ሓሙሽተ 'መሃዝቲ ከተማታት' ዓለም ኣየኖት'የን? ኣብአን ምንባር ከ እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እዋን፡ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ-ብልሒ [AI] ይዓብን ይሰፍሕን ኣሎ።
ባዕለን ዝዝውራ መካይንን ብዋይፋይ ዝተኣሳሰሩ መሳርሒታትን ይበዝሑ ኣለው። እዚ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ብማዕረ ተበጻሒ ዝዀነ ምዕባለ ኣይኰነን።
ገለ ሃገራት ግን ንነበርትን በጻሕትን ብማዕረ ዝጠቅም ምዕቡል ቴክኖሎጂታት ብምምዕባል ይፍለጣ።
ኣብተን ኣብዞም መዳያት ዝለዓለ ጽልዋ ዘሕድራ ሃገራት ዘሎ ኵነታት ንምፍላጥ፡ ውድብ መሰል ዋንነት ዓለም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ 2024 ዓለማዊ ምህዞ መዐቀኒ ኣውጺኡ ነይሩ።
ብመሰረት ስርዓተ ትምህርቲ፡ ትሕተ ቅርጺ ቴክኖሎጂን ምፍጣር ፍልጠትን ክኣ 130 ሃገራት ኣጽኒዑ።
ብዓለምለኻዊ መዐቀኒ ምህዞ፡ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደንን ኣመሪካን ዝርከባአን ዓሰርተ ሃገራት፡ ሕምብርቲ መሃዝቲ 2024 ኰይነን ተሰሪዐን ኣለዋ።
ኣብዘን ሃገራት ዝነብሩን ዝበጽሑን ሰባት፡ ኣዝዮም ምዕቡላት ቴክኖሎጂያዊ ምህዞታት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ከም ዝጥቀሙሎም ይፍለጥ።
ኣብ ገለ ካብተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ቍጠባዊ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት፡ ምህዞታት ብኸመይ ንመዓልታዊ ህይወት ከም ዝጠቅም ንምፍላጥ ክኣ ቢቢሲ ንነበርትን ብተደጋጋሚ ንዝጕዓዙን ሰባት ኣዘራሪቡ።
ንሳቶም ድማ ቴክኖሎጂብኸመይ ብዝበለጸ ክትምሃሮ ከም እትኽእልን ቴክኖሎጂ ዝተመሓየሸሉ መገድታትን ዝምልከት ምኽርታቶም ኣካፊሎም።
ስዊዘርላንድ
እዛ ንእሽቶ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ጸብለልታ ከተርኢ እያ ጸኒሓ።
ብስማርት ሲቲ ከምኡ'ውን ምቹእነት ምንባር ንምርግጋጽ ዝወሃብ ደረጃ ተቘጻጺራቶ ኣላ።
ስለዚ ምናልባት እዛ ሃገር ኣብዚ ዓመት ብምህዞ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ምቕማጣ ዘገርም ኣይከውንን።
ስዊዘርላንድ፡ ኣብ 2024 ንመበል 14 ተኸታታሊ ዓመታት እያ ነዚ ደረጃ ዓቂባቶ።
ኣብ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን እተርእዮ ዘላ መሪሕነት (ብከም መሰል ዋንነት፡ ዋጋ ኩባንያ ቴክኖሎጂን ሰደድ ደረጃኦም ዝሓለው ቴክኖሎጂታት ዝዕቀን) ነዚ ኣበርክቶ ገይሩ።
ከምኡ'ውን ፈጠራዊ ውጽኢት (ብኸም ምህዞ መተግበሪታት ሞባይልን ንግድን ዝዕቀን) ጸብለልታ ኣለዋ።
ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኢንዱስትሪ ምርምር፣ ምትሕብባር ምዕባለን መሰል ዋንነትን ዝለዓለ ጸብለልታ ኣለዋ።
"ስዊዘርላንድ ኣብ ምህዞ ልዑል ትዅረት ዝገበረት ኰይና፡ ባህሊ ደገፍን ምህዞን እያ ተዕቢ" ትብል ነባሪት ዙሪክ ሮዛሙንድ ቴል።
