እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል - ኢራንን፡ ካብ ውክልና ኲናት ናብ ዝዓበየ ስግኣት ዞባዊ ግጭት
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ ክሰፍን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ግዳማውያን ተዋሳእቲ፡ ብፍላይ ኢራንን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሚሊሻታት ዞባዊ ወከልታን እውን ኣብቲ ግጭት ተጸሚዶም ኣለዉ።
ኢራን፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓማስ ኢድ ከምዘይብላ'ኳ እንተገለጸት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ "ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ" ዝተባሂሉ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ከም እትድግፎ ገሊጻ እያ።
ኢራን ኣብ ፈለማ ምስ እስራኤል ኣብ ቀጥታዊ ረጽሚ ኣይተጸምደትን። እንተዀነ እስራኤል ምስቶም ብኢራን ዝድገፉ ዝበሃሉ ጕጅለታት ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ኣብ ግጭት ኣትያ እያ። እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት እቲ ዞባ ብ "ኣክሲስ ኦፍ ሪሲስታንስ" [ኪዳን መኸተ] ኢሎም እዮም ንነብሶም ዝገልጹ።
እዚኣቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ፡ ኣብ የመን ጕጅለ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ይርከብዎም።መብዛሕትኦም እዞም ጕጅለታት ብኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ውድባት ዝተበየኑ እዮም።
ግደ ሕዝቦላህ ኣብዚ ግጭት
እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እስራኤል ሓማስ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝነበረ ወጥሪ ዳግማይ ከም ዝቕስቀስ ገይሩ እዩ። ሕዝቦላህ፡ "ንሓማስ ንምድጋፍ" ንሰሜናዊ ከባቢታት እስራኤል ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲታት ከካይድ ጀሚሩ።
ድሕሪ'ቲ ብ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተኻየደ ዝተወሃሃደን ቅልጡፍን በርቃዊ መጥቃዕቲ፡ ሒደት ሰዓታት ጸኒሑ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእስራኤል ዝተጐበጠ ኣብ ኣኽራናት ጐላን ዝርከብ ሸባ ዝበሃል ሕርሻታት መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ሕዝቦላህ ነዊሕ ከይጸንሐ ንመጥቃዕቲ ሓማስ - 7 ጥቅምቲ - ከም ዝድግፍ ብምእዋጅ፡ ምስ መሪሕነት ሓማስ "ኣብ ውሽጥን ወጻእን - መኸተ ፍልስጤም" ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ንመጥቃዕቲ ሕርሻታት ሸባ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ብምሃብ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ትሕዝቶታት ሕዝቦላህ ዒላማ ገይራ፤ ብሰንኩ ድማ ዜጋታት ሊባኖስ ከምዝቘሰሉ ሰራዊት ሊባኖስ ሓቢሩ።
ሑቲ እውን ኣብቲ ውግእ ተጸንቢሩ
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኲናት ቓዛ ኣቢሉ፡ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ግጭት ኣንጻር እስራኤል ተጸንቢሮም።
መራሒ ሑቲ ዓብዱልማሊክ ኣልሑቲ ብ14 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምላሽ ንምሃብ፡ ጕጅለኡ ንዝዀነት ብኩባንያታት እስራኤል እትውነን ወይ እትካየድ መርከብ ዒላማ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።
ጸኒሑ ድማ ሑቲ ስርሒታቱ ኣስፊሑ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ፡ ስትራተጂያዊ ዓለማዊ መስመር ማይ ብምንቅስቓስ ናብ እስራኤል ዝኸዳ ኵለን መራኽብ ዘጠቓለለ መጥቃዕቲ ከካይድ ጀሚሩ።
እዚ መጥቃዕቲታት ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ዓቢ ጽልዋ ስለ ዝፈጠረ፡ መራኽብ ንግዲ፡ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ብዝሓትት ጕዕዞ መንገደን ክቕይራ ተገዲደን። ኣብ ታሕሳስ 2023 ጕጅለ ሑቲ ካብ ሓይሊ ባሕሩ ንዝተመሓላለፈ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዝበላ ክልተ መራኽብ እስራኤል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ።
እዚ ድማ እቲ ጕጅለ ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ ብሓደ እስራኤላዊ ነጋዳይ እትውነን መርከብ ድሕሪ ምሓዙ እዩ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ጥሪ እዚ ዓመት ኣብ የመን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሑቲ ብወገኑ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ነዳዲ ብሪጣንያ መጥቃዕቲ ሚሳይል ከምዝፈጸመ ይፍለጥ።
ሑቲ፡ ነፈርቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት የመን፡ ኣል ሑደይዳ፡ ኣብ ዝርከብ ነዳዲ ዝርከበሉ ከባቢ ራስ ዒሳ ዒላማ ከምዝገበራ ገሊጹ። እዚ ኣካል ናይቲ መጓዓዝያ ባሕሪ እቲ ዞባ ውሑስ ንምግባር ተባሂሉ ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ጥምረት ዘካየዶ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት እዩ ነይሩ።
እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ቅትለት ኣካይዳ
እቲ ኵነታት ዝያዳ እናተጋደደ ክኸይድ እንከሎ፡ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣሐይላ ቀጺላ።
