እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ካብ ዘንጸላልዋ ዘሎ ሊባኖስ ክወጹ ዘይክኣሉ ኣፍሪቃውያን
ኬንያዊት ዩሊታ ጀሮፕ ንዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ ካብ ርእሰከተማ በይሩት ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ክትነብር ጸኒሓ። እንተዀነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅድሚ ሕጂ ሰሚዓቶ ዘይትፈልጥ ድምጺ ኣብ ልዕሊኣ ከቃልሕ ጀሚሩ'ሎ።
"ዘፍርሕ'ዩ ነይሩ። ቦምባታት ኣይኰነን ኢና ተባሂልና፡ ግና ብርቱዕ ድምጺ ዝፍንዋ ነፈርቲ'የን ነየረን" ትብል። "እቲ ድምጺ ግን ዘደንቁር'ዩ።"
እቲ ተዂሲ ዝጥዕም ድምጺ ናይ ነፈርቲ ወግእ'ዩ።
እስራኤልን ሕዝቦላህን፡ ካብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ጀሚሮም ዳርጋ መዓልታዊ ዳርባ ደብዳባት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ፖለቲካዊ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሕዝቦላህ፡ ሕነ ፍልስጤማውያን ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም'ዩ ዘፈራርሕ።
ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት፡ እቲ ግጭት ናብ ዞባዊ ኲናት ከይዓቢ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። ብፍላይ ብ31 ሓምለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ እቲ ኵነታት ሻቕሎት ኣስዒቡ'ሎ።
ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መራሒ ጕጅለ ሓማስ ኢስማዒል ሃኒየ ኣብ ኢራን ምቕታሉ'ውን ኣብ ደንበ ጸረ-እስራኤል ዝዀኑ ሓይልታት ቍጠዐ ፈጢሩ'ዩ። እቲ ቅትለት ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ ትገልጽ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ምዃና ከተጠንቅቕ ጸኒሓ'ላ።
እቲ ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ኣብ ሊባኖስ ጸቕጢ ኣስዒቡ'ሎ።
ወጻእተኛታት ክወጹ ይምከሩ
ነቲ ኵነታት ዝተረድኣ ከም ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ካናዳን ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ብቕልጡፍ ካብ ሊባኖስ ክወጹ ብመንገዲ ኤምባሲታተን መጠንቀቕታ ሂበን ኣለዋ።
ካብ ሊባኖስ ምውጻእ ግን ንገሊኦም ወጻእተኛታት ቀሊል ኣይኰነን።
ጓል 35 ዓመት ዩሊታ ከምእትብሎ፡ እትው ምስበሉ ኣስራሕቲ ንፓስፖርት ሰራሕተኛታት ገዛኦም ምሓዝ ኣብቲ ሃገር ልሙድ'ዩ።
ፓስፖርቶም ኣብ ኢዶም እንተሎ'ውን ኣስራሒኦም ክፍርመሉ ዘለዎ መውጽኢ ቪዛ ክረኽቡ ስለዝግደዱ፡ ነቲ ብድሆ ይሓላልኾ።
እቲ ኣብ ሓያለ ሃገራት ዓረብ ዝስራሓሉ "ስርዓት ከፋላ" ዘገድዶ ኰይኑ ነቶም ኣስታት ርብዒ-ሚልዮን ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዝጸሉ እዩ።
እቲ ብውክልና ዝሰርሕ ስርዓት ወልቀሰባት ወይ ትካላት ወጻእተኛታት ክቘጽሩ ፍቓድ ይህብ። ብኡ መሰረት፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብሕጊ ምስ ኣስራሕቶም ዝተጣበቑ ኰይኖም ውሱን መሰላት ጥራይ'ዩ ዝፍቀደሎም።
