ብዝረኽብዎ ኣጋጣሚ ዝስደዱ ዘለዉ ምሁራን ተጋሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጌትነት ኣጽብሃ ይበሃል።
ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ኣይኣርሲ ክኢላ ምዕባለ ትሕዝቶን ላዕለዋይ ሓላፊ ስልጠናን ዝነበረ ጌትነት፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ምስ ካልኦት 5 ክኢላታት ንስልጠና ናብ ዴንማርክ ተላኢኹ።
እቲ ኣብ ኮፐንሃገን ዝተውሃበ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ኣብቂዑ እቶም ሰልጠንቲ ክምለሱ እንከለዉ ግን ጌትነት ምስኦም ኣይነበረን።
ብዶላር ዝኽፈሎ መሃያ፡ ጽቡቕ ስራሕን ምቹእ ህይወትን ራሕሪሑ “ንመንግስቲን ህዝቢን ዴንማርክ ዕቑባ” ክሓትት መሪጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዴንማርክ ኣብ ሓደ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣጽሊሉ ዝርከብ እዚ ክኢላ “ናይ መንግስቲ ገንዘብ ከም ጡረተኛ እናተቐበልኩ እየ ዝነበር” ይብል።
ዝሓሸ መነባብሮ፡ ጽቡቕ መሃያን ሞያዊ ክብርን ገዲፎም ብዝኸድዎ ስደት ዝመርጹ ከም ጌትነት ዝኣመሰሉ ክኢላታት ሒደት ኣይኮኑን።
ቢቢሲ ትግርኛ ንጌትነትን ንድሕነቶም ክበሃል ስሞም ዝተቐየረ ካልኦት ክኢላታትን ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።
ቅልውላው ተጋሩ
ጌትነት፡ ብሰንኪ እቲ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃንን ሰበስልጣናትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየድዎ “ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ” ተወለድቲ ትግራይ፡ “ናይ ስነልቦና ተጽዕኖ ንኽበጽሐና ተገይሩ እዩ” ይብል።
ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከባቢ ሃዋሳን ቡታጅራን ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ትግራዋይ ብምዃኑ ጥራይ ይጥርጠር፡ “ንምሽቑራርን ንምስቋንን” ይቃላዕን ከምኡ’ውን ንስራሕ ናብ ዝተፈላለዩ ቀበሌታትን ጣብያትትን ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ይእሰር ከምዝነበረ ይዛረብ።
“ብሕማቅ ዓይኒ ይርእዩኒ… ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ፖሊስ ጣብያ የጽንሑኒ ነይሮም። ምስቶም ኣብ ሃዋሳ ዝነበሩ ናይ ቤት ጽሕፈት ተወከልቲ ብምዝርራብ ይፍታሕ ነይረ።”
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ስደትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ከምዝተፈጥረ ይፍለጥ።
ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ግዳያት መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ከምዝኾኑ ቢቢሲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ጸብጺቦም እዮም።
“ወዲ ሓወይ ተኣሲሩ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን” ዝብል ጌትነት፡ ብዙሓት መሓዙቱ “ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ” ተኣሲሮም እዮም ይብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ክስትታ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብመንነቱ ዝተኣሰረ ሰብ ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, ጌትነት ኣጽብሃ
እቲ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት እናለሓመ ምስከደ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርቲን ኣካላዊ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኮይኖም ትካላት ንግዶም’ውን ተዓሺጉ እዩ።
ኣብ ሓደ ፌደራል ዩኒቨርስቲ ብዲቨሎፕመንታል ስተዲስ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ዝነበረ ክሩቤል፡ “ኣብ ኲናት ንእሽተይ እንተተደፊኦም ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ እዮም ዓንጽዓንጸ ዘጋፍዕዎ” ብምባል ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት የዘኻኽር።
ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምግስጋሶም ከቢድ ስግኣት ዝፈጠረሉ መንግስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብምድንጋግ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ምጅማሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ግህሰት ከምዘጋደዶ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛ ክኢላታት ይሕብሩ።