መስራቲት 'ግሎው ኮንሰርጅ' ዝተባህለ ትካል ዝዀነት ሮዛሙንድ፡ "ህጻናት፡ ካብ ንእስነቶም ጀሚሩ ኣብ ፍታሕ ዘተኰረ ናይ ስራሕ ስነ-ምግባር ከማዕብሉ እዩ ዝግበር። እዚ ድማ ሰባት ናይ ሓባር ጸገማት ንምፍታሕን ብሓፈሻ ንህዝቢ ንምሕጋዝን ክሰርሑ ይገብሮም" ኢላ።
ከም መጠን መሃዚት ስራሕ፡ ስዊዘርላንድ ሕጽረት ዕድላት ንግዲን ጸጋታትን ከም ዘይብላ ትገልጽ።
"ስርሐይ ክጅምር እንከለኹ፡ ሓያለ ምንጪታት ምወላ ከምኡ'ውን ንጀመርቲ ዘተባብዑ ትካላት ነይሮም" ብምባል መንግስቲ ንግዲ ክጅምሩ ንዝደልዩ ሰባት በቢደረጃኡ ምኽርን ጸጋታትን ከም ዝህቦም፤ እቲ ምኽሪ ድማ ብፍሉይ ንዜጋታት ወጻኢ ትዅረት ዝገበረ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብተደጋጋሚ ዝጓዓዙ ሰባት እውን ዝተፈላለዩ ምህዞታት ህይወቶም ኣዝዩ ዝቐለለ ክኸውን ከም ዝሕግዝዎም ይዛረቡ።
ጋዜጠኛ ጕዕዞ ሲሞን ሃርቪን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ተጓዒዛ፤ ህዝባዊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ፍሉይ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ኰይኑ ረኺባቶ።
"SBB [ሃገራዊ መገዲ ባቡር ስዊዘርላንድ] ዝበሃል መተግበሪ ምስ ዝተፈላለዩ ኣገባባት መጓዓዝያ እታ ሃገር - ባቡራት፡ ኣውቶቡሳት፡ መካይን - ክራኸብን ካብ ሓንቲ ከተማ ናብታ እትቕጽል ከተማ ዝገብሮ ጕዕዞ ብቐሊሉ ክውጥንን ኣኽኢሉኒ" ትብል።
እዚ መተግበሪ፡ ገዛ ንገዛ ንዝወሃብ ኣገልግሎት ምብጻሕ ባልጃታት'ውን ክትጥቀመሉ ትኽእል።
"ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ኣብ እትገብሮ ጕዕዞ፡ ጕዕዞኻ ብቐሊሉ ከተውጽእን ከተእቱን ምኽኣልን ኣገልግሎት ባቡር ስዊዘርላንድ ብዝበለጸ ክትጥቀመሉ ዘኽእል ብሉጽ መገዲ'ዩ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓለምለኻዊ ደረጃ ምህዞ 2024
1. ስዊዘርላንድ
2. ሽወደን
3. ኣመሪካ
4. ሲንጋፖር
5. ብሪጣንያ
6. ሪፐብሊክ ኮሪያ
7. ፊንላንድ
8. ኔዘርላንድስ
9. ጀርመን
10. ዴንማርክ

ሽወደን
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ፤ ብፍላይ ኣብ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ-ብልሒን ኢንዱስትሪታት መካይንን ጸብለልታ ኣለዋ።
ኣብ ትሕተ ቅርጽን ዝተራቐቐ ንግድን ሓለፋ ከተርኢ እንከላ፡ ኣብ ፍልጠትን ውጽኢት ቴክኖሎጅን'ውን ልዑል ደረጃ ረኺባ።
ርእሰ ከተማ ሽወደን ዝዀነት ስቶክሆልም፡ ከም ስፖቲፋይን ክላርናን ዝኣመሰሉ ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብ ምትብባዕ ብዘመዝገበቶ ዓወት፡ ሓሓሊፉ፡ "ማእከል ፋብሪካ" ተባሂላ ከም እትጽዋዕ መስራቲ ኩባንያ ኤኣይ ኮግኒክ ዳንኤል ላንግኪልደ ገሊጹ።
ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ጉተንበርግ ምብጻሕ ክኣ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መንፈስ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ከተድንቕ ከም ዝድርኸካ ይዛረብ።
