እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጋዛ ብዘይካ ሓማስ ክንደይ ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤም ኣለዉ? እንመን’ከ እዮም?
ኣብዚ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሓማስ ሙሳ ኣቡ ማርዙክ፡ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ኩሎም ጅሆታት ኣብ ትሕቲ ሓማስ ከም ዘይርከቡ ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ።
እቲ መራሒ፡ ኣብቲ ብ26 መስከረም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተሳተፍቲ ዝኾኑ “ዝተፈላለዩ ጃንዳታት” ተታሒዞም ከም ዝርከቡ እዩ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጐኒ ሓማስ ተሰሊፎም ዝተሳተፉ ጉጅለታት ከምዘለዉ ኣነፂሩ ነይሩ።
እዞም ጉጅለታት ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ምፍፃም ተመሳሳሊ ቅዋም እንተሃለዎም፡ እታ ናይ መፃኢት ናፃ ፍልስጤም ኣብ ትምረሐሉ ኣገባብን ሃይማኖትን ግደ ሃይማኖትን ዝምልከት ዝተፈላለየ መርገፂ እዩ ዘለዎም።
ኣብ ጋዛ ክንደይ ዝኣኽሉ ዕጡቓት እዮም ዘለዉ ዝብል ብትኽክል ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ብዛዕባ እቶም ዝተወሰኑ ዝፍለጡ ሓቅታት እነሆ።
ሓማስ/ ብርጌድ ኣል-ቓስም
ብሙሉእ ሽሙ ብርጌድ ኢዛ ኣል-ዲን ኣል-ቓስም ተባሂሉ ዝፅዋዕ፡ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ እንትኾን፡ ካብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ንጋዛ የመሓድር ኣሎ።
ሽም እዚ ክንፊ፡ ከም ተምሳሌት ተቓላሳይ ነፃነት ፍልስጤማውያን ካብ ዝረኣዩ መራሑ ሃይማኖት እዩ ተረኺቡ።
ሓማስ ኣብ ብዙሓት ኵናታት ኣንፃር እስራኤል ተዋጊኡ እዩ። ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ኣወንጪፉ፤ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ርእሰ ቅተለት ብዝፍፅሙ ኣባላቱ ድማ፡ ንወተሃደራት እስራኤል ኣጥቂዑ።
ልፍንቲ ሓማስ ድማ ምስቲ ብራዘር ሁድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሕዋት እስላማዊ ምንቅስቓስ ግብፂ እዩ።
እስላማዊ ምንቅስቓስ ግብፂ፡ ኣብ 1920ታት እስላማዊ ትምህርትን ሞራላትን ንምስፍሕፋሕ ብዝብል እኳ እንተፈለመ፡ ደሓር ግና አብ ከይዲ፡ ፖለቲካዊ ግደ ክፃወት ጀሚሩ።
ካብ ልኡኽቶታት ኣሕዋት እስላማዊ ምንቅስቓስ እቲ ሓደ ድማ፡ ብእስላማዊ ሕግታት ወይ ድማ ብሸሪዓ ትመሓደር ሃገር ጋህዲ ምግባር እዩ።
ሓማስ፡ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ምስ ኣሕዋት እስላማዊ ምንቅስቓስ ግብፂ-ብራዘር ሁድ ዝነበረኒ ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ተቛሪፁ’ዩ ብምባል ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብኛ ፌራስ ኪላኒ ግና እዚ ሓቂ ከምዘይኮነን፡ ርክብ ሓማስን ብራዘር ሁድን ብድሕሪ መጋረጃ ከም ዝቐፀለ ይኣምን።
ብእስራኤል፣ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ምዕራባውያንን ግብረ-ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተሰመየ ሓማስ፡ ወተሃደራዊ ክንፉ፡ ብ 26 መስከረም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝተፈፀመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ መሪሑ።
ሓማስ፡ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ተዋጋእቲ ከምዘለዎ ይእመን።
ኢራን፡ ቀንዲ ደጋፊት ሓማስ እያ። ገንዘብ፣ ኣፅዋርን ስልጠናን ካብ ኢራን ይረክብ። መራሕቲ ሓማስ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኢራን ንትገብሮ ድጋፍ ብወግዒ ከመስግኑ ፀኒሖም እዮም።
እስላማዊ ጂሃድ ፍልስጤም/ ብርጌድ ኣል-ቁዱስ
ብርጌድ ኣል-ቁዱስ ካብ ብርጌድ ኣል-ቃስም ቀፂሉ፡ ኣብ ጋዛ እቲ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ክንፊ ከም ዝኾነ ይእመን።
እዚ ጉጅለ ኣብ 1980ታት ወተሃደራዊ ክንፊ እስላማዊ ጂሃድ ብምዃን’ዩ ተመስሪቱ። ከም መብዛሕትኦም ጉጅለታት ኣል-ቁዱስ’ውን ብምዕራባውያን መንግስታት ከም ግብረ-ራዕዳዊ ተበይኑ።
ኣል-ቁዱስ ብቋንቋ ዓረብ ኢየሩሳሌም ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ኣብ 2002 ድማ ኣብ ዌስት ባንክ ኣብ ዝተኻየደ ከቢድ ኵናት ኣንፃር እስራኤል ምውግኡ ስዒቡ ስሙይ ኰይኑ።
