ወጥሪ ትግራይ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታትን ሻቕሎት ህዝብን

መቐለ

ምንጪ ስእሊ, DT

ኣብ መንጐ መሪሕነት እቲ ክልል ክምዕብል ዝሓገየ ወጥርን ስግኣታት ጸጥታን ንብዙሓት እቲ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ሕሰም ከዘኻኽሮም ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን፡ በቲ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ዝተደፍአ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ምትህልላኽን ንዕኡ ስዒቦም ዝመጽኡ ኲናት፣ ጥሜትን ሞት ሰላማውያን ሰባትን ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ።

ኣብዚ እዋን፡ እቶም ኣብ ክልተ ተገሚዖም ብ'ኣዋጅ ዕልዋ መንግስቲ'ን "ብሄራዊ ክሕደትን" ክካሰሱ ዝጸንሑ መራሕቲ ትግራይ፡ ሓደ ክንፊ ህወሓት ነቲ ካልእ ሕጋዊ ኣፍልጦ ብምኽላእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ "ልዑል ሽበራ" ናብ ዝፈጠረ ምስሕሓብ ኣትዮም ይርከቡ።

ትማሊ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንገለ "ዕግርግር" ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝበሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባር- ሓይልታት ትግራይ ኣጊዱ ኣሎ።

መስመር

ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝወስድዎ ዘለዉ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረደ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብሰሉስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወሙ ሲቪላውያን ጐነጻዊ ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘለዉ'ውን እቲ ፕረዚደንት ከሲሱ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት "ኣብ ዓዲ ጉዶምን ገለ ከባቢታት መቐለን ብዙሓት ተጐዲኦም" ከም ዘለዉ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ግጭት ከይዓረገ እንከሎ ንስጕምቲ ናይቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ደው ከብልዎ ድማ ጸዊዑ።

ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ፕረዚደንት ነበር" ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ እዚ እገዳ ሕጋዊነት ዘይብሉን ተግባራዊ ክኸውን ዘይኽእልን ብምባል ተቓዊሙ።

እዚ ምልልስ ቃላት ሃፈፍ ከይበለ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ረፋድ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ነቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝመርሑዎ ምንቅስቓስ ስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ካብ ቍጽጽር ወፃኢ እቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሸመ ሓላፍነት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይ በዓልቶም ሓድሽ ከንቲባ ድማ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ኣእትዮም ኣለዉ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ዕጡቓትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጥረ መጠናዊ ጐንጺ ከም ዝነበረ ዝተሓበረ ዀይኑ፡ ዛጊድ ዝወረደ ሳዕቤን እንተሎ ክሳብ ሕዚ ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን።

ትማሊ ሓላፊ ጸጥታን ሰላምን እቲ ዞባ ኣቶ ኪዱ ገብረጻድቕ፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ተኣሲሩ ከም ዝወዓለ ይዝከር።

እዚ ፍፃመታት፡ ከይዱ ከይዱ ናበይ ከም ዝወስድ ዘንብበ ዘሎ ህዝቢ ድማ ሻቕሎቱ ሓይሉ ኣሎ።

'ንሽበር ኣለና'

ዕለታዊ መነባብሮ ውቕሮን ከባቢኣን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕለታዊ መነባብሮ ከተማ ውቕሮን ከባቢኣን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ፡ ካብ ዞባታት ማእከልን ምብራቕን ከምኡ'ዉን ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት፡ መራሕቶም ዳግም ናብ ዓዘቕቲ ኲናት ከየእትውዎም ይሰግኡ።

ነበርቲ ከተማታት ዓዲግራት፣ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን፡ ሃለኽቲ ነገራት ብብዝሒ ምዕዳግ፣ ምዝባዕ ዋጋታታ፡ ናይ ስምዒት ምርባሽ ይስትውዓል ከምዘሎ ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ስግኣት፡ ቁጽሪ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ሰባት ክውስኽ ገይሩ ከም ዘሎ'ዉን ይግለጽ።

