እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣዛዚ ኣሃዱ ሚሳይል ፍልስጤም ቀቲላ
እስራኤል፡ ኣጋ ወጋሕታ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሓደ ኣዛዚ ኣሃዱ ተወንጨፍቲ ሮኬት ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጂሃድን (PIJ) ምስ ካልኣዩ ቀቲላ።
ነፋሪት ኲናት እስራኤል፡ ኣብ ሓደ ካሃን ዩኒስ ዝተባህለ፡ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ዝርከብ ህንጻ ኣብ ሓምሻይ ደርቢ እያ ኣጥቂዓ።
ብረቡዕ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሚሊሻታት፡ ልዕሊ 500 ሮኬታት ናብ እስራኤል ተኲሶም እዮም።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ንልዕሊ 130 ሚሊሻታት ዒላማ ብምግባር ክወቅዕ እንከሎ፡ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ዝተኻየደ ውግእ እቲ ዝኸበደ እዩ።
ምንጭታት ሕክምና ፍልስጤም ከምዝሕብርዎ፡ ካብ ሰሉስ ንግሆ ኣትሒዙ እስራኤል ኣንጻር ፍልስጤማዊ ጕጅለ ጀሃድ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ 25 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ፤ ካብዚኣቶም 10 ሲቪላትን ሰለስተ ካብ ኣዘዝቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለን እዮም።
ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ዒላማኡ ብዝሰሓተ ሮኬት ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ፤ እዚ ግን ብፍልስጤማውያን ኣይተረጋገጸን።
ዕጡቕ ክንፊ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ፡ እቲ ብኣቡ ሙሓመድ ዝፍለጥ ቀንዲ ኣዛዚ ኣሃዱ ሚሳይል ዓሊ ሓሰን ቓሊ፡ ሓሙስ ንግሆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐተለ ኣረጋጊጹ።
እስላማዊ ጅሃድ፡ ድሕሪ ሓማስ እቲ ዝዓበየ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ቓዛ ክኸውን እንከሎ፡ ንዝተቐተሉ ፍልስጤማውያን ሕነ ከም ዝፈዲ ሓንሒኑ'ሎ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ መጥቃዕቲ ንቓሊን “ካልኦት ኣብ ቓዛ ዝሰርሑ ክልተ ዕጡቓት እስላማዊ ጅሃድን” ዒላማ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነዚ ዝተቐተለ ዋና ኣዛዚ ሚሳይል ዓሊ ሓሰን፡ “ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣንፃር እስራኤል ንዝተተኰሱ ሮኬታት ተሓታቲ’ዩ” ኢሉ።
ብረቡዕ ምሸት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ወፍሪ እስራኤል ገና ኣይተዛዘመን ክብል ኣጠንቂቝ።
ንሱ ነቲ ብሰሉስ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰለስተ ኣዘዝቲ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ ኣመልኪቱ፡ “ንእስላማዊ ጅሃድ ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢምዎ ብዘይፈልጥ መልክዑ ወቒዕናዮ” ክብል ተዛሪቡ።
ናታንያሁ ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምዝራቡ፡ ማዕከናት ዜና ግብጺ ብመንጐኝነት ግብጺ ክልቲኦም ወገናት ተዅሲ ደው ከም ዘበሉ ሓቢረን ነይረን። እንተዀነ፡ ካብ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝተወሃበ መረጋገጺ የለን።
ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝውክል ትካል፡ “እስራኤል እትፍፅሞ መጥቃዕቲ እንተ ኣሐይላ፡ ጸለምቲ መዓልትታት ይጽበዮ” ክብል ከም ዘጠንቀቐ ይፍለጥ።
እዚ ኣብዚ ሰሙን ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ኣየር፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለን ኣብ ቓዛ 49 ፍልስጤማውያን ዝተቐተልሉን መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ እዩ።