እዚ ጉጅለ ኣስታት 2 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዘለውዎ ይእመን። ልዕሊ ሓማስ ምስ ኢራን ርክብ ከም ዘለዎ ከኣ ይግለፅ።
እስላማዊ ጂሃድ ፍልስጤም (ፒኣይጄ) ኮነ ሓማስ፡ ዕዙዝ ግደ ሃይማኖት ዘለዋ ናፃ ፍልስጤም ክትምስረት ድሌት ዋላ’ኳ እንተሃለዎም፡ ኣፈላላዮም ግና፡ እስላማዊ ጂሃድ፡ ፍልስጤም ሓያል ናይ ሃይማኖት ሃገር ክትኸውን’ዩ ዝደልይ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ እዚ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኣልጀዚራ ዓረብኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ብ26 መስከረም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 30 ሰባት ጨውዩ ከም ዝወሰደን ካብዚኦም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተለቐቑ ህፃናትን ደቂኣንስትዮን ከም ዝርከብዎምን ሓቢሩ።
እዚ ላዕለዋይ ኣመራሓ ፒኣይጄ፡ ኣብዚ እዋን ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት በቲ ጉጅለ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ካብ ምዝራብ ተዓቂቡ።
ግንባር ነፃነት ፍልስጤም / ብርጌድ ኣቡ ዓሊ ሙስታፋ
ቅድሚ ሕዚ ፖፑላር ሬዚስታንስ ፎርስ (ህዝባዊ ሓይሊ ነፃነት)ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ብርጌድ ኣቡ ዓሊ ሙስታፋ፡ ናይ ማርክሲስት-ሌኒኒስት ወይ ጉጅለ ኮሚኒስት ዝኾነ ፒኤፍኤልፒ ወተሃደራዊ ክንፊ እዩ።
እዚ ጉጅለ ኣብ 1960ታት ወይ 1970ታት ነፈርቲ ብምጭዋይን ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት መጥቃዕትታት ብምፍፃምን ሽሙ ገኒኑ።
ቅድሚ ምምፃእ ሓማስ፡ ኣብ ፍልስጤም እቲ ዝዓበየ ካልኣይ ጉጅለ ነይሩ።
ሓደ ሓደ ፀብፃባት እዚ ጉጅለ ሰባት ጅሆ ሒዙ ከም ዝርከብ እኳ እንተገለፁ፡ ቢቢሲ ነዚ ባዕሉ ወይ ብካልእ ዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግፆ ኣይከኣለን።
ብርጌድ ኣል-ናሲር ሳላሕ ኣል-ዲን
ኣብ 2ሽሕ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እዩ ተመስሪቱ። ምስ ሓማስ ብምልፋን ብ 2006 ኣብ ማዕገትቲ እስራኤላዊ ወተሃደር ጊላድ ሻሊት ከም ዝተሳተፈ ፀብፃባት የመልክቱ።
ኣብ ጋዛ ብዙሓት ተዋጋእቲ ብምሓዝ እቲ ሳልሳይ ዝዓበየ ብርጌድ እንትኾን፡ መሻርኽቲ ሓማስን ፒኣይጄን እዩ። ንፖሊስ ጋዛ እውን ሓይሊ ሰብ የዋፅእ።
ብርጌድ ኣል-ናሲር ሳላሕ ኣል-ዲን፡ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ናብ እስራኤል ሚሳይላይ ዘወንጭፍ እንትኾን፡ ብ26 መስከረም ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብዙሓት ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝዓገተ ይገልፅ፤ ነዚ ግና መረጋገፂ ኣይሃበን።
ብርጌድ ሙጃሂዲን
ሙጃሂዲን መሰረቱ ምስ ፋታሕ ዝተሓሓዝ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ እስላማዊ ጂሃድን ሕ’ሉፍ ሃይማኖታዊ ርእዮተ ዓለም ምስ ዝኽተሉ ጉጅለታትን ርክብ ኣለዎ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ 26 መስከረም ሰባት ጅሆ ሒዙ ከም ዝርከብ ገሊፁ እዩ።
ብርጌድ ሰማእታት ኣል-ኣቕሳ
እዚ ጉጅለ ዋላ’ኳ ብፋታሕ ኣፍልጦ እንተዘይተውሃቦ፡ ብያሲር ዓራፋትን ካልኦትን ምስ ዝተመስረተ ፋታሕ ርክብ ከም ዘለዎ ይግለፅ።
ፋታሕ ካብ ኢድ ኣእታውነት ሃይማኖት ዝፀረየ ንዌስት ባንክ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ እዩ።
ኣብ 2006 ኣብ ጋዛ ኣብ ዝተገበረ መረፃ ብሓማስ ድሕሪ ምስዓሩ፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብ ወሽመጥ ጋዛ ብሓማስ ተደፊኡ ወፅዩ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝገበሮ ምርመራ ገለ ኣባላት ብርጌድ ሰማእታት ኣል-ኣቕሳ፡ ኣብቲ ብ26 መስከረም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተሳተፍቲ ምዃኖም ኣርእዩ’ዩ።
ኣብ ኢድ ቢቢሲ ዝኣተዉ ምስልታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋንን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ መዓልትታትን፡ ኣባላት ብርጌድ ሰማእታት ኣል-ኣቕሳ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ልምምድ እንትገብሩ የርእዩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ናይ ምስታፍ ውሳነ እቶም ኣባላት ብውልቀ ዝወሰድዎ ድዩ ናይ ጉጅለ ዝብል ንምፍላጥ ግና ከቢድ’ዩ።