ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ንመፍረ ኦክስጅን ዘገልግል ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ ሆስፒታል መንደፈራ ተኺሉ

ምንጪ ስእሊ, APPTECH
ኣብ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ - ኤርትራ ንመፍረ ኦክስጅን ዘንቀሳቕስ ጸሓያዊ ጸዓት ከም ዝተተኽለ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፕቴክ ኣፍሪቃ መትከል ዘርኣይ ሓቢሩ።
እቲ ሆስፒታል ካብ 2003 ክሳዕ 2005 ተሃኒጹ ኣብ 2006 ስርሑ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ካብ መላእ ዞባ ደቡብ ንዝመጽኡ ተሓከምቲ ኣብ ርእሲ ዝህቦ ኣገልግሎት፡ ብፍሉይ ድማ ኣብ ሕክምናታት ፌስቱላን ዓይንን ብደረጃ ሃገር ከም መወከሲ ሆስፒታል የገልግል።
እዚ ብምኒስትሪ ጥዕናን መሻርኽቲ ኣካላትን ተመዊሉ ብኣፕቴክ ኣፍሪቃ ዝተተኽለ ብርሃን ጸሓይ ተጠቒሙ ጸዓት ዘመንጩ ፕሮጀክት፡ 251 ኪሎዋት ጸዓት ዘመንጩን 460.8 ኪሎዋት ንሰዓት ጸዓት ዝዕቅብ ባትሪን ዘለዎ ምዃኑ መትከል ይገልጽ።
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ፋና መፍረ ኦክስጅን ከም ቀንዲ ምንጪ ኦክስጅን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሆስፒታላት፡ ፋብሪካታት መስተ፡ ጋራጃት፡ ኣብያተ ዕዮታት ወዘተ ተጠቀምቱ ምንባረን ይፍለጥ።
ምኒስትሪ ጥዕና ዋሕዲ ቀረብ ኦክስጅን ንምውሓስ ኣብ ከም መወከሲ ኣብያተ ሕክምና እሮታን ምጽዋዕን ከፍሪ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ። እዚ ኣብ መንደፈራ ተተኺሉ ዘሎ ድማ እቲ ሆስፒታል ንዝህቦ ኣገልግሎታት ከዕብዮ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ብኽኢላታት ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ዝተተኽለ ጸሓያዊ ጸዓት፡ "ነቲ መፍረ ኦክስጅን ኣድላዪ እዩ፡" ዝበለ መትከል፡ ብምቍርራጽ ኤለክትሪክ ከይተጸልወ ምሉእ ኣገልግሎት ንኽህብ ከም ዝሕግዝ ይገልጽ።
እቲ ጸሓያዊ ጸዓት፡ "ነቲ መፍረ ኦክስጅን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ነቲ ካልእ ንጥፈታት ናይቲ ሆስፒታል ክሕግዞ ስለ ዝዀነ፡ ገለ ፍሉይ ሕክምና ዝደልዩ ሰባት ናብ ኣስመራ ዝለኣኹ ንዝነበሩ ከጕድሎ እዩ፡" ይብል።
ቀረብ ኦክስጅን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ወሳኒ ተራ እዩ ዘለዎ። ክፍሊ መብጣሕቲ ብዘይ ኦክስጅን ኣይሰርሕን። ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ምክትታል (ICU) ዝኣትዉ ተሓከምቲ፡ ብመንገዲ መካኒካዊ ቨንቲለተራት ሓገዝ ኦክስጅን ይረኽቡ።
ክፍሊ ሕክምና ህጻናትን ቈልዑን መንደፈራ ካብ ኣስመራ ቀጺሉ፡ ቅድሚ መዓልቶም ንዝተወልዱ ኮነ ትሕቲ ሚዛን ንዝተወልዱ ዕሸላት ክንክን ከም ዝህብ ይፍለጥ።
ነዚ ኣገልግሎት ድማ ኦክስጅን ኣዝዩ ኣድላዪ ብምዃኑ፡ እቲ መወከሲ ሆስፒታል ባዕሉ ስለ ዘፍርዮ ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።
ኣካያዲ ስራሕ ኣፕቴክ ኣፍሪቃ መትከል ዘርኣይ፡ ነቲ ዝተኸሉዎ ጸሓያዊ ጸዓት ንሰለስተ ዓመት ከም ዘካይዱዎን ጸገናኡ ከም ዝከታተሉዎን ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ንኽኢላታት ናይቲ ሆስፒታልን ቴክኒካዊ መዳዩ ንዘካይዱዎን ስልጠና ከም ዝሃቡዎም ሓቢሩ።
ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ዝዓዪ ኰይኑ፡ ኣብ 35 ሃገራት ዓለም ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ምምንጫውን ምዝርጋሕ ኤለክትሪክሲቲ፡ ምጭንጓዕ ማይ፡ ምዅዓት ማይ፡ ንመስኖኣዊ ሕርሻ ዘገልግል ጸዓት ወዘተ ዘተግበረ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ ትካላት እዩ።
ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ደቡብ ሱዳን፡ ሰራልዮን፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሶማልያ ወዘተ ጸዓታዊ ጸዓት ከም ዝተኸሉ መትከል ይገልጽ።
እዚ ትካል፡ መሰረቱ ካብ ኤርትራ ዝነቐለ እኳ እንተዀነ ብኸምዚ ደረጃ ኣብ ኤርትራ ንጥፈታቱ ከካይድ ግን እዚ ፕሮጀክት ናይ መጀመርታኡ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







