ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ማዕከን ዜና ሩስያ ሓድሽ እገዳ ኣንቢራ

መኪና ተለቪዥን ኣር.ቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ "የማናይ ኢድ ትካል ጸጥታ ሩስያ" ኰይኑ ክብል ዝኸሰሶ ማዕከን ዜና ቻነል ኣር.ቲ (RT) ሓድሽ እገዳ ከምዝተነበረ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብዓርቢ 13 መስከረም 2024 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተለቪዝን ‘ኣር.ቲ’ ሓደ ካብቶም ብሩስያ ዝድገፉ ማዕከናት ዜና ከምዝኾነን ብሕቡእ "ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዲሞክራሲ ከምዘናሽውን" ሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ኣር.ቲ ንመደረ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ብምዝርጋሕ "ሓድሽ ትንታነ ውዲት ኣመሪካ' ክብል ጸብጺቡ ነይሩ።

ወሃቢት ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ፡ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እተንብሮ እገዳ መጸውዒ ዝኸውን"ሓድሽ ስያመ ሞያ ክህሉ ኣለዎ" ብምባል ኣላጊጻ።

ዋና ኣሰናዳኢት እቲ መራኸቢ ብዙሃን ማርጋሪታ ሲሞንያን ድማ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣር.ቲ ብወጻእታት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዝተማህሩ ብምዃኖም ብምሕባር ንኻልኦት ኣብነት ዝዀኑ ንፉዓት መምህራን ክበሃሉ ከምዝኽእሉ ተዛሪባ።

ማርጋሪታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምርጫ ብዘይግቡእ ጽልዋ ንምፍጣር ሰሪሓ ብዝብል ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ዝተገብረሎም ሰራሕተኛታት እቲ ማዕከን ዜና እያ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ’ውን "ሕቡእ ጸቕጢ ንምፍጣር ኣብ ዋሕዚ ሓበሬታን ወተሃደራዊ ምልመላን" ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃን ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካን ሰሪሑ ክብል ‘ሩስያ ቱደይ’ ንዝተብሃለ ማዕከን ዜና ከሲሱ ነይሩ።

ብሊንከን፡ መደበር ተለቪዥን ኣር.ቲ ኣብ ዩክሬን ንዝዋግኡ ወተሃደራት ሩስያ ዝኸውን መከላኸሊ ጥይት (ቬስት)፣ ስናይፐር፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ካልእ ኣጽዋርን ንምዕዳግ ብኢንተርነት ገንዘብ ከምዘዋህለለ ይኸስስ።

እዚ ማዕከን ዜና ሞልዶቫ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ምርጫ ቅድሚ ምክያዳ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ጽልዋ ንምፍጣር ምስ ትካል ስለያ ሩስያ ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ብሊንከን ሓቢሩ።

ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ክልተ ሰራሕተኛታት ኣር.ቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ኢዶም ከእትዉ ፈቲኖም ብምባል እገዳ ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ብዓርቢ’ውን፡ ሩስያ ንዲሞክራሲ ኣመሪካ ክተናሸው ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እቲ ማዕከን ዜና ልዑል ተራ ከምዝተጻወተ ካልእ ክሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ንኽሲ ኣመሪካ ዝነጸገ እቲ ማዕከን ዜና “ኣብ ህይወት ሰለስተ ነገራት ዘይተርፉ እዮም፤ ሞት፡ ግብሪን ኣርቲ ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ኢድ ምእታዉን" ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ገሊጹ ነይሩ።

ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "ንሓሶት ሩስያ ዘለና መድሓኒት ሓቂ'ዩ። መንግስቲ ሩስያ ንጸልማት ተጎልቢቡ ኣብ ዝሰርሖ ስራሕ ኵሉ ብርሃን ክህሉ እዩ" ኢሉ።

ብሊንከን ወሲኹ፡ እቲ ዝተነብረ እገዳ ምስ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነ ብምግላጽ ኣመሪካ ንነጻ ጋዜጠኝነት ከም እትድግፍ ሓቢሩ።

"ብሕቡእ ጽልዋ ንምፍጣር ምንቅስቓስ ግን ጋዜጠኝነት ኣይኮነን" ክብል ነቒፉ።