"ኣብዚ ብምንባር፡ ብቐጻሊ በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ናይ ምህዞ መንፈስ እየ ዝተባባዕ። ስርዓተ ማሕድሮ ምህዞ ሽወደን ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ልዑል እጃም ኣለዎ" ብምባል፡ እታ ከተማ ከም ቮልቮን ማእከላት መጽናዕቲ ኤኣይን ዝርከበላ ብምዃኑ፡ እዚ ድማ ናብ መንፈስ ፈጠራን ምትሕብባርን ከም ዝመርሕ ሓቢሩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ ቴክኖሎጂ ንሽሙ ጥራይ ኣይኰነን ዝምዕብል ዘሎ።
"ኣብዚ ብዛዕባ ምህዞ ጐሊሑ ዝረአ ነገር እንተሃልዩ፡ ምስቲ እምነ ኵርናዕ ባህሊ ሽወደን ዝዀነ ዘላቕነት ዝተወሃሃደ ምዃኑ'ዩ። ካብ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ክሳብ ፍታሕ ስማርት ከተማታት [ካብ ምሕደራ ጐሓፍ ክሳብ ትልሚ ከተማ] ሽወደን ንገስጋስ ጥራይ ዘይኰነትስ ንህይወት ዝሓሸን ዘላቕን ኣብ ምግባር እያ እተተኩር" ኢሉ።
ናይዚ መቐረት ንምጥዕዓም ክኣ፡ ሰባት ኣብ ዙርያ ኤኣይ ትዅረት ዝገበረ ማእከል ምህዞ ምንቅስቓስን ሓምላይ ቴክኖሎጅን ሊንድሆልመን ሳይንስ ፓርክ ክበጽሑ ይመክር።
ኣብዚ ከባቢ 'ቪኣር' [ቨርቹዋል ሪያሊቲ] ኣብ ትምህርቲ ከመይ ጌርካ ትጥቀመሉ ዝብሉ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝካየደሉ ኰይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ መግብታትን ሆቴላትን'ውን ይርከብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ
ከም ጕግል፡ ኣፕልን ሜታን ዝኣመሰሉ ኵባንያታት ቴክኖሎጂ ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈቶም ኣብ ካሊፎርንያ፡ ስሊከን ቫሊ እዩ።
ስሊከን ቫሊ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዓለም ወሳኒ ተራ ክትዋሳእ ጸኒሓ እያ።
ብመሰረት እቲ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘት ኰይና፡ ብዕዳጋ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ካብ ኵለን ሃገራት ዝለዓለ ደረጃ ትሕዝ።
ኣብ ንግዳዊ ምዕባለ ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።
ብተወሳኺ ብናይ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን መሰል ዋንነትን መመልከቲታት ንግድን ኣብ ላዕለዎት ደረጃታት ትስራዕ።
እዚ ንከም በዓል ሪቻርድ ሮቢንስ ዝኣመሰሉ ሰብ ሃብቲ ዘገርም ኣይኰነን፤ ንሱ መንፈስ ምህዞ ኣመሪካ ክትምስረት እንከላ ኣትሒዙ ዝበቘለ ምዃኑ ይዛረብ።
"ንዓይ ጀጋኑ ካብ ዝዀኑ ሓደ ቤንጃሚን ፍራንክሊን፡ ንኣተሓሳስባ ኣብ መንግስቲ ምምሕያሽ ኣብ ምግባርን ንሕብረተሰብ ዝጠቅም ቴክኖሎጂ ኣብ ምምዕባልን ትዅረት ዝገበሩ መስረትቲ ኣመሪካ ኣጸቢቑ ዝውክል'ዩ" ይብል ወናኒ ዘ ቴክኖሎጂ ቮልት ሮቢንስ።
"ኣመሪካ ኣብ ተመኵሮ ዝተመርኰሰ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል ንቕድሚት ዝስጕም ኣተሓሳስባ ዝተሃንጸ'ዩ።"
