ቓዛ፡ ሮኬት ሓማስ ስለስተ ወተሃደራት እስራኤል ቀቲሉ

ካብ ወሽመጥ ቓዛ ብዝተተኰሰ ሮኬት ሓማስ፡ ስለስተ ወተሃደራት እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ፡ እስራኤል ን ኣፍደገ ከረም-ሻሎም ከም ዝዓጸወቶ ኣፍሊጣ።

እስራኤል ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተደራት ክቐትል እንከሎ ሓያለ ኣቝሲሉ።

እቲ ሕጂ ተዓጽዩ ዘሎ ኣፍደገ፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መግቢን መድሃኒትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኣትወሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ ሸምገልቲ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ምባልን፡ ነቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕን ዝዓለመ ስምምዕ ንምርግጋጽ ናይ ክልተ መዓልታት ዝርርብ ከካይዱ ቀንዮም።

ሓማስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዙርያ ዘተ ትማሊ ሰንበት ከምዝተዛዘመን፡ ልኡኻቱ ድማ ንኣድላዪ ምምኽኻር ካብ ካይሮ ናብ ቐጠር ብምኻድ ምስ መራሕቲ እቲ ጕጅለ ክላዘቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ጻዕርታት ሽምግልና ክሳተፍ ዝቐነየ ሓላፊ ሲኣይኤ ዊልያም በርንስ’ውን፡ ንኣድላዪ ምዝርራብ ብዝብል ካብ ካይሮ ናብ ዶውሓ ኣቕኒዑ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

እቲ እማመ ደው ምባል ተዅሲ፡ ን 40 መዓልታት ጸኒዑ ዝጸንሕ ኰይኑ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዘለዉ ሓያለ ፍልስጤማውያን እሱራት ድማ ክልቀቝን ዘጠቓልል ምዃኑ ይንገር።

ሓማስ ነዚ እማመ ብ"ኣወንታዊ ዓይኒ" ከምዝርእዮ’ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ቀንዲ ኣካራኻሪ ኰይኑ ዘሎ ነጥቢ ግን፡ እቲ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ ቀዋሚ ድዩ ግዝያዊ ክኸውን ኣብ ዝብል እዩ።

ሓማስ፡ እቲ ሕጂ ዝትግበር ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ናብ ምዝዛም እቲ ኲናት ዝመርሕ ምዃኑ መረጋገጺ ክረክብ ዝጽዕር ዘሎ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ግን ነዚ ብሰንበት ነጺግዎ እዩ።

ንሱ፡ "መንግስቲ እስራኤል ንጠለባት ሓማስ ክቕበሎ ኣይክእልን እዩ፤ በራጊድ ሓማስ ካብ ድፋዓት ወጺአን፡ ዳግማይ ንቓዛ ተቘጻጺረን፡ ወተሃደራዊ ትሕተ-ቅርጻተን ዳግማይ ክሃንጻ፡ ዳግማይ ስግኣት እቶም ኣብ ደቡባዊ ኣኽራናት እስራኤል ዝኣትዉ ዘለዉ ሰፋሮ ዝዀናሉ ኵነታት ክንቅበል ድሉዋት ኣይኰንናን፡" ኢሉ።

"እዚ ንሃገረ እስራኤል ሕማቕ ስዕረት ክኸውን'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ኲናት ዝጀመረ፡ ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023፡ ብዝተዋደደን ብዝተራቐቐን መንገዲ ዶብ ቓዛ ሰጊሮም ናብ እስራኤል ብምእታዉ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ልዕሊ 250 ጅሆ ድሕሪ ምሓዞምን እዩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል፡ ልዕሊ 34,600 ፍልስጤማውያን ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 77,900 ድማ ቆሲሎም ከምዘለዉ ይንገር።

በንያሚን ነታንያሁ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ክሕነየሉ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ እትርከብ ከተማ ራፋሕ ከተግብር ካብቶም መላፍንቱ ዝዀኑ ሕሉፋት የማናውያን ከቢድ ጸቕጢ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ኣብ ራፋሕ፡ ካብ ሰሜናውን ማእከላይን ክፋላት ቓዛ ሃዲሞም ዝተዓቝቡ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ሰባት ኣለዉ።

ኣሜሪካ፡ ንዝተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ንምክልኻል ዘኽእል ዘተኣማምን ውጥን ክቐርብ ብምሕታት፡ ነቲ ገዚፍ ሰብኣዊ ክሳራ ሲቪላት ከስዕብ ዝኽእል ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ክትድግፍ ፍቓደኛ ከምዘይኰነት ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

መንግስቲ እስራኤል ካብ ውሽጢ ሃገር እውን ከቢድ ጸቕጢ የጋጥሞ ኣሎ።

ካብቶም ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ 252 ሰባት፡ እቶም 128 ክሳብ ሕጂ ኵነታቶም ኣይፍለጥን። ካብዚኦም ድማ ብውሕዱ 34 ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ኣልቐሳም ብርጌድ፡ ነዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ኣፍደገ ከረም ሻሎም ከም ዘካየዶን፡ ብሓጺር ርሕቀት ሮኬታት ንወተሃደራት ዒላማ ከም ዝገበረን ይገልጽ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ካብ ከረም ሻሎም ኣስታት 3.6 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ጥቓ መሳገሪ ራፋሕ ካብ ዝርከብ ከባቢታት 10 ሮኬታት ከምዝተተኮሱ ሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት ወሲኹ፡ 350 ሜትሮ ጥራይ ካብ መዕቈቢ ሲቪላውያን ርሒቝ ካብ ዝነበረ ቦታ ኣብ ዝተደኰነ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝተተኰሰ ብምግላጽ፡ ከምዘዕነዎ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ "ካልእ ንጹር ኣብነት ናይቲ ግብረሽበራዊ ጕጅለ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓማስ ንሰብኣዊ መሳለጥያታትን ቦታታትን ብስርዓት ምምዝማዙን፡ ንሲቪላዊ ህዝቢ ቓዛ ከም ሰብኣዊ ድፋዕ ብቐጻሊ ይጥቀም ምህላዉን መርኣያ እዩ፡ ኢሉ።

ዝርርብ ተዅሲ ደው ምባል ንኣዋርሕ ብዘይ ኣድማዒ ውጽኢት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ካብ ድሕሪ ሕዳር ጀሚሩ ዝዀነ ምቍራጽ ተዅሲን ምፍታሕ ምሩኻት ኣይተራእየን።