ኣስራሕቲ ነቲ ኵነታት ክብለጽሉ ዕድል ዝፈጥር ድማ'ዩ። ከም መርኣያኡ ድማ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ገዛ ልዕሊ ዓቕመን ክሰርሓ፡ ትሑት ደሞዝ ክኽፈላን፡ ከምኡ'ውን ኣካላዊ ምግሃስ ክበጽሐን ይርአ።
ዋላ'ኳ እቲ ስርዓት ከብቅዕ ብዙሕ ጻውዒታት ክግበር እንተጸንሐ፡ ኣብ ሓያለ ሃገራት ወሽመጥ ይቕጽል ኣሎ።
ሓላፊት መራኸቢታት ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ዳኒኤላ ሮቪና ንቢቢሲ ከምዝበለቶ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሓለዋ ዜጋታት ዘረጋግጽ "ካብ ዝዀነ ሃገር፡ እንተላይ ካብ ሃገርካ ክትወጽእ ዝህልወካ መሰል" ከምኡ'ውን ናብ ሃገርካ ክትምለሰን'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ግጭት ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዓለምለኻዊ ውዕል ሰባዊ መሰላት ጀነቫ፡ ከምኡ'ውን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብምእታዉ፡ ሲቪላውያን ብግዚኡ ወይ ኣብ እዋን እቲ ግጭት ክወጹ ክፍቀደሎም ኣለዎ።
እስራኤል ንደቡባዊ ሊባኖስ ድሕሪ ምቍጽጻራ ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ምትፍናን ጸኒሑ'ዩ። እቲ ዝቐረበ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2006 ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕዝቦላህ ዶብ ሰጊሩ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ ዝተወልዐ'ዩ ነይሩ።
እታ ኬንያዊት ክትወጽእ ትደሊ'ኳ እንተዀነት፡ ኣስራሕታ ግን ኣብ ሊባኖስ ክትጸንሕ'ዮም ዝደልዩዋ።
"እቲ ኵነታት ኣብ ሊባኖስ ንነዊሕ እዋናት ዝጸንሐ'ዩ ስለዚ ዘጨንቕ የብሉን በሃልቲ እዮም" ዝበለት ኢዩሊታ፡ "ንዓና ግን እቲ ምትፍናን ዓቢ'ዩ። ከምዚ ዓይነት ድምጺ [ቦምባታት] ኣይለመድናዮን" ትብል።
"ዓደይ ክምለስ'የ ዝደሊ።"
ናህሪ ክብሪ ትኬት ነፋሪት
ዋላ ጉዳይ ፓስፖርትን ወረቓቕትን እንተቐንዖም'ውን፡ ዩሊታን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታትን ብጾታን ከይወጹ ዝዕንቅፍ ካልእ ብድሆታት ኣለዎም።
"ውሑድ በረራታት ጥራይ'ዩ ዘሎ፡ ንሱ'ውን ኣዝዩ ክቡር'ዩ" ትብል ዩሊታ።
ንኣብነት ዋጋ ትኬት ንኬንያ ኣስታት 1000 ዶላር ይውድእ፣ እዚ ድማ ንመብዛሕትአን ልዕሊ ዓቕመን'ዩ።
ባንቺ ዪመር፡ ንመሰላት ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ንምጥባቕ ሓደ ትካል ዝመስረተት ኰይና፡ ወርሓዊ ደሞዘን 150 ዶላር ይበጽሕ ምንባሩ ይዛረብ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ቅልውላው ግን "መብዛሕትአን ፈጺመን ኣይክፈላን'የን" ትብል።
ቺኩ (ንድሕነታ ስማ ዝተቐየረ) ዝተባህለት ካልእ ኬንያዊት ሰራሕተኛ ገዛ ብወገና፡ ልዕሊ ዓቕማ ዝዀነ ትኬት ክትከፍል ኣይከኣለትን።
ንኣስታት ሓደ ዓመት ባዓብዳ ዝተባህለ ኣብ ምዕራብ ዝርከብ ቦታ'ያ ትነበር።
"ኣነ ናብ ዓደይ ክምለስ ምፈተኹ። እንተዀነ ትኬት ኣዝዩ ከቢሩ" ብምባል "ኣቦይን ኣደይን'ውን ክኸፍሉለይ ዓቕሚ የብሎምን" ትብል።
ንሳ'ውን በቲ ኵነታት ፈሪሓ'ኳ እንተላ፡ ከምቲ ናይ ዩሊታ ምስ ኣስራሕታ ክትጸንሕ ተነጊሩዋ።
"ኮንትራተይ ስለዘይወዳእኩ ክወጽእ ከምዘይክእል'ዮም ዝዛረቡ" ይብል ቺኩ። "ኮንትራት ግን ከመይ ገይሩ ካብ ህወይወተይ ንላዕሊ ይኸውን?"
