ኲናት ዩክረይን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ኵነታት ኬርሶን ከምዝጸንከረ ተኣሚኑ

ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክረይን፡ እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን ዘሎ ኵነታት ከምዝኸበደ ብምግላጽ ነበርቲ ብቕልጡፍ ከምዝግዕዙ ሓቢሩ፡፡

ሰራዊት ዩክረይን ሮኬት ሂማርስ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ዝገለጸ ጀነራል ሰርገይ ሱሮቪኪን ትሕተ ቕርጽን መንበሪ ኣባይትን እታ ከተማ ይድብድቡ ከምዘለዉ ንተሌቪዥን ሩስያ ተዛሪቡ፡፡

"ቅድሚ ዅሉ ሰራዊት ሩስያ ምግዓዝ ነበርቲ ውሑስ ክገብር እዩ’’ እውን ኢሉ፡፡

እቲ ጀነራል ከበድቲ ጸገማት ከምዘጋጠምዎም ክእመን ዘይተለመደ ኰይኑ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ እውን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂቡ፡፡

ብሩስያ ዝተሸመ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኪሪል ስትሪሞሶቭ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ሓጺር እዋን መጥቃዕቲ ክኸፍቱ እዮም ክብል ነቶም ነበርቲ ኣጠንቂቝ፡፡

ንሱ ኣብ ተሌግራም ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ "በጃዅም ንዘረባይ ብልቢ ውሰድዎ፤ ብዛዕባ ቀልጢፍካ ምግዓዝ እየ ዝዛረብ ዘለኹ" ኢሉ፡፡

ኬርሶን፡ ሰራዊት ሩስያ ወራር ኣብ ዝጀመረሉ ወርሒ ለካቲት ዝተቘጻጸራ ፈላመይቲ ዓባይ ከተማ እያ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሰራዊት ዩክረይን ብሓይልታ ሩስያ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ብቐጻሊ የልቅቕ ቀንዩ።

ኣብ ኬርሶን ናብ ዝርከብ ከባቢ ሩባ ዲኒፐር ኣስታት 30 ኪሜ ደፊኡ ብምእታዉ ድማ ሰራዊት ሩስያ ከይቍረጽ ሰጊኡ ኣሎ፡፡

ጀነራል ሱሪቪኪን፡ "ኣብቲ ፍሉይ ወፍሪ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ፡ ብሓፈሻ ኵነታት ከቢድ እዩ ኢልካ ምግላጽ ይከኣል" ኢሉ፡፡

ሩስያ ኬርሶን ሓዊሱ ሰለስተ ዞባታት ሩስያ ናብ ግዝኣታ ከምዝጠቕለለተን ዝገለጸት ኰይና፡ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ኣይተቐበሎን፡፡

መጠን ናይቲ ሩስያ ካብ ኬርሶን ክተግዕዞ ወጢና ዘላ ህዝቢ ዘይተፈለጠ'ኳ እንተዀነ፡ እታ ሃገር ነበርቲ ገዛኦም ገዲፎም ክወጹ እንድሕር ኣገዲዳ ግን ብመሰረት ስምምዕ ሕቡራት ሃገር ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሩስያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣሽሓት ነበርቲ ማርዩፖል ናብ ግዝኣታ ወሲዳቶም ክትብል ከሲሳ ነይራ፡፡

ታሕተዋይ ባይቶ ሩስያ ትማሊ ኣብ ምግዓዝ ነበር ኬርሶን ኣምልኪቱ ከምዝተዘራረበ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ነቶም ዝግዕዙ ሰባት ናይ መንበርን ገንዘብን ሓገዝ ከምዝግበረሎም ሰብመዚ ሩስያ ገሊጾም፡፡