እስራኤል-ሕዝቦላህ፡ ንኲናት ከምዘይደልይዎ ዝገልጹ ግን ንዕኡ ዝተዳለዉ

እቲ ብሰንበት ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ደብዳባት ነፈርቲን ሚሳይላትን፡ መርኣያ ዓቢይ ምዕባለ ናይቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝጸንሐ ወጥሪ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሰንበት ንግሆ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ንዝርከብ ዒላማታት ሕዝቦላህ ኣስታት 100 ነፈርቲ ኲናት ኣልዒሉ ከምዝደብደበ ክገልጽ እንከሎ፤ ሕዝቦላህ ብወገኑ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ሮኬታትን ሚሳይላትን ብምውንጫፍ ግብረመልሲ ሂቡ።

እቲ ንነፈርቲ ኲናት ዝምልከት “100” ተባሂሉ ዘሎ ቍጽሪ ቅኑዕ እንተዀይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2006 ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝተኻየደ ምሉእ ኲናት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካየደቶ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ክኸውን እዩ።

መጥቃዕቲ እስራኤል ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ወጋሕታ ሰዓት 04:30 ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ድሕሪ ፍርቂ ማለት 05:00 ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ መደብ ከምዝነበረ እያ እስራኤል ትገልጽ።

ኒውዮርክ ታይምስ ንሓደ ስሙ ዘይተገልጸ በዓል ስልጣን ስለያ እስራኤል ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ብሕዝቦላህ ተወጢኑ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ኣብ ማእከላይ እስራኤል እትርከብ ዝዓበየት ከተማ ተልኣቪቭ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት ዘጠቓልል’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ሕዝቦላህ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝርከባ ወተሃደራዊ መሓውራት እስራኤል ዒላማ ብምግባር ልዕሊ 300 ሮኬታትን ሚሳይላትን ከምዝወንጨፈ ገሊጹ፤ ኣብኡ ድማ ‘ሳይረን’ መጠንቀቕታ ደወል ደብዳብ ተሰሚዑ።

እዚ ምዕባለታት፡ ነቲ ዞባ ናብ ዳግማይ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ከየእትዎ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ሕዝቦላህ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ቀዳማይ ገጽ ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣዛዚኡ ፉኣድ ሹከር፡ ብ 30 ሓምለ ኣብ በይሩት ዝተፈጸመ ቅትለት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ’ዚ እስራኤል ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ዝተፈጸመ ቅትለት ፖለቲካዊ ኣዛዚ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኢድ ከምዘለዋ እዩ ብሰፊሑ ዝእመን።

ድሕሪ’ዚ ክልተ ዓበይቲ ፍጻመታት፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት - ኢራንን ሕዝቦላህን - ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ እዩ ትጽቢት ጸኒሑ።

ኢራን፡ ዛጊት ዝገበረቶ ነገር የለን።

ብወገን ሕዝቦላህ ግን እዚ ኣመና ወሳኒ ዝዀነ ቀዳማይ ግብረመልሲ ምዃኑ ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ክካየድ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ቅልውላው ዝዓበየ ዞባዊ ሳዕቤናት ከየኸትል ንምፍትሑ ዕላማ ዝገበረ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣመሪካ፡ እቲ ተዅሲ ደው ንምባልን ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕን ዘኽእል እማመ ሰላም ከይፈሽል ንኽልቲኦም ወገናት - እስራኤልን ሓማስን - ከተጠንቅቕ ትስማዕ ኣላ።

እዚ ብኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ግን ኣብቲ ን10 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ከቢድ ሰብኣዊ ሞትን ቅልውላውን ዘኸተለ ኲናት ቓዛ ዝዀነ ፍረ ከምጽእ ኣይከኣለን።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ክልቲኡ ግንባራት፣ ማለት ኣብ ቓዛን ሰሜናዊ እስራኤልን ኲናት ክገጥም ድሉው ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እንተዀነ ሕዝቦላህ ካብ ሓማስ ኣዝዩ ዝሓየለ ዘይጸዓድ ሓይሊ እዩ። ኣብ መላእ እስራኤል ንዝርከብ ዒላማታት ክወቕዑ ዝኽእሉ 150 ሽሕ ዝዀኑ ተወንጨፍቲ ሮኬታት ከምዝውንን እዩ ዝግመት።

ብዙሓት ተዋጋእቲ ሕዝቦላህ ኣብ ውግእ ሶርያ ዝተሳተፉ፡ ሓያል ናይ ምውጋእ ልምዲ ዘለዎም፡ ካብ ናይ ሓማስ ብዝተዓጻጸፈን ዝበለጸን ዝዓጠቝ እዮም።

ድሕሪ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኲናት ቓዛ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ እስራኤል ካልእ ኲናት ንምኽፋት ብሓቂ ሸውሃት ኣሎ ድዩ? ዝብል ብዙሓት ዘልዕልዎ ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ክኸቱ ተጸዊዖም፤ ብዙሓት ድማ ብተደጋጋሚ ኣገልጊሎም እዮም። ይዅን እምበር ብዙሓት እስራኤላውያን ብፍላይ ካብ ሰሜን ኣንጻር ሕዝቡላህ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዘድሊ ይኣምኑ።

ዓሰርተታት ኣሽሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም ካብ መነባብሮኦም ተፈናቒሎም እዮም፤ ብዙሓት ዋኒናቶም እውን ስኢኖም እዮም።

መጥቃዕቲ እስራኤል ዝሰግኡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ ደቡባዊ ሊባኖስ እውን ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

እንታይ ክስዕብ ይኸውን?

ሕዝቦላህ ቀዳማይ ምዕራፍ ሕነ ምፍዳይ ንቕትለት ፉዓድ ሹከር ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሰንበት ንግሆ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተወሰነ ዕንወት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ብኽልቲኡ ወገን ጉድኣት ከምዝወረደ ይግለጽ። እስራኤል ዓቢይ መጥቃዕቲ ሕዝቦላ ብዓወት ከምዝኸልከለት እያ ትኣምን።

እቲ ዝመጽእ ሕቶ፡ እቲ ኵነታት ናብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክፍጸም ዝጸንሐ ስግረ-ዶባዊ ምጥቕቓዕ ክቕጽል ድዩ፤ ወይስ እዚ ሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናብ ኣዝዩ ዝኸበደ ግጭት ክዓርግ ይኽእል? ዝብል እዩ።

መራሕቲ እስራኤልን ሕዝቦላህን ምሉእ ኲናት ከምዘይደልዩ እኳ እንተገለጹ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ግን ተዳልዮም ከምዘለዉ ይዛረቡ።