ውጥን ምልኣኽ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ገና ኣብ ቤት ፍርዲ የካትዕ ኣሎ

ሩዋንዳ ናብታ ሃገር ንዝለኣኹ ሓተቲ ዑቕባ ጽቡቕ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክትገብር ከምእትኽእል ጠበቓታት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ገሊጾም።

እቶም ጠበቓታት፡ ጉዳይ ይግባይ ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ንገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ዝሓንጸጾ መደብ፡ ቤት ፍርዲ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣልዒሉ ከም ዝዕገት ምግባሩ ጌጋ ከምዝነበረ ገሊጾም።

እቲ ውጥን ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ካብ ዝቋረጽ ኣትሒዙ ተንጠልጢሉ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ውጥን ክቕጽሎ ድማ እቶም ጠበቓታት ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ውጥን፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ውሑስ ሃገር ብዘይ ፍቓድ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ መጺኡ ዑቕባ ዝሓተተ፤ እዚ ማለት ድማ ካብ ፈረንሳ ብንኣሽቱ ጀላቡ ብመትረብ እንግሊዝ ዝሰግረ ሰብ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዘቕርቦ ሕቶ ዕቝባ ደው ኢሉ፡ ኣክንድኡ ናብ ሩዋንዳ ክለኣኽ ዝብል ምዃኑ ይፍለጥ።

ሚኒስተራት፡ እዚ ንገበነኛታት ኣሰጋገርቲ ሰባት ክዓግቶም እዩ ብምባል ይምጕቱ፤ እንተዀነ፡ እዚ ነጥቢ ኣካታዒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ካብቲ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንከለዉ ጉዳዮም ምርኣይ ወይ ምፍታሕ ንላዕሊ ከቢድ ወጻኢታት ዝሓትት ምዃኑ ብዙሓት ይግምቱ።

ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ ዳያኑ ብሪጣንያ እቲ ውጥን ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን ምሉእ ብምሉእ ንኽምርምሩ ግዜ ከምዘድልዮም ብምግላጽ፡ ኣብ ሰነ 2022፡ ምብጋስ ናይታ ቀዳመይቲ ነፋሪት ዓጊትዋ።

እቲ ክርክር ሕጂ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ በጺሑ፤ ሓሙሽተ ካብቶም ላዕለዎት ዳያኑ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ዕጫ ናይቲ ውጥን ክውስኑ እዮም።

ጠበቓታት መንግስቲ፡ ስርዓተ ዑቕባ ሩዋንዳ ኣዝዩ ጉድለት ስለዘለዎ፡ ስደተኛታት ናብኡ ክምለሱ ምግባር፡ ንሕማቕ ኣተሓሕዛ ዘቃልዖም እዩ ክብል፡ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኣብ ሰነ መደምደምታ ምሃቡ ጌጋ ከምዝነበረ ገሊጾም።

ሰፊሕ ክትትል ምግባር

ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰር ጀምስ ኢዲ ኬሲ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩዋንዳ፡ ንዅሉ ምኽንያታት መደምደምታ ብምግባር፡ እቲ ምድላዋት ክሰርሕ ከም እትደሊ ገሊጹ።

ንሱ፡ እታ ሃገር ንሓተትቲ ዑቕባ ብጽቡቕ ክትሕዝ ዘኽእላ ዝናን ፋይናንሳዊ ድርኺት ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ዋላ’ኳ ሓቀኛ ስክፍታታት እንተሃለወ፡ ሰፊሕ ክትትል ከምዝተገብረ ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ ንኽሰርሕን ስክፍታታት ንምልላይን ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኪጋሊ ብቐዋምነት ክህሉ፤ ብተወሳኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ እንታይ ከም ዘጋጠመ ተወሳኺ ናጻ ምክትታል ክግበር ከም ዝከኣል ኣተንቢሁ።

በዚ መሰረት፡ ኣብቲ 140 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት መደብ ምትእትታው ክግበር ሕጋዊ ምኽንያት ከምዘየለ ዘመልክት መንግስቲ ይምጕት።

ሩዋንዳ፡ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ዛንታ

  • ሚያዝያ 2022፡ መንግስቲ ገለ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ
  • ግንቦት 2022፡ ድሕሪኡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ፕሪቲ ፓተል 47 ስደተኛታት ክለኣኹ ምዃኖም ኣፍሊጣ
  • 14 ሰነ 2022፡ 7 ስደተኛታት ሒዛ ዝነቐለት ነፋሪት ድሒሩ ብዝመጸ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ደው ኢላ
  • ታሕሳስ 2022፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ብመሰረቱ እቲ ውጥን ሕጋዊ ኰይኑ ውልቀ ስደተኛታት ግን ዘይሕጋዊ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም እዩ ኢሉ
  • ሰነ 2023፡ ቤት ፍርዲ ይግባእ፡ እቲ ስደተኛታት ንሩዋንዳ ዝብል ውጥን ምሉእ ብምሉእ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወሲኑ
  • ጥቅምቲ 2023፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብ መንግስቲ ይግባይ ቀሪቡሉ

ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት

ሰር ጀምስ፡ ነቐፍቲ ውጥን ሩዋንዳ ብዛዕባ ሰነድ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣመልኪቶም’ኳ እንተኣጠንቀቝ፡ ሕሉፍ ፍጻመታት ግን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣገደስቲ ከምዘይኰኑ ገሊጹ።

ኣስዒቡ፡ ብሪጣንያን ሩዋንዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝህልወን ኣተሓሕዛ፡ ብመሰረት ውዕል ስደተኛታትን ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳን ሕጋዊ ዝቃዶን ነቲ መትከላት ዘኽብርን ምዃኑ ይገልጽ።

"ኣብ ሕመረት እዚ ዅሉ ድማ፡ ምኽባር ‘ቲ ክወሃብ ዘለዎ መረጋገጺታትን ፍርድታትን ኣሎ" ኢሉ።

"ሩዋንዳ ነቲ ንዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተወቶ መብጽዓ ንምኽባር ዘለዋ ድሌት ዝብድህ ዝዀነ ይዅን ነገር ግን የለን።"

እቲ ውጥን 'መልክዕ ክሕዝ ኣይከኣለን'

ራዛ ሑሴን ኬሲ እቲ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝሓንጸጾ ውጥን መልክዕ ክሕዝ ከምዘይከኣለ ይገልጽ።

ሚስተር ሑሴን፡ እታ "ምልካዊ ሓንቲ ሰልፊ ዘለዋ ሃገር" ኣዝዩ ዘይፍትሓዊ ስርዓተ ዕቝባ ከምዘለዋ፤ ውጥን መንግስቲ ብሪጣንያ ግን ነዚ ሓቅታት ዕሽሽ ከምዝበሎ ገሊጹ።

ጠበቓታት ናይቶም ነቲ ውጥን ዝቃወሙ ስደተኛታት፡ ቤት ፍርዲ፡ ሰሉስ 10 ጥቅምቲ ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን ክርከቡ እዮም።

ጠበቓታት ነቲ ክሳብ ሕጂ ወሳኒ ባእታ ናይቲ ጉዳይ ኰይኑ ዝጸንሐ ነጥብታት ደጊሞም ከቕርብዎ ትጽቢት ይግበር።