እቲ እዋን እቲ “ትግራዋይ ኮይንካ ምንቅስቓስ ‘ዋእ! ኣይተኣሰርን ድዩ እዚ?’ ዘብል ግዜ እዩ ነይሩ” ዝበለና ካልእ ውህሉል ልምዲ ዘለዎ፡ ተኣምራት እዩ።
ካብ ሃገር ክሳብ ዝወጸሉ ግዜ ዳይረክተር ሓደ ፌደራል ትካል ዝነበረን ብስም ዘይንጠቕሶም ዓበይቲ መንግስታዊ ናይ ልምዓት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዘስረሐን ተኣምራት ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ፖሊቲካ ከምዘይነበሮ ይገልጽ።
“ቀትሪ ለይቲ ብሓላፍነት…ዝሰራሕኽዎም ፕሮጀክትታት ነዚ ሕዚ ተፈጢሩሎ ዘሎ ኩነታት መፈጸሚ ኮይኖም ክርእይ ከለኹ ብጣዕሚ መሕዘኒ እዩ።”
ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን፡ እቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ ኣዝዩ ከምዘሻቐለን ገሊጸን ክገልጻ እንከለዋ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ውን ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝዛመድ ዝተኣስሩ ብህጹጽ ክፍትሑ ሓቲቱ ነይሩ።
እንተኾነ ግን ዝተርኣየ ለውጢ ኣይነበረን። የግዳስ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ዘስግኦም ተጋሩ ንቡር መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶም ፈጺሙ ድሩት ክኾን ከምዝገበሮ እቶም ክኢላታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
“ሙቐት እንከሎ ደገ ክንወጽእ ከለና ምናልባሽ ከይንእሰር እሞ ከይንችገር ኢልና ስረ፡ ጃኬት ደሪብና ንወጽእ ነይርና” ይብል ክሩቤል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተወሳኺ’ውን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክ፡ ኢንተርኔትን ባንክን ስለዝተዓጽወ ተወለድቲ ትግራይ ደሃይ ስድርኦምን መቕርባቶምን ንምስማዕ ኮነ ስሩዕ ስርሖም ንምስላጥ ከምዝተጸገሙ ዝሓበረልና ካልእ ክኢላ ድማ መብራህቶም እዩ።
መብራህቶም ኣብ ሓደ መንግስታዊ ኮሌጅ ካብ መምህርነት ክሳብ ምምሕዳራዊ ምክትል ዲን ዝበጽሐን ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካላት’ውን ዝሰርሐን ብዓል ልዑል ተሞክሮ እዩ።
ብሰንኪ ኲናት ትግራይ እቲ ዝሰርሓሉ ፕሮጀክት ደው ምስበለ ስርሑ ከቋረጽ ዝተገደደን ብድሕሪኡ "ብሰንኪ ስሙ" ስራሕ ክረክብ ከምዘይከኣለ ዝገልጽ መብራህቶም እቲ ኩነታት ኣብ ስድርኡን ጸገም ከምዘስዓበ ይዛረብ።
ብፍላይ “ኣነ ብዝልእኸላ ነገር እያ ትመሓደር ነይራ” ዝበለን ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዲኡ ዝርከባሉ ኩነታት ክፈልጥ ዘይምኽኣሉ ተወሳኺ ሻቕሎት ኮይንዎ።
ካብ ስግኣት ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ኣካላዊ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ብተወሳኺ ኣብ ጸገም ዘለዉ ወለዲን ስድራን ክሕግዙ ከምኡ’ውን ደሃይ ክሰምዑ ዘይምኽኣሎም ተወሳኺ ጭንቀት ከምዝኾኖም እቶም ክኢላታት ይሕብሩ።
ካብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ወጺኦም?
መብራህቶም፡ ኣብቲ እዋን ተጋሩ “ብዝተፈላለዩ ናይ ስለላ መሓውር” ካብ ሃገር ንከይወጹ ይእገዱ ወይ ድማ “ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ” ይግደዱ ከምዝነበሩ ይገልጽ።
ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቐሰ ጌትነት ንስልጠና ናብ ዴንማርክ ምስከደ እዩ ብኡ ኣቢሉ ተሪፉ።
ተኣምራት፡ እዋኑ ዘይሓለፈ ቪዛ ኣሜሪካ ነይርዎ። ኣብ ኤርፖርት ኣብ ኣርባዕተ መፈተሺ ነቑጣታት ተታሒዙ’ኳ እንተነበረ በዓል ስልጣን ዘመድ ዘለዋ ሓንቲ መሓዛ ዘመዱ ስለዝሓገዘቶ ግን ክወጽእ ከምዝኸኣለ ይገልጽ።
“መብዛሕትኦም ተጋሩ ናብ ሕክምና ዝኸይድ፡ … ቆጾሮ ዝነበሮ ከይቀረየ ካብ ኢትዮጵያ ከይወጹ ዝኽልከልሉ ግዜ እዩ ነይሩ” ይብል ናይ ካናዳ ቪዛ በጻሕቲ ዝረኸበ ክሩቤል።
ኣብ ኤርፖርት ንሓሙሽተ ሰዓት ብሕቶ ከምዘዋጠርዎ፡ ኮይኑ ግን ዝተጸበዮ ነገር ስለዝነበረ ካብ ሰዓቱ ኣዝዩ ኣቐዲመ ብምኻዱ ኣብ መወዳእታ በረራ ከምዘየምለጦ ይገልጽ።
መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ስደት ዝተርፉዩ ዘለዉ ክኢላታት ካብ መንግስቲ እተን ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም መልሲ እናተጸበዩ ይርከቡ።
‘ስደት መሪጸዮ ኣይኮንኩን’
ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ኢትዮጵያ ዝወጹ ተጋሩ ክኢላታት ስለምንታይ እዮም ስደት መሪጾም ኣብ ዝኸድዎ ዝቐርዩ ዘለዉ?