መንግስታት ኣፍሪቃ ዜጋታቶም ‘ከውጽኡ ድሉዋት እዮም'
ጸሓፊት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ሮዝሊን ካቱረ ንጆጉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ክፍሊ ፓስፖርት ዘይብሎም ህጹጽ ናይ ጕዕዞ ሰነዳት ክህብ ከምዝኽእል ሓቢራ።
ንሳ ወሲኻ፡ ናይ ምውጻእ መደባት ኣብ ቦታኡ ከምዘሎን መንግስቲ ኬንያ ህጹጽ በረራታት ክገብር ከምዝኽእልን ገሊጻ።
"ኣብ ሊባኖስ ኣስታት 26 ሽሕ ኬንያውያን ኣለዉና፣ ክሳብ ሕጂ ድማ 1500 ንኽወጹ ምሳና ተመዝጊቦም ኣለዉ" ትብል።
ካብ መስከረም 2023 ጀሚሩ ብስራሕ ናብ ሊባኖስ ምኻድ ተኣጊዱ ከምዝነበረን፡ እዚ ድማ ቀጥታዊ ውጽኢት ጥርዓናት ዜጋታት ብዛዕባ ስርዓት ‘ካፋላ’ ምዃኑን ገሊጻ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብዩ ተድላ ብወገኑ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ኣድላዪ እንተዀይኑ ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ካብ ሊባኖስ ንምውጻእ ናይ ህጹጽ እዋን መደባት የዳልዉ” ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
እንተዀነ ባንቺ ይመር ቅድሚ ግጭት እስራኤልን ቓዛን ምውልዑ'ውን እንተዀነ፡ ድሮ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሊባኖስ ተዓጽየን ክወጻ ተስፋ ቈሪጸን ከምዝነበራ ይገልጽ።
ኣብ 2020 ኣብ ቍጠባ ሊባኖስ ዘጋጠመ ቅልውላው ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ስራሕ ኣልቦ ገይሩውን'ዩ።
"ቍጠባ ሊባኖስ ሕጂ’ውን ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ቅልውላው፡ ኮቪድ-19፡ ከምኡ’ውን በቲ ኣብ ወደብ ዘጋጠመ ነትጒ ይሳቐ ኣሎ። ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ገዛ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይርዎም ኣሎ። ዝበዝሑ ይትረፍ ንበረራ፡ ንገዛ ክራይ ወይ ሕክምና'ኳ ክኸፍሉ ዓቕሚ የብሎምን” ትብል።
ኤምባሲታት ወጻኢ ሃገራት ናይ ምግዓዝ ውጥን ኣብ ምውጻእ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ብዙሓት ግን ብመንግስታቶም ከምዘይግደስሎም'ዮም ዘማርሩ።
ቺኩ፡ እታ ኬንያዊት ሰራሕተኛ ገዛ፡ ድሮ ናብ ዓዳ መምለሲ ዝኸውን ገንዘብ ምውህላል ጀሚራ ኣላ።
“ግና እቶም ዘይክእሉ ካልኦትከ እንታይ ክዀኑ'ዮም?” ድማ ትብል።