ኣሜሪካ ‘ፍሉይ ልግሲ’ እስራኤል ንሓማስ ዝበለቶ ሓድሽ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ እንታይ እዩ?

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ነቲ ንሱ "ፍሉይ ልግሲ" ዝበሎ እስራኤል ዘቕረበቶ ዕድመ ምቍራጽ ተዅስን ምፍታሕ ጅሆታትን ብሓማስ ተቐባልነት ክረክብ ተስፋ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ነዚ ዝገለጸ ልኡኽ ሓማስ ምስ ካብ ግብጽን ቐጠርን ዝመጽኡ መንጐኛታት ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ እማመ ኣብ ዝዝትየሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጥንቃቐ ዝተሓወሶ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጹ።

እቲ እማመ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት እንተተለቒቘም ን40 መዓልታት ምቍራጽ ተዅሲ ክህሉ ዝገብር ከምኡ’ውን ተመዛበልቲ ስድራቤታት ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ንኽምለሱ ተኽእሎታት ዘጠቓልል እዩ።

ብተወሳኺ ብወገን ሓማስ ንዘሎ ብቐዋምነት ተዅሲ ደው ናይ ምባል ጠለብ ንምምላእ ዝህሉ ኣማራጺ መገዲታት ዘካተተ ምዃኑ ይግለጽ።

ልኡኽ ሓማስ ካብ ካይሮ ከምዝኸደን ነቲ እማመ ብጽሑፍ መልሲ ሒዙ ከምዝምለስን ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዋ ተሌቪዥን ግብጺ ኣልቓሂራ ኣቃሊሓ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሕ ካብ ዓለምለኻውያን መሻርኽቱን ስድራቤት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙን ዝበጽሖ ጸቕጢ እናሓየለ ምምጽኡ ይፍለጥ።

ኣብ ሕዳር ተበጺሑ ንዝነበረ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ተዅሲ ደው ምባልን ምፍታሕ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝጸንሑ 240 ፍልስጤማውያንን ስዒቡ ሓማስ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ነቶም 105 ብነጻ ኣፋንዩ።

ካብ ግብጺ፡ ቐጠርን ኣመሪካን ዝተወከሉ መንጐኛታት ካልእ ምቝራጽ ተዅሲ ዘረጋግጽን እቶም እስራኤል ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ኣለዉ ዝበለቶም 133 ጅሆታት [እንተወሓደ 30 ካብኣቶም ሞይቶም ተባሂሎም ዝግመቱ] ንኽፍትሑን ዘኽእል ሓድሽ ስምምዕ ንምድላው ንሰሙናት ክጽዕሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሓማስ ነቲ እስራኤል ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራጽ ተኹሲ ክህሉ፡ 40 ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያን ወይ ሕሙማት ጅሆታት ከኣ ምስ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ንምልዋጥ ዘቕረበቶ እማመ ከምዝነጸጐ ይዝከር።

ሓማስ፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእን ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ናብ መረበቶም ክምለሱን ዘኽእል ቀዋሚ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ኣብ ዘቕረቦ ጠለባት ጸኒዑ ከምዘሎ ይገልጽ።

እቲ ኣብ ካይሮ ንዝተኻየደ ዝርርብ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ካብ እስራኤል ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ዕድመ ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ ተዛሪቡ’ሎ።

መርበብ ዜና ኣክሲዮስ ንሰበስልጣን እስራኤል ብምጥቃስ ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ እቲ ሓድሽ እማመ ሰላማውያን ሰባት ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ክምለሱን ሰራዊት እስራኤል ካብ ምብራቓውን ምዕራባውን ኮሪደራት ንኽወጽኡን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣመልኪታ።

ብኻልእ ወገን ሰበስልጣን እስራኤልን ሓደ ዲፕሎማትን ንኒውዮርክ ታይምስን ፋይናንሻል ታይምስን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝፍትሑ ጅሆታት ካብ 40 ናብ 33 ንምውራድ እውን ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም።

ሓማስ ነቲ ሓድሽ እማመ እስራኤል የጽንዕ ከምዘሎ ጥራይ'ኳ እንተገለጸ፡ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ግን ብሰንበት ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ሓደስቲ ካብ ወገን እስራኤል ዝነቕሉ ዕንቅፋታት እንተዘይሃልዮም እቲ ሃዋሁ ኣወንታዊ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ብሊንከን እውን ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዓለምለኻዊ ፎረም ቍጠባ ኣብቲ ሓድሽ እማመ ተስፋ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

"ሓማስ ካብ ወገን እስራኤል ዝቐረበሉ ፍሉይ ልግሲ ዝዀነ እማመ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ። ኣብዚ ህሞት'ዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ ቓዛን ምቍራጽ ተዅሲን ደው ኢሉ ዘሎ ሓማስ ጥራይ'ዩ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "ክውስኑ ኣለዎም፤ ቀልጢፎም ክውስኑ ይግባእ። ቅኑዕ ውሳነ ክወስዱ ድማ ተስፋ እገብር" ክብል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ሃገሩ ምስ ቐጠር ኣብ ሽምግልና እስራኤልን ሓማስን ትሳተፍ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ'ውን "ተስፋ ከምዘለዎ" ተዛሪቡ’ሎ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብታ ዝተረፋ ቦጦሎኒታትን መራሕትን ሓማስ ከምዝርከቡላ ብሰራዊት እስራኤል ትግለጽ ራፋሕ ዓቢ ስርሒት ንምክያድ ምድላዋት ይውዳእ ከምዘሎ ካብ ላዕለዎት ጀነራላት እስራኤል ተወሳኺ ምልክታት ተራእዩ ነይሩ።