እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓማስ፡ ስለምንታይ እዩ ኣብቲ ልዑል ትጽቢት ዝተነብሮ ዘተ 'ኣይሳተፍን' ኢሉ?
ሓማስ ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዶውሓ - ቐጠር ዳግማይ ክጅመር ዝተባህለ ንምቁራጽ ተዅሲ ኣብ ቓዛን ምፍታሕ ጅሆታትን ዝምልከት ዘይቀጥታዊ ዘተ ከምዘይሳተፍ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ጕጅለ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ነቲ ኵነታት ንምፍታሕ ዘኽእል ንጹር ፍኖተ-ካርታ ክቐርብ ከምዝደሊ ብምግላጽ፡ "እስራኤል ኲናት ንኽትቅጽል ዘኽእል ሽፋን ንምሃብ ንስለ ዘተ ተባሂሉ ዘተ ከምዘይገብርን" እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ፍኖተ-ካርታ ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘቐመጦ እማመ መሰረት ክግበር ደጊሙ ብምግላጽ፡ እስራኤል “ሓድሽ ቅድመ ኵነት” ወሲኻትሉ እያ ክብል ድማ ኣተሓሒዙ ከሲሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነዚ ብምኽሓድ፡ እቲ እማመ ክቕየር ዝደለየ ሓማስ እዩ ክብል ገሊጹ'ሎ።
እቲ ዘተ መንጐኛታት ኣመሪካ፡ ግብጽን ቐጠርን ነቶም ዝተረፉ ጉዳያት ዝፈትሕ ውጥን ንምድላው ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ብዘይ ሓማስ ዘተ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፖለቲካዊ መራሕን ዋና ተዛታዪ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ኣብ ቴህራን ካብ ዝቕተል ንደሓር ዘተ እስራኤል ሓማስ ከቢድ ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሰንኩ ተቛሪጹ ምጽንሑ’ውን ይፍለጥ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ኣብ ሓደ ስምምዕ ምብጻሕ፡ ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከተካይዶ እትሓስብ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ይዅን ብሰንኩ ክጋፋሕ ዝኽእል ዞባዊ ግጭት ከዐግሶ ከምዝኽእል ተስፋ ከምዘለዋ እዩ ዝንገር።
ኣመሪካ ቅድሚ እዚ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዝርርብ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታታ ኣሐይላቶ ከምዘላ ተፈሊጡ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብረቡዕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣ’ታኒን ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ “ኣብቲ ዞባ ዝዀነ ይዅን ወገን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ንዝግበር ጻዕሪ ዘዳኽም ስጕምቲ ክወስድ ከምዘይግባእ” ጸዊዑ። ብሊንከን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደላቲ’ውን ብፍሉይ ከምዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክልትሉ ካማላ ሃሪስን፡ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ንእዋናዊ ምዕባለታት ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት መብርሂ ከምዝተዋህቦም ተፈሊጡ።
መራሕቲ ኣመሪካ ግብጺን ቐጠርን፡ እስራኤልን ሓማስን ንህዝቢ ቓዛን ነቶም 111 ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ [39 ካብኣቶም ከም ዝሞቱ እዩ ዝእመን] መስተርሆት ክፈጥር ዝኽእል ተባሂሉ ተስፋ ዝተነብረሉ ዘተ ዳግም ክጅምሩ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ተማሕጺኖም ነይሮም።
ሓደ እማመ ስምምዕ “ሕጂ ተዳልዩ ዝርዝር ኣተገባብራ ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ" ዝበሉ እቶም መንጐኛታት፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ፍልልይ ንምቅርራብ ዘኽእል እማመ ንኸቕርቡ ድሉዋት ምዃኖም ኣመልኪቶም ኣለዉ።
እስራኤል ኣብዚ ናይ ሓሙስ ዝርርብ ዝሳተፍ ጕጅለ ዘተ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ። ሓማስ ግን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝዀነ ሓድሽ ዙርያ ዘተ ዕንክሊል ምባል፡ ኣብቲ ቅድሚ ወርሕን ፈረቓን ዝተገብረ ዝርርብ መሰረት ዝገበረ ውጥን ከቕርቡ ነቶም መንጐኛታት ሓቲቱ ኣሎ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ቐጠር’ኳ እንተሃለዉ፡ ወከልቱ ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፉ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
“ኣብ ውጥን ተዅሲ ምቍራጽ ፕረዚደንት ባይደንን ውሳነ ባይቶ ጸጥታን መሰረት ብምግባር፡ እስራኤል ካብ ወሽመጥ ቓዛ ብፍላይ ድማ ካብ ኣፍደገ ፊላደልፊ [ምስ ግብጺ ዝዳወብ] ክትወጽእ ዘረጋግጽ፡ ከምኡ’ውን ተመዛበልቲ ብዘይ ገደብ ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ምምላስ፡ ዋሕዚ ሰብኣዊ ረዲአት ምፍቃድ ዘኽእል ነቲ ኣቐዲምና ዝተሰማማዕናሉ ዘተግብር ፍኖተ-ካርታ ንደሊ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ "ሓድሽ ቅድመ ኵነት ኣምጺኣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስምምዕ ዝሓንገደት እስራኤል እያ" ኢሉ።
ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ብፕረዚደንት ባይደን ብ31 ግንቦት ዝቐረበን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐን እማመ፡ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ "ምሉእ ተዂሲ ደው ምባል"፡ ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ካብቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቓዛን ምልውዋጥ ገለ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ - ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣረጋውያንን ሕሙማት ወይ ውጉኣትን ዝርከብዎም - ኣብ እስራኤል ንዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።
እቲ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ንዅሎም ካልኦት ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተታሕዙ ምፍታሕን “ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት” ዘጠቓልል ክኸውን እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ምጅማር ሰፊሕ ውጥን ዳግመ ህንጸት ቓዛን ምምላስ ሬሳታት ዝሞቱ ጅሆታት ዝምልከት እዩ።
ኒውዮርክ ታይምስ ብሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እስራኤል ብ27 ሓምለ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ዝርዝር ሓሙሽተ ሓደስቲ ቅድመ ኵነታት ኣቕሪባ ከምዘላ ኣመልኪቱ።
እቲ ናይ ግንቦት እማመ፡ “ሓይልታት እስራኤል ካብ ኵሉ'ቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ከባቢታት ቓዛ ንምርሓቕ ናብ ምብራቕ ገጾም ክስሕቡ” ዘመልክት ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሓምለ ደብዳበ ግን እስራኤል ንኣፍደገ ፊላደልፊ ተቘጻጺራቶ ክትጸንሕ ምዃና ዝሕብር እዩ።
እቲ ደብዳበ ብተወሳኺ፡ ዕጥቂ ዘይብሎም ሲቪል ፍልስጤማውያን በቲ እስራኤል እትቈጻጸሮ ኣፍደገ ነትዛሪም ኣቢሎም ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ጥራይ ከምዝምለሱ ንምርግጋጽ ዘመልክት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ግዝኣት ኣብ ክልተ ዝመቅል ምዃኑ ይዝረብ።