለዉ” ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ብምስዓብ “ርዋንዳ ዝተወሰነ ዓቕሚ’ዩ ዘለዋ፡ ስለዚ መንግስቲ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት’ዩ ከፊሉ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስዳድ መደብ ዘለዎ ከነጽር ኣለዎ” ብምባል በቲ ሓዲሽ መደብ ዘለዎ ዘይምትእምማን ገለዒጹ።