እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ንምንታይ’ያ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺማ?
እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመትሉ ብውሕዱ ትሽዓተ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም።
እስራኤል “ስርሒት ጸረ-መጥቃዕቲ ግብረሽበራ” ኢላ ኣብ ዝሰመየቶ ስርሒት ሰራዊታ ናብ ኣርባዕተ ከተማታት ምዕራባዊ ገማግም ሰዲዳ።
እዚ ስርሒት ከኣ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ እቲ ዝሓየለ’ዩ።
ምዕራባዊ ገማግም ኣበይ’ዩ፣ መንከ ይቈጻጸሮ?
ምዕራባዊ ገማግም ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ንምዕራብ ካብ ከተማ ዩርሳሌም ከኣ ንምብራቕ’ዩ ዝርከብ።
ብመሰረት ካብ ማእከል ስታትስቲክስ ፍልስጤም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣስታት 3.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ይነብሩ።
መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝነብሩ ፍልስጤማውያን እዮም፤ ኣብ ምዕራባዊ ገማገም ሰፋሮ ኰይኖም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን’ኳ እንተሃለዉ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ግን ከምዘይሕጋውያን ሰፈርቲ’ዮም ዝቝጸሩ።
እስራኤል ኣብ 1947 ከም ሃገር ኣብ ዝተመስረተትሉ ዝበዝሐ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ክፋል መጻኢት ፍልስጤም ኰይኑ’ዩ ተሓንጺጹ። እንተዀነ እስራኤል ብሃገራት ኣዕራብ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸማ፡ እቲ ምዕራባዊ ገማግም ንፍልስጤም ዝብል ሓሳብ ኣወንዚፋቶ።
ኣብ 1950 ዮርዳኖስ’ውን ንምዕራባዎ ገማግም ተቘጻጺራቶ ነይራ’ያ። እስራኤል በቲ ኣብ 1967 ዝተኻየደ ‘ኲናት ሽዱሽተ መዓልታት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኲናት ንምዕራባዊ ገማግም ደጊማ ተቘጻጺራቶ።
ኣብ 1970ታትን 1980ታትን እስራኤል ኣብቲ ቦታ ሓደስቲ ሰፋሮ ከተቐምጥ ጀሚራ፤ እዚ ከኣ ንሓያለ ሃገራት ኣዕራብ ቍጠዐ ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓለምለኻዊ ኵነኔ ከምዝስዕብ ገይሩ።
ፍልስጤማውያን ኣብ ካብ 1987 ክሳን 1993 ከምኡ ከኣ ካብ 2000 ክሳብ 2005 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብብዝሒ ክሰፍሩ ጀሚሮም።
ዮርዳኖስ’ውን ኣብ 1988 ምዕራባዊ ገማግም ይግብኣኒ’ዩ ዝብል ምጕት ኣልዒላ።
ብመሰረት ኣብ 1993 ኣብ ኦስሎ ዝተወሃበ ብይን፡ ሰብ መዚ ፍልስጤም ንዝበዝሐ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ከመሓድርዎ እንከለዉ፡ እቲ ዝተረፈ ከኣ ኣብ ትሕቲ እስራኤል’ዩ ዘሎ።
ፍልስጤምን እስራኤልን ክሳብ ሕጂ ምዕራባዊ ግማግም ይግብኣኒ'ዩ እየን ዝብላ፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ውልዕ ጥፍእ ዝብል ዘተታት’ኳ እንተተኻየደ፡ ምዕራባዊ ገማግም ንመን ይግባእ ዝብል ሕቶ ግን ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ኣይረኸበን።
እሰራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ኣበይ’ያ ኣካይዳቶ፣ ንምንታይከ ኣገዳሲ’ዩ ትብሎ?