ኣብርሃም ዝተባህለ መንእሰይ-ነባራይ ከተማ ዓዲግራት፡"ኣርሚ 15 ኮር 151፡ ሚሊሻታትን ተመዛበልቲን" ዝርከቡዎም ኣካላት ንቤት ጽሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ክቈፃፀሩ ብዓይኑ ዝረእየ እዩ።

ኣብታ ከተማ፡ ምሉእ ንምሉእ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ምህላዉ ዝገልጽ ኣብርሃም፡ "ኮማንድ ፖስት ዝተኣወጀ'ዩ ዝመስል፤ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብጣዕሚ ሓያል ዝበሃል ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣሎ፡" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ኵነታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ራዕዲ ከም ዝፈጥረ ብምግላጽ፡ እቶም ዝውሰዱ ዘለዉ ስጕምቲታት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወግዒ ዘፍርሱ'ዮም ኢሉ ከም ዝኣምን ጠቒሱ።

"ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ፌደራል ዝደልዮ ዓይነት ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ፤ እናተኸታተሎ'ውን ቀንዩ እዩ፤ ድሮናት ኣብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ እየን ቀንየን። እዚ ነቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ምፍጣጥ እዩ እናመሰለና ቐንዩ፤ ሕዚ ብዘሎ ወድዓዊ ኵነታት ግን ነቲ ኵነታት ጸጥታ ትግራይ ይከታተል ከም ዘሎ እዩ ዝስምዐና።"

ኣብ ዞባ ማእኸል ዝነብር ሓረስታይ ካሕሳይ ብወገኑ፡ እቶም ህልዊ ምዕባለታት ቅሳነት ከም ዝኸልኡዎ ገሊጹ።

"ስልጣን ብምሃብን ብምሕዳግን" ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ጽሕፈት ወረዳታት ዕግርግር ከም ዝቐነየ ዝገልጽ ኣቶ ካሕሳይ፡ ገለ ሰራሕተኛታት'ዉን ደሞዝ ተኣጊዶም ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ።

እዚኦም ነቲ ምትፍናናት ከዕርጕዎን ዘይምትእምማን ክፈጥሩን ጸኒሖም'ዮም ብምባል፡ ናቱ ስግኣት ዳግም ናብ ኲናት ከይእቶ እዩ።

"ቅድሚ ሕዚ ዝሓለፈ 'ጄኖሳይድ' ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ዕድመ ሰብ ክትሪኦ ዘይግባእ ኢና ርኢና ሓሊፉ። እዚ ሓሊፉ ብዝመጽአ ተዛማዲ ሰላም ፕሪቶሪያ ሕብረተሰብ ጽቡቐ ተስፋ ገይሩ ነይሩ። ካብ ሞትን ካልእን ዝተረፍና ካብዚ ስግኣት ክንድሕን ንጽበ ነይርና። ኲናት ዝደሊ የለን፤ ብሰላማዊ መገዲ ንክውዳእ ኢና ነጻልት ዘለና፡" ኢሉ።

ካልኦት ካብ ከተማ መቐለ ዘዘራረብናዮም ውልቀሰባት ብወገኖም፡ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ንቡር'ኳ እንተሃለወ፡ ስምዒቶም ተረቢሹ ከም ዘሎ ገሊጾም።

ሽማ ከይጥቀስ ዝሓተተትና ነባሪት፡ "ዋላ ሓደ ቃሕ ዝብል ነገር የለን፡ ዋጋ ዕዳጋታት ወሲዅ'ዩ ቀንዩ። ሰብ ኣብ ገጹ ጭንቂ ጥራይ'ዩ ዝንበብ። እዚ ኵነታት ንዓይ ዳግም መውጽእን መእተውን ናብ ዘይብሉ ዕጽዋ ከየእትወና'የ ዝሰግእ፡" ኢላ።

ዓዲግራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልእ ሓድሽ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ፍርሕን ጭንቅን መግለጺ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝዕዘቦ ዘሎ ኵነታት ከም ዝዀነ ብምሕባር፡ "ብውሑድ ኲናት ኣይቐርን ዝብል ስግኣታታት ኣሎ፡" ኢሉ።

ንሱ፡ ነዚ ክሰምዕ እንከሎ ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዝተላዕለ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ ዝፈሸለ ሕልሙ ከም ዘዘኻኽሮ ይገልጽ።