ስሊከን ቫሊ፡ ኣብ ምህዞ ኣገዳሲት ከተማ ኰይና ክትቅጽል እንከላ (ብፍላይ ምስ ዓበይቲ ምርምር ዘካይድ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ብዘለዋ ቅርበት)፡ ኣብ ኒውዮርክ ዘሎ ስሊከን ኣለይ ወይ ኣብ ሲያትል ዝርከብ ክላውድ ሲቲ ካብ ፔሎተን ክሳብ ኣማዞን ዝርከቡ ዕውታት ኵባንያታት ቴክኖሎጂ ዝሓዛ ካልኦት ዞባዊ ማእከላት'ውን ተፈጢረን እየን።
ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት - ኣብ ኦስቲን፡ ቴክሳስ፡ ሎስ ኣንጀለስን ሳንፍራንሲስኮን ሓዊሱ - መራሒ መኪና ዘይብለን መካይን እንተርኢዅም ኣይግረምኩም።
ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኩባንያታት ባዕለን ዝዝውራ መካይን ዝዀነ 'ዋይሞ'፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ንምብጻሕ ብዘይ መራሒ መኪና ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ካሜራታት ጥራይ ብምጥቃም ኣገልግሎት ብምሃብ ልክዕ ከም ኡበር ክምጐሱ ካብ ዝኽእሉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሪጣንያ
ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ዘተሰርዐት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዕዳጋ ምዕቡልን ፈጠራዊ ውጽኢትን (ብሓፈሻ ሳልሳይ ደረጃ ትሕዝ) ከምኡ'ውን ኣብ ውጽኢት ፍልጠትን ቴክኖሎጅን (ብሓፈሻ ሓሙሻይ ደረጃ) ልዑል ነጥቢ ኣመዝጊባ።
ኣብታ ሃገር፡ ቴክኖሎጂያዊ ምህዞታት፡ መዓልታዊ ህይወት ዜጋታትን በጻሕቲ ዓዲን ኣዝዩ ዝቐለለ ክኸውን ሓጊዞም'ዮም።
ብዙሓት ነበርቲ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስርዓት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብቐሊሉ ክጥቀም ዘኽእል 'ኦይስተር ካርድ' ዝተባህለ ስርዓት ብኣብነት ይጠቕሱ።
"እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ካብተን ጽዑቓት ከተማታት ዓለም ዝዀነት ለንደን ዘሎ ህይወት ኣዝዩ ቀሊል ገይርዎ" ትብል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ብሎገር ጕዕዞ ጁሊና ኤክስፕሎርስ ጃስቲን ባግሪ።
"ሪጋ ምጽባይ፡ መዓልታዊ ትኬት ንምግዛእ (ገንዘብ ንምቝጣብ) ከይትጽገም ስክፍታ ከም ዘይህሉ ገይሩ።"
ኣካያዲት ኣብ ለንደን ዝርከብ ትካል ምሕደራ ጐሓፍ 'ዌስት ዳይረክት' ኢቪ ግራሃም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ውጥን ኣተኣኻኽባ ጐሓፍ ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ ክምራሕ ዝገብር ስርዓት ግብራዊ ገይራ።
"እዚ ፍሉይ ኣገባብ ብሪጣንያ'ዩ፤ በጻሕቲ ነዚ ቴክኖሎጂ ኣብ መላእ ለንደን ክርእይዎ ይኽእሉ" ኢላ።
