ኤርትራ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት 32 ሚልዮን ዶላር ምወላ ተመዲቡላ
![ኣብ ከባቢ ሕርጊጎ [ደቡብ ካብ ባጽዕ] ክኢላ ንሓደ ነባሪ ኣተኻክላ ማንግሩብ እናኣርኣዮ እንከሎ [7 ሕዳር 2007 ዝተሰኣለ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/5faa/live/e092da60-e088-11f0-b67b-690eb873de1b.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባለ [International fund for agricultural Development (IFAD)] ምስ መሳለጥያ ዓለማዊ ከባቢ [Global Environment Facility (GEF)] ብምዃን ኤርትራ ንእትርከበን ሰለስተ ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምምካት ዝሕግዝ ምወላ ክገብር'ዩ።
እተን ሃገራት ኤርትራ፡ ማላዊን ካብ ኣውስትራልያ ንምብራቕ ኣብ ኣዝዩ ምሕዱግ ማእከል ውቅያኖስ እትርከብ ኪሪባቲ እትብሃል ደሴታዊት ሃገርን ኰይነን፡ ነቶም ኣብ ገጠራት እዘን ሃገራት ዝነብሩ ህዝቢ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ከባቢኦም ከልምዑን ካብ ብርሰት ክከላኸሉን ከምኡ ከኣ ናብራኦም ንኸመሓይሹ ዝሕግዝ ምወላ'ዩ ክግበረሎም።
ዓለምለኻዊ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባለ ካብ 15 ክሳዕ 19 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ'ዩ፡ 48.5 ሚልዮን ዶላር ብቐጥታ ካብኡ፡ 80 ሚልዮን ዶላር ከኣ ካብ መሻርኽቱ ገንዘብ ብምስላዕ ነዘን ሰለስተ ንክሊማዊ ለውጢ ዝያዳ ተቓላዕቲ'የን ዝበለን ሃገራት ክድገፍ ወሲኑ።
እዚ ማዕከን ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ኣጀንሲ ኰይኑ ምወላ ብምውህላል ድኽነት ንምንካይ፡ ውሕስነት መግቢ ከምዝህሉ ንምግባር ኣብ ገጠራት ምወላ ዝገብር ትካል'ዩ።
እዚ ኣብ 1978 ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ዝተመስረተ እዚ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝውዕል ትሑት ወለድ ዘለዎ ልዕሊ 25 ቢልዮን ዶላር ምወላታት ከምዝገበረ መዛግብቱ ይሕብር።
እቲ ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ዝግበር ስርሓት ከኣ ብህዝቢ ዝተማእከለን ብተራ ዜጋታት ዝስራሕ ከምዝኸውንን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባለ ዳይረክተር ከባቢ፡ ክሊማን ጾታን ጁዋን ካርሎስ ሞንዴዛ "እዞም ሰለስተ ወፍሪታት ንራእይ እቲ ማዕከን ክሊማ ተጻዋርነት ዘለዎ መጻኢ ዘንጸባርቑ ኰይኖም፡ ገጠራት ማሕበረሰባት ናብ ዝተዋደደ ካብ ብከላ ነጻ ዝዀነ ቍጠባታት ዝሰጋገሩሉ፡ ስነ-ህይወት ናብ ንቡር ዝመልሱሉ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መነባብሮ ዘመሓይሽሉ እዩ ክኸውን" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ኣብ ንኣሽቱ ሓረስቶት፡ ማሕበረሰባት ገማግም ባሕርን ህዝቢ ደሴታትን ዝግበር ወፍሪ ብሓንሳብ ብዙሕነት ህይወት ክከላኸል ይኽእል፡ ብዓቢኡ ከኣ ንክሊማዊ ለውጢ ተጻዋርነት ዘለዎ ንዅሉ ዝሓቁፍ ቍጠባዊ ዕድላት ክኸፍትን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ኤርትራ ነዚ ምውላ እዚ ዝሰሓበትሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝግበረ ዘሎ ናይ ማንግሩቭ ምትካል ሰፊሕ ወፍሪ'ዩ።
እዚ ኣብ ጨዋም ማይ ክበቍል ዝኽእል ማንግሩቭ ዝተበሃለ ገረብ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምክልኻል፡ ብዙሕነት ህይወት ኣብ ምስሳን፡ ብማዕበል ዝፍጠር ፍግረ መሬት ኣብ ምክልኻል ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ።
እዚ ማንግሩቭ ዝተበሃለ ገረብ ኣብ ገማግም ወደባዊት ከተማ ባጽዕ፣ ካብ ባጽዕ ንሰሜንን ንደቡብን ኣብ ዝርከብ ገማግም፡ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ኣብ ሓያለ ገማግምን ደሴታትን ገለ ብተፈጥሮ ገለ ከኣ ብሰብ ተተኺሉ ይርከብ።
ማንግሩቭ ብዘይካ እቲ ከም ዝዀነ ገረብ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምምካት ዘለዎ ተራ፡ እቲ ሱሩን ትሐቲ ማይ ዝርከብ ክፋሉን ዓሳታት ከም መግቢ ዘገልግል'ዩ።
ሃሩር ኣብ ዝብርትዓሉ ከኣ ዓሳታት ኣብ ትሕቲ እቲ ገረብ ብምጽላል ይዕቈቡን ከም መፋረዩ ይጥቀምሉን።
ዓለምለኻዊ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝትከል ዘሎ ማንግሩቭ ንገማግም ባሕሪ ኣገዳሲ ንዝዀነ መነባብሮ ገማግም ባሕርን ክመልስን ክዕቅብን፣ ተጻዋርነት ክሊማ ብ20 ሚእታዊ ከሐይልን 3500 ሄክታር ብማንግሩቭ ከምዝሽፈን ዝገብርን'ዩ ይብል ።
እቲ ንኤርትራ ዝወሃብ 32 ሚልዮን ዶላር ን21 ሽሕን 320 ስድራቤታት ነበርቲ ገማገም ባሕሪ ደሴታትን ተሳተፍቲ እዚ ወፍሪን ብምግባር፡ ንገማግም ባሕሪ ኣብ ምዕቃብን ማንግሩቭ ኣብ ምትካልን ክውዕል ምዃኑ እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ክሪባቲ ናይ 51 ሚልዮን ዶላር ኣብ ማላዊ ከኣ ናይ 32 ሚልዮን ዶላር ምውላ ክግብር ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ኤርትራ ኣብ ታሕተዋይ ጫፍ ምድረ በዳ ሳህራ እትርከብ ሃገር ኰይና፡ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናስፋሕፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ምድረበዳነት ብሰሜንን ምብራቕን እታ ሃገር እናወሰኸ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝባ'ውን እኹል ቀረብ ጸዓት ስለዘይብሉ፡ ንሓዊ ኣግራብ ቈሪጹን ፍሓም ኣፍሒሙን'ዩ ዝጥቀም። እዚ ከኣ ነቲ ምድረ በዳነት ካብ ዘብእስዎ ዘለዉ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዕሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







