እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ዝፅውዐሉ እስራኤል ኣብ ቃዛ ደብዳባት ቀፂላ
እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ትፍፅሞ ዘላ መጥቃዕትታት ብምቕፃል ክሳብ ዓርቢ ምሸት ብሰማይን ምድርን መጥቃዕትታት ከም ዝፈፀመት ተገሊፁ።
ኣብ ማእኸላይ ቃዛ ኣብ ዝርከብ መፅለሊ ተመዛበልቲ ኑሰይራት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ 18 ሰባት ከም ዝተቐተሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ፍልስጤም ፀብፂበን።
ቡሬይጅ ኣብ ዝበሃል ካልእ መዓስከር ዝርከቡ ተመዛበልቲ’ውን፡ ብምድሪ ዝካየድ መጥቃዕቲ ይቕፅል ብምህላዉ፡ ንኣንፈት ደቡብ ክግዕዙ ብሰራዊት እስራኤል ተኣዚዞም ኣለዉ።
ኣብ ኒውዮርክ ዝተጋብአ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ቃዛ ተወሳኺ ሓገዝ ክኣቱ ዝፅውዕ እማመ ኣፅዲቑ ኣሎ።
እንተኾነ፡ እቲ እማመ ስምምዕ ህፁፅ ተኹሲ ደው ክብል ክፅውዕ ኣይከኣለን።
ሃገራዊ ማዕኸን ዜና ፍልስጤም ዋፋ፡ ኣብ ማእኸላይ ቃዛ መፅለሊ ተማዘበልቲ ኑሰይራት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከም ዝተቐተሉን፡ ብዙሓት ከም ዝተጐድኡን ፀብፂቡ።
ኣብ ሰሜናዊ ቃዛ ኣብ ጃባልያ ዝርከብ መፃረይ ማይ’ውን ብደብዳብ ኣየር ዓንዩ ኣሎ።
ጐረቤት እታ ደብዳብ ዝተፈፀመላ ኑሰይራት ዝኾኑ ነበርቲ ቡሬይጅ፡ “ምእንተ ደሕንነቶም ክብሉ ብቀጥታ ለቒቖም ክወፅኡን” ናብታ ንኣንፈት ደቡብ ትርከብ ከተማ ደይር ኣል-ባላሕ ክኸዱን ተኣዚዞም።
ኣቦ ሽድሽተ ቆልዑ ዶክተር ዚያድ ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ናበይ ኢና ክንኸይድ? ውሑስ ቦታ የለን” ኢሉ።
ካልእቲ ወንበር ዓረብያ (ዊልቸይር) ትጥቀም ወላ ኣል-መዲኒ ድማ፡ ኣብ ከተማ ጋዛ ኣብ መንበሪ ገዝኣ እንከላ ብደብዳብ እስራኤል ከም ዝተጐድአት ትገልፅ።
“እዚ ህይወት ኣይኰነን። ማይ የለን፣ ምግቢ የለን፣ ዋላ ሓደ የለን” ኢላ፡ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።
ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኽሃን ዩኒስ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ኣል-ማሃል መጥቃዕትታት ኣየር ከም ዝተፈፀመ ገሊፁ።
ዶብ ኣልቦ ዶካትር ብወገኖም፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ዝፈፀመቶ “ዘይፈልይ ደብዳባት” ንሰሜናዊ ወሽመጥ “ናብ ኩምራ ፍርስራስ” ከም ዝቐየሮ ብመገዲ ኤክስ (ነበር ትዊተር) ገሊፆም።
ኣብ ኽሃን ዩኒስ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ናስር’ውን ዳርጋ መዓልታዊ ምዉታትን ቁስላትን ከም ዝመፅኡ እቲ ትካል ሓቢሩ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ጋዛ ካብ ዝርከቡ ስድራቤታት ኣስታት 500 ሽሕ ህዝቢ ኣብ “ሕሱም ጥምየት” ከም ዝርከቡኣፍሊጡ።
ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው 1200 ሰባት ብምቕታል 240 ሰባት ጅሆ ምሓዙ ስዒቡ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ትፍፅም ኣላ።
ኵናት እስራኤል-ጋዛ ካብ ዝውላዕ ድማ፡ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብውሑዱ 20 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፡ 50 ሽሕ ድማ ተጐዲኦም።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዩ ጉተሬዝ፡ ናብ ጋዛ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይበፅሕ “መቋረፂ ዘይብሉ መጥቃዕቲ እስራኤል ዕንቅፋት” ከም ዝኾነ ገሊፁ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኵናት እስራኤል-ጋዛ ብኸምዚ እንተቀፂሉ፡ ህዝቢ ጋዛ ንሕሱም ጥምየት ከም ዝቃላዕ ብተደጋጋሚ ከም ዘጠንቀቐ ይፍለጥ።