እስራኤል፡ ብ2 ጥሪ 2024፡ ኣብታ ብቐንዱ ተኸተልቲ ሺዓ እስላም ዝነብሩላ ዳህየ ዝተባህለ ደቡባዊ ከባቢ ከተማ በይሩት ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ፡ ምክትል ሓላፊ ሓማስን መራሒ እቲ ጕጅለ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ዝዀነ ሳልሕ ኣልኣሩሪ ቀቲላ። እስራኤል፡ ኣሩሪ ቀንዲ መላግቦ ሓማስን ሕዝቦላህን ምንባሩ እያ ትገልጽ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዚ ቅትለት፡ ሕዝቦላህ ኣብ ሰሜን ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ሜሮን እስራኤል - ኣስታት 40 ሮኬታት ብምውንጫፍ፡ ንቕትለት ኣሩሪ "ፈላሚ ግብረመልሲ" ምዃኑ ዝኣወጆ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ብ8 ጥሪ፡ እስራኤል ዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መደበር ሓይሊ ኣየር ሜሮን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሃንዲሱ ኢላ ዝኸሰሰቶ ምክትል ኣዛዚ ሓይልታት ሬድዋን ናይ ሕዝቦላህ ዝዀነ ዊሳም ኣ'ጠዊል ቀቲሉ።
ውድባት ሺዓ ዒራቕ
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ዶብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ብ"ታወር 22" ዝፍለጥ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ቀቲሉ፡ 34 ድማ ኣቝሲሉ እዩ።
ዮርዳኖስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ግዝኣታ ከምዘይኰነ ብምኽሓድ፡ ኣብ ሶርያ ከም ዝተፈጸመ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝንቀሳቐሱ ብኢራን ዝድገፉ ኣኽረርቲ ዕጡቓት ሚሊሻታት ኢድ ከምዘለዎም ብምኽሳስ፡ ሃገሩ ንዅሎም ተሓተትቲ ክትገብር ምዃና ድማ ተሓንዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ብኸጣይብ ሕዝቦላህ፡ ከምኡ’ውን እቲ ኣመሪካ ብኮር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ይድገፍ እዩ እትብሎ ዒራቓዊ ሚሊሻን [ዋላ’ኳ ጽልዋ ኢራን ንጹር እንተዘይኰነ] ከምዝተፈጸመ እዩ ዝግለጽ።
ኢራን ግን ነቲ በቲ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ዝዀነ ጕጅለ ትድግፍ እያ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ።
ቀጥታዊ ምትእትታው ኢራን
ኢራን መሰል ህላወ እስራኤል ዘይትቕበል ሃገር'ኳ እንተዀነት፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ምስ እስራኤል ካብ ቀጥታዊ ግጭት ክትርሕቕ እያ ጸኒሓ።
ይዅን እምበር ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ፡ እስራኤል ኣብ ደማስቆ ንዝርከብ ቆንስል ኢራን ብምጥቃዕ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ረዛ ዛህዲ ዝርከቦም ሓያሎ መኮንናት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ቀቲላ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ፡ ኢራን ድሮናትን ክሩዝ ሚሳይላትን ተጠቒማ ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብምፍጻም፡ ኣብ ነገቭ ንዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር እስራኤል ዒላማ ከምዝገበረት ገሊጻ።
ሰራዊት እስራኤል ዝበዝሑ ካብቶም ሚሳይላት ናብ መሬት እስራኤል ቅድሚ ምብጽሖም ከምዝተዓገቱ ሓቢሩ። እስራኤል ብወገና፡ ኣብ ኢራን ኣብ ዝርከብ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ውሱን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ከምዝሃበት ጸብጻባት የመልክቱ፤ እስራኤል ግን ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ኣይወሰደትን።
ስግኣት ዞባ ማእከላይ ምብራቕ
ኣብ መንጐ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ካብ መወዳእታ ሰነ ክሳብ መጀመርታ ሓምለ ናይዚ ዓመት ኣዝዩ ተጋዲዱ። እቲ ጕጅለ ኣንጻር እስራኤል መጥቃዕታቱ ኣሐይሉ፤ ሓያለ ሓለፍቱ ድማ ተቐቲሎም።
ሕዝቦላህ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሓያለ ሮኬታት ብምውንጫፍ፡ ኣብ ልዕሊ መደበር ሓይሊ ኣየር እስራኤል - ሜሮን - ከይተረፈ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ፡12 ህጻናትን መንእሰያትን ኣብቲ ብእስራኤል ዝተጐበጠ ኣኽራናት ጐላን ኩዕሶ እግሪ እናተጻወቱ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት ተቐቲሎም። ሕዝቦላህ፡ ሓላፍነት ከምዘይወስድ'ኳ እንተገለጸ፡ እስራኤል ግን ኣብ መሬት ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ 7 ዒላማታት እቲ ጕጅለ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ ግብረመልሲ ሂባ።
ኣብ ሓምለ፡ እስራኤል ዝገጠማ ዝዓበየ ቀጥታዊ ረጽሚ፡ ምስቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ ዝቈጻጸርዎ፡ ኣብ የመን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ሑደይዳ ዘካየደቶ ደብዳብ እዩ።
እቲ ትሽዓተ ሰባት ዝቐተለን ልዕሊ 80 ሰባትን ዘቝሰለን መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ዕጡቓት ሑቲ ዝወንጨፍዎ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንከተማ ተልኣቪቭ ሃሪሙ ሓደ ቀቲሉ ሸሞንተ ድሕሪ ምቝሳሉን፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ተፈጺሙ።
እታ ወርሒ ክልተ ዓበይቲ ቅተለታት ኣገደስቲ ሰባት ርእያ እያ ተዛዚማ። ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ፉኣድ ሹከር ኣብ ደቡባዊ ከባቢ በይሩት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተቐቲሉ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ፡ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ፡ ኣብ ጽንብል ቃለመሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ንምስታፍ ናብ ቴህራን ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ እንከሎ ተቐቲሉ። በዚ ቅትለት ኢራን ንእስራኤል ትኸስስ፤ እስራኤል ግን ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበትን።
እዚ ተኸታታሊ ፍጻመታት፡ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ናብ ዝዓበየ ቀጥታዊ ምግጣም ከዕርጐ ይኽእል እዩ ንዝብል ግምታት ተወሳኺ ነዳዲ ዝህብ እዩ።