ሓደ ካብቶም ሓደስቲ ማእከላት ምህዞታት ለንደን 'ሂር ኢስት' [Here East] እዩ፤ እዚ ብቐንዱ ንኦሎምፒክ ለንደን 2012 ዝተሃንጸ ኰይኑ ሕጂ ጀመርቲ ትካላት፡ ቀዳሞት ኩባንያታት ምህዞን ዩኒቨርሲቲታትን ይርከብሉ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ሰባት ስልጠናታት 'ቨርቹዋል ሪያሊቲ' ዝርከብሎም ዋዕላታት ይካየዱ፤ እንዳ ቡንን ካልኦት መዘናግዒ ቦታታትን'ውን ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኮርያ
ኣብ ኤስያ እትመርሕ ደቡብ ኮርያ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ሻድሻይ ተሰሪዓ ኣላ።
ኣብ ሰብኣዊ ርእሰማልን ምርምርን ዝለዓለ ደረጃ ብምሓዛ ፍልይቲ ኰይና፡ ኣብ ፈጠራዊ ውጽኢት ካልኣይ ደረጃ ትሕዝ።
ከም ሳምሰንግን ኤልጂን ዝኣመሰሉ መሃዝቲ ቴክኖሎጂ ከምኡ'ውን ኣፍረይቲ መካይን ኪያን ሃይንዳይን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት መሃዝቲ ይርከቡላ።
ኣብ ቀረባ እዋን'ውን ኣብ ሰእነ ማሕድሮ ጀመርቲ ኩባንያታት ዝያዳ ወፍሪ ክትገብር ጀሚራ ኣላ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ 2023 ጀመርቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ኮርያ ብምኽፋት፡ ዓለምለኻውያን ሰብ ሃብቲ ኣብታ ሃገር ብቐሊሉ ንኽሰርሑ ዝሕግዝ ሓድሽ ቪዛ ኣተኣታትዩ'ዩ።
ቴክኖሎጂ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዜጋታትን በጻሕቲ ዓድን ዝጻወቶ እጃም እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
ተመራማሪት ኤኣይ ኤለ ፋረል-ኪንግስሊ ንስራሕ ናብ ደቡብ ኮርያ ብብዝሒ ትገይሽ፤
"ሓደ ካብቲ ዝፈተኹዎ ነገር ኣብ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ኮርያ ብኤኣይ ዝሕገዝ ሮቦት ኣሎ። እዚ ኣብ ጐኒ እቲ ዑደት ዝገብር ዘሎ ሰብ ኰይኑ በጻሕቲ ኣብቲ ቤተ መዘክር ንኽንቀሳቐሱ ንምሕጋዝ ቴክኖሎጂ ምልላይ ዘረባ ይጥቀም፤ ቻይና፡ እንግሊዘኛ፡ ጃፓን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ቋንቋታት ይዛረብን ዘረባ ሰባት የለልን። ምስማዕ ንዝተስኣኖም ክኣ ናይ ምልክት ቋንቋ ይጥቀም" ትብል።
ብዘይካዚ፡ ተርጐምቲ ሰዓታት'ውን ኣስተብሂላ።
"ሰባት ናብቲ ኣብ ጕንቦ ኢዶም ዝኣሰርዎ ሰዓት ሕሹኽ ይብሉ ነይሮም፤ እዚ ድማ ነቲ ሕቶ ይትርጕሞ እሞ ብቋንቋ እንግሊዝኛ እንታይ ክብሉ ከም ዘለዎም ንምፍላጥ ይሕግዞም" ኢላ።
ርእሰ ከተማ ኮርያ ሴኡል ብቴክኖሎጂ ንቕድሚት ዝተወንጨፈት ኰይና፡ እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ቡሳን ግን ኣብ ትሕተ ቅርጺ ስማርት ከተማን ምህዞ ቴክኖሎጂን ትዅረት ዝገበረት እያ።
ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ "ሳንፍራንሲስኮ ደቡብ ኮርያ" ዝብል ሳጓ ተዋሂቡዋ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን እታ ከተማ ኣብ 2027፡ ተበግሶታት ዘላቒ መነባብሮ ከተማ ንምፍጣር ₩150 ቢልዮን (84.5 ሚልዮን ፓውንድ) ወፍሪ ብምግባር ናይ 15 ደቓይቕ ከተማ ክትከውን ትሕልን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







