እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓማስ ኵናት ከየብቅዐ ጅሆ ዝሓዞም ከም ዘይፈትሕ ኣፍሊጡ
ንወሽመጥ ቓዛ ተቘጻጺሩ ዘሎ ሓማስ፡ እስራኤል “ምሉእ ብምሉእ መጥቃዕቲ ደው ንምባል” ክሳብ ትሰማማዕ፡ ጅሆ ንዝሓዞም ሰባት ከም ዘይለቅቕ ኣፍሊጡ።
እስራኤል ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ካብ ዝበለሉን ልዕሊ 100 ጅሆ ካብ ዝፍትሑን ንነጀው፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ተቓለስቲ ሓማስ ከም ዝቐተለት ትገልጽ።
ብ7 ጥቅምቲ ካብ እስራኤል ዝተጨወዩ ኣስታት 120 ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ይእመን።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኵናት እስራኤል ቓዛ ውሳነ ንምሕላፍ ጻዕርታት ይቕፅል ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመ፡ ረዚን ስክፍታ ከም ዘለዋ'ኳ እንተገለጸት፡ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ንዓርቢ ተወንዚፉ ኣሎ።
እቲ ኣብዚ ወርሒ ንሓደ ሰሙን ዝተነበረ ስምምዕ ግዝያዊ ምቍራጽ ተኹሲ፡ ረድኤት ናብ ቓዛ ክኣቱ ከም ዘኽኣለ ይዝከር።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኵናት እንተ ቐጺሉ፡ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣጠንቂቑ።
ሓድሽ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንምኽታም ኣብ ካይሮ ዘተ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ብረቡዕ ዝተኻየደ ፈላማይ ዝርርብ ግን ፍረ ኣይተረኸቦን።
ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ምሉእ ብምሉእ መጥቃዕቲ ደው እንተዘይሉ ብዛዕባ ምልውዋጥ እሱራት ይዅን ስምምዓት ልዝብ ከም ዘይህሉ ሃገራዊ ውሳነ ፍልስጤም’ዩ” ኢሉ።
እንተዀነ እቲ መግለጺ ነየኖት ፍልስጤማውያን ሓይልታት ከምዘመልክት ኣይነጸረን። ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ እስላማዊ ጂሃድ ካብቶም ንእስራኤላውያን ጅሆታት ዓጊቶም ዘለዉ ጕጅለታት ሓደ እዩ።
መግለጺ ሓማስ ንመንግስቲ እስራኤል ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣእትይዎ ይርከብ።
እስራኤል፡ ጅሆ ንምፍታሕ፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ወተሃደራዊ ጸቕጥን ስርሒታት ሂወት ኣድሕን ምክያድ እንኮ ኣማራጺ ከም ዝዀነ ትገልጽ።
ይዅን’ምበር እዚ ስልቲ፡ ሓንቲ ኦሪ መግዲሽ ዝተበሃለት ጅሆ ካብ ምድሓን ሓሊፉ፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣይተረኸቦን።
መንግስቲ እስራኤል ካብ ኣዝማድ እቶም ክሳብ ሕጂ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆታት ሓያል ጸቕጢ የጋጥሞ ኣሎ፤ ገለ ድማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ፋይዳ ከም ዘይብሉ ይምጕቱ።
ሓማስ፡ እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ኵናት ደው ከተብል ጸቕጢ ይገብር'ኳ እንተሎ፡ ንርእሱ ዕጥቃዊ ቃልሱ ደው ከብል ድዩ ኣብ ዝብል ሕቶ ግን ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ነዚ ድማ እዩ መንግስቲ እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ዓቕሚ ሓማስ ክሳብ ዘየልመሰ ውግእ ደው ንምባል ዘዕጠጢ ዘሎ።
እዚ ኵነታት ግን፡ ነቲ ኵናት ደው ክብል ዝጽበን ኣብ ቓዛ ኣብ ሕሱም ኵነታት ዝርከብን ህዝቢ ተስፋ ዝኸልእ እዩ።
ኵናት እስራኤል ቓዛ ካብ ዝጅመር ዛጊድ ልዕሊ 20 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም 8 ሽሕ ህጻናት ክዀኑ እንከለዉ፡ 6200 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን። እስራኤል ግን ክሳብ ሕጂ 2 ሽሕ ኣባላት ሓማስ እየ ቀቲለ ትብል።