ኣብቲ እዋን፡ ናይ ሚዲያ ስራሕቲ ንምጅማር ካሜራን ካልኦት ናውታትን ዓዲጕ እኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይሰለጦን።

"ሰኣን ሰላም ክሰርሕ ኣይክኣልኵን፡ ሕዚ ነዚ ክሰምዕ ከለዅ ድማ ብጣዕሚ ይሓዝንን ይበሳጮን። ኣብቲ ዕጽዋን ክባን ብዙሕ ነገር ኢና ኣሕሊፍና። ጥምየት፣ ጻምእ፣ ዓፈና ካድረታት ኣሕሊፍና ኢና። ተመሊስና ዲና ናብኡ ንኣቱ ዝብል የስግኣኒ እዩ፡" ኢሉ።

ብዙሓት ደቂ ገዛውቱ ካብታ ከተማ ወጺኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸዱን ገሊኦም ናብ ስደት ማእከላይ ምብራቕ ከም ዘምርሑን'ዉን ይዛረብ።

"ኲናት እንተመጺኡ፡ ካድረታት [ህወሓት] እንታይ ኰይንካ ዘይትጋደል? ውጻእ? ንሕና ብዝተጋደልናዮ ብሰላም ክሰርሕ እየ እንተይልካ ክንርአ ኢና ዝብል ምፍርራሓት እዩ ክመጽአና። ሕዚ ተመሊስና ዲና ናብቲ ብካድረታት ዝበጽሐና ዝነበረ ዓፈና ክንኣቱ? መሓዙተይ ነዚታት ኣሰኪፉዎም ወጺኦም ከይዶም እዮም።"

ፖለቲካዊ መራሕቲ እቲ ክልል፡ ነዚ ኵሉ ሰኸፈታት ክዓቢ ብምግባር ይንቀፉ ኣለዉ፤ ሓላፍነት ዝጐደሎን ዛዕባ ህዝቢ ንጐድኒ ዝበለን ምንቅስቓሳት ይገብሩ ከምዘለዉ እዮም ዝኽሰሱ።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ሕዚ እቲ ክልል ዓውደ ውግእ ክኸዉን የብሉን ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

"ብናይ ባዕልና ጥፍኣት ንምውቃዕ ኢና ተዳሊና ዘለና፤ ሕዚ ብዘለና ቁመና፡ ሓይሊ ሰብ፡ ናይ ሰራዊት ምትዕርራይ ይትረፍ ምስ ሓንቲ ሃገር ምስ ሓንቲ ክልል ክንዋግኣሉ እንኽእል ዕድል የብልናን። ሕብረተሰብና ተዳኺሙ'ዩ። እገለ ክሕግዘኒ ይዀን ዝብል ኣጉል ተስፋ ሒዝካ ናብ ኲናት ኣይእቶን። ንሱ'ዉን እዩ ዋጋ ኣኽፊሉና፤ ነዚታት ገዲፍካ ናብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክእቶ ኣለዎ፡" ክብል ኣብርሃም ርእይቶኡ ሂቡ።

እዚ ውጥጥ ብኸመይ ናብዚ ደረጃ በጺሑ?

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት

ምንጪ ስእሊ, Abraham

እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረዲኤት ክዀኑን ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ደማዊ ጐንጺታት ሓደ ዀይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐኖም ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራን ምስቶም ብረት ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይን እዩ ተወሊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝስዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

እዚ ኲናት፡ ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ውዕል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ'ዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝቘመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ንምቕያር ናብ መንግስቲ ፈደራል ክቐርብ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሕቶ ጕጅለ ደብረጽዮን ከም ዝተነጽገ ዝፍለጥ እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ምግላጾም ይፍለጥ።

እዚ ውሳነ፡ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድማ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ነቲ ሕዚ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ክንፊ ህወሓት ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንከየካይድ ኣጊዱዎ ይርከብ።

ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል ድማ፡ ተፈጻምነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንከይህሉ መራሕቲ እቲ ክልል ይሓልኵ ኣለዉ ብምባል ይኸሱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብ3 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ተማሕጺኑ ከም ዝነበረ ይዝከር።