ኡጋንዳን ሁንዱራስን ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ስደተኛታት ክቕበላ ተሰማሚዐን

ኣብ ጥሪ ካብ ኣመሪካ ተሰጊጎም ኣብ ሁንድራስ ዝዓለቡ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንዝበለቶም ንምጥራዝ ኣብ እትገብሮ ዘላ ምሽብሻብ፡ ሃገራት ኡጋንዳን ሁንድራስን ኣመሪካ ንዝሰጐጎቶም ስደተኛታት ክቕበላ ምስ ኣመሪካ ክልተኣዊ ስምምዓት ከም ዝተፈራረማ መላፍንቲ ቢቢሲ ዝዀነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣረጋጊጹ።

ኡጋንደ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ሕቶ ዕቝባ ዘቐረቡ ቍጽሮም ዘይተገልጸ ኣፍሪቃውያንን እስያውያንን ስደተኛታት ክትቅበል ክትሰማማዕ እንከላ፡ ሁንደራስ ከኣ ስጳኛ ካብ ዝዛረበሉ ኣማኢት ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ክትቅበል ምስ ኣመሪኣ ተማሚዓ ኣላ።

ትራምፕ፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ካብ ኣመሪካ ንዝተጠረዙ ዋላ ዘይዜጋታተን ክቕበላ ንምእማን ክጽዕር ጸኒሑ'ዩ፣ እዚ ስጕምቲ ከኣ ኣካል ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ'ዩ።

ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ናብተን ሃስያ ከውርዳሎም ዝኽእላ ሃገራት ምስዳድ ዘይግቡእ'ዩ ብምባል ነቲ ሓሳብ ክኹንነኦ ጸኒሐን'የን።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኡጋንዳ ዝዀነ ገበን ክሳብ ዘይሃለዎም ዝተጠረዙ ስደተኛታት ክትቅበል ድልውቲ ምህላዋ ምግላጻ ሲቢኤስ ኣቓሊሑ። እንተዀነ ክንደይ ስደተኛታት ክትቕበል ከም እትኽእል ኣየነጸረትን ኣላ።

ሆንዱራስ ምስ ደቆም ዝተሰደዱ ስድራቤታት ሓዊሱ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ስደተኛታት ክትቅበል ተሰማሚዓ እኳ እንተ ነበረት፡ ሰነዳት ግን ተወሳኺ ንምቕባል'ውን ድልውቲ ምህላዋ ይሕብሩ።

ክልቲኦም ስምምዓት ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ኣብ ሓያሎ ሃገራት - ምስተን ኣካታዒ መዝገብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘለወን ሃገራት ከይተረፈ - ዝተጠረዙ ንኽቕበላ ዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ድፍኢት እዩ።

ዛጊት ብውሕዱ ዓሰርተ ዝዀና ሃገራት ካብ ኣመሪካ ዝተጠረዙ ዜጋታተን ዘይኰኑ ሰባት ክቕበላ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቤትጽሕፈት ወጸኢ ጉዳያት ኣመሪካ ምስ ፓራጋይ'ውን ተመሳሳሊ ስምምዕ ፈሪሞም ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ ዋይት ሃውስ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣመሪካ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ንኽቕበላ የእምንወን ከም ዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።

ውሃቢት-ቃል መንግስቲ ርዋንዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ርዋንዳ ኣቐዲማ እቶም ናብኣ ዝጥረዙ፡ ናብ ርዋንዳ መጺኦም ክጣየሱ ድሌት ከም ዘለዎም ከተረጋግጽ ምዃና ኣብሪሃ።

ርዋንዳ ኣቐዲማ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ክትክሰስ ጸኒሓ'ያ። ተወለድቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ኣመሪካ ናብ ርዋንዳ ምስ ዝጥረዙ፡ ርዋንዳ'ውን ናብ ሃገሮም ክትጥርዞምን ንዝኸፈአ ሓደጋ ክቃልዑን ከም ዝኽእሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ስክፍታኦም ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ፓናማን ኮስታሪካን ኣማኢት ካብ ኣመሪካ ዝተጠረዙ ኣፍሪቃውያንን እስያውያንን ስደተኛታት ክቕበላ ምስ ኣመሪካ ምስምመዐን ይዝከር።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንሃገራት ኢኳዶርን ስጳኛ'ውን ካብ ኣመሪካ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ክቕበላ ንምእማነን ይሰርሕ ከም ዘሎ ሲቢኤስ ኣቓሊሑ።

ትራምፕ ንኻልኣይ እብረ ካብ ዝተመረጸሉ ኣትሒዙ፡ ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምጥራዝ ኣበርቲዑ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ኣብ እዋን ጐስጓስ ካብቲ ዝዓበየ ደገፍ ዝረኸበሉ'ውን ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ክሰጕግ ምዃኑ ብምሕባሩ'ዩ።

ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላትን ንስደተኛት ናብ ዘይሃገሮም ምጥራዝ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጥሕስ ዘይሕጋዊ ተግባር'ዩ ብምባል ንስጕምቲ ትራምፕ ብትሪ ክነቕፍዎን ክቃወምዎን ጸኒሖም'ዮም።

ነቐፌታኦምን ተቓውምኦምን ግን ንትራምፕ ዝሓሰቦ ካብ ምግባር ዓዲ ዘውዕሎ ኣይመስልን።