እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢጣልያ ኣብ ኣልባንያ ማእከል ስደተኛታት ክትሃንጽ እያ
ኢጣልያ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምእንጋድ ዘኽእላ ክልተ ማእከላት ስደተኛታት ኣብ ኣልባንያ ክትሃንጽ ምዃና ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ኣፍሊጣ።
ነዚ ውጥን ኣብ ሮማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልባንያ ኤዲ ራማ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እያ ወግዓዊ ገይራቶ።
እተን ማእከላት ኣብ ዝመጽእ ጽድያ [ካብ መጋቢት ክሳብ ሰነ ኣብ ዝህሉ እዋን] ክኽፈታ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ናይ 36 ሽሕ ስደተኛታት ጉዳይ ክዓማ ከምዝኽእላ ገሊጻ።
እቲ ውጥን ነቶም ኣብ ባሕሪ ከለዉ ብጀላቡ ኢጣልያ ዝደሓኑ ስደተኛታት እምበር ናብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ንዝበጽሑ ዝምልከት ኣይኰነን።
እቶም ስደተኛታት፡ ኢጣልያ ሕቶ ዑቕባኦም ኣብ እትምርምረሉ እዋን ኣብተን ማእከላት ክጸንሑ ምዃኖም ዝሓበረት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ እቲ ውጥን ንነፍሰጾራት፡ ህጻናትን ተቓላዕቲ ሰባትን ከምዘይምልከት ተዛሪባ።
ብወጻእታት ኢጣልያ ኣብ ኣልባንያ ዝህነጻ ማእከላት ስደተኛታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 3 ሽሕ ሰባት ከአንግዳ ከምዝኽእላ ተጠቒሱ’ሎ።
ኣብ ወደብ ሸንግጂንን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣልባንያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ግጃደርን ዝህነጻ ኰይነን ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ድማ ካብ ኣልባንያ ክቐርቡ እዮም።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሜሎኒ፡ ኣልባንያ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ እኳ እንተዘይኰነት፡ "ልክዕ ከም ሓንቲ ኣባል ሃገር እያ ትዋሳእ ዘላ" ኢላ። ኣልባንያ ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ንኽትኣቱ ዘለዋ ደገፍ’ውን ገሊጻ።
ብቋንቋ ኢጣልያ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልባንያ ኤዲ ራማ፡ ንርክብ ሃገሩ ምስ ኢጣልያ ንምግላጽ ድሙቕ ቃላት ዝተጠቐመ ዀይኑ ድሕሪ ውድቀት ዴሳዊ ስርዓት ኣብ 1990ታት ዜጋታትን ትካላትን ኢጣልያ ንኣልባንያውያን ሓጊዞም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሩ።
"እዚ ዕዳ ከፊልካ ምምላስ ዝከኣል ኣይኮነን፤ ኢጣልያ እንተጸዊዓትና ግን ኣልባንያ መልሲ ክትህብ ድልውቲ እያ" ኢሉ።
ወሲኹ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ንዕረፍቲ ኣብ ኣልባንያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዛዕባ ስምምዕ ማእከላት ስደተኛታት ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።
ኣብ ኢጣልያን ኣልባንያን ዝርከቡ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ግን ነቲ ስምምዕ ነቒፎሞ ኣለዉ።
መራሒ ሊበራላዊ ሰልፊ ኢጣልያን ኣውሮጳን ሪካርዶ ማጊ፡ እቲ ውጥን "ዘፍርሕ" ምዃኑን፡ እተን ማእከላት ከም "ዓይነት ኢጣልያዊ ጓንታናሞ" ክዀኑ ከምዝኽእሉን ገሊጹ።
[ጓንታናሞ - ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ እዩ፤]
"ዘይሕጋዊ ስምምዕ'ውን'ዩ፤ ኢጣልያ ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ሰባት ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ወጻኢ ናብ እትርከብ ሃገር ክትሰዶም ኣይትኽእልን እያ" ኢሉ።
በሊንድ ከሊቺ ካብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣልባንያ ኣብ ዙርያ እቲ ስምምዕ "ግሉጽነት ዘይምህላው" ነቒፉ።
"እዚ ኣብ ልዕሊ ኣልባንያ ዝተፈጸመ ክሕደት'ዩ። ራማ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ከርእዮ ዝኽእል ዝዓበየ ዘይተኣማንነት'ዩ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ኤክስ’ ጽሒፉ።
ፕረዚደንት ኣብ ሮማ ዝመደበሩ ማሕበር ሓገዝ ስደተኛታት ‘ባኦባብ ኤክስፐርየንስ’ ኣንድርያ ኮስታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መግለጺ "ንዅሉ ሰብ ዘገረመ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን መንግስቲ ኢጣልያ "ናብ ግጉይ ኣንፈት ይኸይድ ከምዘሎ" ዘርኢ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ንየማናዊ ሃገራዊ ሰልፊ ኣሕዋት ኢጣልያ እትመርሕ ሚስ ሜሎኒ፡ ብጽኑዕ ጸረ-ስደት ኣረኣእያኣ ትፍለጥ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ካብ እትኸውን ንደሓር ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ንምቍራጽ ምትእትታዋት ሕጊ ከምዘካየደት ብተኸታታሊ ኣፍሊጣ ነይራ። እዚ ድማ ምእሳር ዘይስሩዓት ስደተኛታት የጠቓልል።
ይዅን እምበር ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 145 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ብ52 ሽሕ ይዛይድ።
ኣብ ሚያዝያ ሚኒስተራት ኢጣልያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምጽውዖም ዝዝከር ኰይኑ፡ መንቀሊኡ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምውሳኾም ነይሩ።