“ስደት መሪጸዮ ኣይኾንኩን” ኢሉ ብቑጠዐ ዝመለሰልና ክሩቤል እዩ።
ቅድሚ ሕጂ “ዓደይ ይሕሸኒ” ኢሉ ካብ ኣውሮጳ ዝተመለሰ ክሩቤል፡ “ኣብ ዓደይ ክሰርሓሉ ዝኽእል ኩነታት እንተዝህሉ ነይሩ [ኣብዚ] ኣይምቐረኹን” ይብል።
ናብ ኢትዮጵያ እንተተመሊሱ ካብቲ እናገደደ ዝኸይድ፡ ንመንነት መሰረት ዝገበረ ግፍዒ “ከምልጥ ከምዘይክእል” ስለዝተረድኦ ጌትነት ኣብ ዴንማርክ ዕቑባ ሓትቲ።
“ወጺአ ክተርፍ እየ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን” ዝብል ተኣምራት ግን፡ ናፍቖት ደቁን ብዓልቤቱን ምስ በርትዖ ክምለስ ወሲኑ’ኳ እንተነበረ ገዝኡ ፈቲሾም ኣበይ ከምዘሎ ከምዝሓተቱ ምስምዑ ግን “ንከይምለስ ጌይሩኒ። ‘በቃ ኣይዓደይን’ ኢለ ሓሲበ” ይብል።
ወሲኹ’እን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ምሁራን ተጋሩ ይስደዱ ከምዘለዉ ይገልጽ።
“ኣብዚ ዝነብረሉ ከተማ እኳ ልዕሊ 7 ዝፈልጦም ሰባት ረኺበ እየ።”
“ኣብ ዓደይ ክሰርሕ፡ ዓደይ ከገልግል እዩ ነይሩ ድልየተይ” ዝብል መብራህቶም ብወገኑ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ክተርፍ ድሌት ከምዘይነበሮ ይዛረብ።
“ሰባት ብመንነቶም፡ ብመለለይ መንነት እናተለለዩ ክእሰሩ ምስ ጀመሩ ግን ኣዲስ ኣበባ ንተጋሩ ጸልማት እያ ኮይና። ከም ካልእ ኢትዮጵያዊ ከምድልየተይ ተዛሪበ፡ ከም ድልየተይ ሰሪሐ ናብራይ ክመርሕ ኣይክእልን” ይብል።
ወሲኹ'ውን “ቅሳነት ዝበሃል ነገር ኣይነበረንን። ኩሉ ትግራዋይ ኣይነበሮን” ይብል።
ናብራ ስደትን ጽልዋኡን
ምስ መሓዙቱ ተጸጊዑ ዝነብር ዘሎ ተኣምራት፡ “ጽቡቕ ስራሕ ዝነበረኒ፡ ደቀይ ኣብ ጽቡቕ ዘምህር ሓዳረይ ብጽቡቕ ዝመርሕ ዝነበርኩ፡ ሕዚ ገንዘብ እኳ ክሰደላ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት እየ ዘለኹ” ኢሉ ናብራ ስደት ከምዘይጠዓሞ ገሊጹልና።
“ናተይ ክጻወሮ ይኽእል እየ፡ ቤተሰበይ ግን ኣብ ከቢድ ችግር ይግነዩ። ካብ ኣእሩኽተይ እናተወሃቦም ይነብሩ ኣለዉ…ሕማቕ ግዜ የሕልፉ ከምዘለዉ ይርድኣኒ።”
ኩነታት ስድርኡ ክፈልጥ ዘይከኣለ ጌትነት’ውን “ዓብዪ ጭንቀት፡ ዓብዪ ጸገም ፈጢሩለይ’ሎ” ይብል።
“ካብቲ ዝነበርክዎ ጽቡቕ ህይወት፡ ካብቲ ዝለመድክዎ ማሕበራዊ ህይወት፡ ካብቲ ዝለመድክዎ ማሕበረሰብ… ዝለመድካዮም ነገራት ብቕጽበት ክትስእኖም ከለኻ ህይወትካ ሚዝራብል [ስቃይ ተመልኦ] እዩ ዝገብሮ።”
ኣብ ልዕሊ’ዚ ተጸባዪ መንግስቲ ምዃኑ ኣእምሮ ዝትንክፍ’ኳ እንተኾነ ብኣንጻሩ ካብቲ ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን መጥቃዕቲ “ብምምላጠይ ደስ ይብለኒ” ይብል።
“ኣብዚ… ብሰላም ወጺአ ይኣቱ። ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ኣለኒ። ስግኣት ስለዘይብለይ… ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣለኹ ኢለ ክምስክር ይኽእል።”
ክሩቤል ብወገኑ “ትግራዋይ ኮይነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላስ ማለት በቃ ናብ ገሃነመ ነፍሳት ምምላስ ማለት’ኮ እዩ” ይብል።
“መዓልቲ መዓልቲ ኣሰሩኒ እናበልኩ ኣብ ጸሓይ ምድሪ ክልተ ስረ፡ ክልተ ጃኬት ካብ ምግባር ተገላጊለ። ናይ ሕሊና እሱር እየ ነይረ፡ ናይ ሕሊና ነጻነት ረኺበ” ክብል ካብ ስደት ዝረኸቦ ስምዒት ይገልጽ።
“ኣብዚ ዋላ ብዙሕ ነገር እንተቸገረኒ… ትግራዋይ ብምዃነይ ኣይጋፋዕን። ትግራዋይ ብምዃነይ ኣይሳቐይን።”

ምንጪ ስእሊ, ጌትነት ኣጽብሃ
