እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ ሓደስቲ ዝተወለዱ ማናቱ ምስ ኣደኦምን ዓባዮምን ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ተቐቲሎም
ሓደስቲ ዝተወለዱ ሕንጦታት ወላዲኦም ወረቐት ምስክር ልደቶም ንምምዝጋብ ናብ ሓደ መንግስታዊ ቤት-ጽሕፈት ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ተቐቲሎም።
እዞም እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ኣሴርን ኣይሴልን ዝተበሃሉ ናጽላታት፡ ኣቦኦም መሓመድ ኣቡ ኣልቝምሳን ወረቐት ምስክር ልደቶም ንምውሳድ ክኸይድ እንከሎ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዕድመ ጥራይ’ዩ ነይርዎም።
መሓመድ እቲ ኣብ ደይር ኣል ባላሕ ዝርከብ መንበሪኡ ከም ዝተደብደበ ጐረባብቱ ደዊሎም ሓቢረሞ።
እዚ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ንበዓልቲ ቤቱን እኖሓጐ እዞም ሓደስቲ ዝተወለዱ ማናቱን እውን’ዩ ቀዚፉ።
ኣቡ ኣልቝምሳን፡ “እንታይ ከም ዝተፈጠረ ኣነ ኣይፈለጥኩን። ገዛይ ከም ዝተደብደበ ተነጊሩኒ። ልደቶም ንምጽንባል’ውን እኮ እዩ ግዜ ዘይነበረኒ” ኢሉ።
ኲናት ቓዛ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ 115 ዝተወለዱ ናጽላታት ከም ዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።
ኲናት እስራል-ቓዛ ኣብ ዝተባርዓሉ ቀዳሞት ሰሙናት፡ እዛ ስድራቤት እስራኤል ንዘውረደቶ ትእዛዝ ስዒባ ካብ ከተማ ቓዛ ንምግዓዝ ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ መዕቈቢ ከተናዲ እያ ጸኒሓ።
ቢቢሲ ኣብ ጉዳይ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ንሰራዊት እስራኤል ሓቲቱ፡ ምላሽ ይጽበ ኣሎ።
ሰላማውያን ሰባት ንከይጕድኡ ይጽዕር እየ ትብል እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ንዝወርድ ቅትለት፡ ሓማስ ኣብ ጽዑቕ መንበሪ ከባቢታት ስለ ዝንቀሳቐስን ሰላማውያን ሰባት ከም መከላኸሊ ስለዝጥቀምን’ዩ ብምባል ትወቅስ።
እንተዀነ ሰብመዚ ኣብ ውልቀሰባት ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ሳሕቲ ርእይቶ ይህቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ መዕቈቢታት መጥቃዕትታት ተፈጺሞም’ዮም።
ብቀዳም እስራኤል ንፍልስጤማውያን ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቈበ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 70 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዳይሬክተር ሆስፒታል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ ቤት-ትምህርቲ “ወተሃደራዊ መሳለጥያ ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ኰይኑ’ዩ ዘገለግል” ኢሉ፤ ሓማስ ግን ነዚ ነጺግዎ።
እስራኤል ኣብ ኣሃዝ እቶም ዝተቐተሉ ግዳያት ተቓውሞ ተስምዕ ኰይና፡ ቢቢሲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝጥቀስ ኣሃዛት ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ 07 ጥቅምቲ ብዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 251 ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙን እስራኤል ትገልጽ።
ኲናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ፡ 39 ሽሕን 750 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።