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከባ ኣርባዕተ ከተማታት ፍልስጤም መጥቃዕቲ ፈጺሞሙለን ኣለዉ።
ጀኒን፡ ቱልካርመን፡ ናብሊስን ቱባስን እተን ኣርባዕተ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ከተማታት ኰይነን፡ ኣብ ጥቓአን ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት’ውን መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ’ዩ።
ማዕከናት ዜና ፍሊስጤም ናብ ጀኒን ዘእቱ ቀንዲ ጽርግያ ከምዝተዓጸወን ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ስደተኛታት’ውን ቶኵሲ ከምዝተሰመዐ ኣቓሊሐን።
ውሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል’ውን ናብተን ከተማታት ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት እስራኤል ኣትዮም ከምዘለዉ ተኣሚኑ’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሆስፒታል ጀኒን ክኣትዉ እንከለዉ ናብተን ኣብ ከተማ ቱልካርም ዝርከባ ክልተ ሆስፒታላት’ውን ሰብ ከይኣቱ ከምዝኸልከሉ ማዕከናት ዜና ፍልስጤም ኣቓሊሐን።
ብተወሳኺ ሰራዊት እስራኤል ናብ ከተማ ናብሉስ ብምእታው ነቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቘጻጸሮ’ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
መንግስቲ እስራኤል በቲ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ትሽዓት “ዕጡቓትን ግበረሽበራውያንን” ኢሉ ዝገለጾም ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ሰራዊት እስራኤል ካብን ናብን እተን ከተማታት ዘራኽብ ጽርግያታት ንዅሉ ከምዝዓጸዎ ገሊጾም።
ናብ መዓስከር ስደተኛታት ብምእታው ከኣ ወረቐት መንነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምዝሓተቱ ሓደ ነባሪ እቲ መዓስከር ስደተኛታት ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ካትዝ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል “ካብ ዝሓለፈ ለይቲ ጀሚሩ ነቲ ኣብኡ ተመስሪቱ ዘሎ ብኢራን ዝድገፍ እስላማዊ ጕጅለ ግብረሽበራ ንምብታን ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ጀኒንን ቱልካርምን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ስርሒታት የካይድ ኣሎ” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ሌተናል ኮሎኔል ናዳቭ ሾሻኒ እቶም ኣብ ጀኒንን ቱልካርምን ዝርከቡ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ነኸየውርዱ ስርሒት ጸረ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ከምዘካየዱ ኣብሪሁ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ካብ ዘካይዱ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራዊ ገማግም ዳርጋ መዓልታዊ’ያ መጥቃዕትታት ተካይድ ዘላ።
ፍልስጤም ነቲ መጥቃዕቲ እንታይ ግብረ መልሲ ትህበሉ ኣላ?
ሰብ መዚ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ምዕራባዊ ገማግም ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ጀኒን፡ ቱልካረምን ቱባስን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት ክዅንኖ ጸዊዖም ኣለዉ።
እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ማሕበረሰብ ዓለምን ቀይሕ መስቀልን” ሓገዙ ከበርክትን እሰራኤል ኣምቡላንስ ከይንቀሳቐሳ ምኽልካላ ክዅንኑን ጸዊዑ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ናብ ሆስፒታላት ኢባን ሲናን ካሊል ከምኡ ከኣ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቀይሕ ወርሒ ዘእቱ መንገድታት ዓጽየሞ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ፍልሰጤም ማሕሙድ ዓባስ ናብ ስዑድ ዓረብ ከካይዶ ወጢንዎ ዝነበረ ሓጺር ምብጻሕ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝካይድ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምክትታል ከምዘቋረጾ ማዕከናት ዜና ፍልስጤም ገሊጸን።
ማሕበረሰብ ዓለምከ ዝህቦ ዘሎ ግብረመልሲ?
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ኰኒንዎ ኣሎ።
እቲ ቤት ጽሕፈት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ “ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጠሓሰን ነቲ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ባርዕ ዝውስኽን’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቡራት ሃገራት ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ንደሓር እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዝፈጸመቶ መጥቃዕትታት ኣየር 26 ህጻናት ዝርከብዎም 128 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
መዓስከር ስደተኛታትከ ክሳብ ክንደይ ትጸልዩ ኣሎ?
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓያለ መዓስከር ስደተኛታት’ዩ ዘሎ።
ዓሰርተታት ኣሽሓት ስድራኦም ካብቲ እስራኤል ተደኲናቶ ዘላ ስፍራ ዝተፈናቐሉ ፍልስጤማውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም’ዮም ዝነብሩ ዘለዉ።
ኣብቲ መዓስከራት ስደተኛታት ጥምየትን ሽቕለት ኣልቦነትን ብብዝሒ’ዩ ዘሎ፤ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት።
ብፍላይ መዓስከር ጀኒን ቀንዲ መዋፈሪት ሓደስቲ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ኰይና ከምዘላ ወኪል ቢቢሲ ኣብቲ ቦታ ይሕብር። እቲ ሕጂ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ከኣ ነዚ ንምብትታት ዝዓለም ክኸውን ከምዝኽእል እምነቱ ይገልጽ።
እስራኤል፡ ኢራን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓደስቲ ጕጅለታት ዕጡቓት ንኽጫጭሓ ብገንዘብን ብብረትን ትሕገዝ ኣላ ዝብል እምንት’ዩ ዘለዋ።
ኢራን ነዚ ትገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ንእስራኤል ብሓያለ ግንባራት ጸሚዳ ንምሓዝ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።