ብኣንጻሩ ግን ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢን ንሃገርን ከገልግሉ ዝኽእሉ ልዑል ስልጠና ዝወሰዱ ክኢላታት ትስእን ከምዘላን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ርኡይ ማሕበራዊ፡ መንግስታውን ቁጠባውን ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእልን እቶም ክኢላታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
መብራህቶም፡ ብቀንዱ ኣገደስቲ ክኢላታት ካብ ሃገር ምውጽኦም “ዓብዪ ጉድኣት ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን” ይብል።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝነበራ ኣዎንታዊ ገጽታ ንክበለሾ ዓብዪ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጽ ድማ ጌትነት’ዩ።
መንግስቲ “ክረኽቦ ዝግባእ ኣታዊ ኣይረክብን ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ቁጠባዊን ማሕበራውን ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንክበላሸ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል።
ብዛዕባ መጻኢ ህይወቶምከ እንታይ ይብሉ?
“ኣብ ኣእምሮይ ዓዲ ዝብል ዝነበረኒ እምነት ክፈርስ ስለዝተገብረ፡ ስለዝቀሃመ ዓደይ ዝብሎ ቦታ የብለይን” ዝብል መብራህቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሰሉ ተኽእሎ ከምዘይረኣዮ እዩ ዝገልጽ።
ኣብቶም ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖሊቲካውን ዲፕሎማሲያውን ምዕባለታት ኢትዮጵያ ዘይነዓቕ እጃም ዘበርከቱ ተወለድቲ ትግራይ “ብመንግስቲ ኾነ ብውልቀሰባት ብዙሕ ግፍዒ” ከምዝወረደ ዝገልጽ ጌትነት ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ድልየት ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
ተኣምራት’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይሓስብን።
ክሩቤል ብወገኑ “ትግራይ ከም ዓዲ ጠጠው እንተይላ ናብ ዓደይ ክምለስ ባህጊ ኣለኒ።…ኣብ ዓደይ ብሰላም ክሰርሕ እንተኽኢለ ንህዝበይለ ንባዕለይለ ክሕግዝ ክምለስ እየ። እዚ እንተዘይኮይኑ ኢትዮጵያ ሃገረይ እያ ኢለ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሰሉ ኩነታት ዘሎ ኣይመስለንን። እንድዒ፡ ንርእዮ” ኢሉና።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ተወለደቲ ትግራይን ዘሎ ርክብ “ብዝተፈላለየ መገዲ ክብተኽ” ከምዝተገብረ ዝኣምን መብራህቶም ድማ “ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ዓዲ ትኾነሉ መንገዲ ዝፍጠር ይመስለኒ” ይብል።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ኲናት ከምዝተወልዐ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ኲናት፡ ዝያዳ ማእሰርቲ፡ ምግፋዕን ስደት ክኢላታትን የስዕብ'ዶ ይኾን ዝብል ስግኣት ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ክዓስል ገይሩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







