ህንዲ፡ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ኣውሮጳ ዝፈረመቶ ናይ 100 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ እንታይ’ዩ?

እቲ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ህንዲ፡ ኖርወይ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣይስላንድን ለቺስተንን’ዩ ተፈሪሙ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህንዲ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ዘይኮና ኣርባዕተ ሃገራት ናይ 100 ቢልዮን ዶላር ነጻ ስምምዕ ንግዲ ከቲማ።

ሚነስተር ንግዲ ህንዲ እቲ ምስ ኖርወይ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣይስላንድን ለቺስተንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብን ናብን ህንድን እተን ሃገራትን ዓመታዊ ናይ 100 ቢልዮን ነጻ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ንኽግበር ዘኽእል ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ህንድን ዓባይ ብሪጣንያን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ንተመሳሳሊ ዕላማ ዘተ እናተኻየደ እንከሎ’ዩ ተኸቲሙ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነረንድራ ሞዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እዚ ወሳኒ ዝኾነ ስምምዕ ንመንእሰያትና ዕድላት ስራሕ ዝፈጥርን ንቑጠባና ንቅድሚት ዝደፍእን ደራኺ ስምምዕ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ቀደማይ ሚኒስተር ብምስዓብ “እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ዝመጽእ እዋናት ዝያዳ ንኽንብልጽግን ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራትን ቁጠባዊ ምትእስሳር ንኽህሉ ዝሕግዝን’ዩ” ኢሉ።

እዚ ስምምዕ ድሕሪ ኣስታት 16 ዓመታት ዝወሰደ ዘተ እዩ ኣብ መደምደምታ ክብጽሕ ክኢሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ህንዲ ካብተን ሃገራት እተእትዎ ኢንዱስትርያዊ ኣቑሑት ካብ ታሪፍ ነጻ ክትገብሮ’ያ እተን ሃገራት ከኣ ህንዲ ኣብ ዓደን ወፍሪ ንኽትገብር ነጻ ዕድል ክፈጥራላ’የን።

እተን ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ “እዚ ስምምዕ ኣብ ሞንጎናን ህንድን ዝህሉ ንግዳዊ ርክባት ዘቃልልን ዘለና ናይ ንግዲ ዕድላትን ዘስፍሕን’ዩ” ኢለን።

ህንድን እዘን ኣርባዕተ ሃገራትን እቲ ስምምዕ ናብ ግብሪ ቅድሚ ምስግጋሩ ዝርዝራውን ደምዳምን ነጥብታት ከቅርባ ክግደዳ’የን፡ ስዊዘርላንድ እቲ ዝርዝራውን ደምዳምን ትሕዝቶ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከተቕርቦ ምዃና ብወግዒ ሓቢራ ኣላ።

ህንዲ ኣብዚ ዓመት ፕረዚደንትታዊ ምርጫ ክህልዋ’ዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነረንድራ ሞዲ ከኣ ንሳልሳይ ግዜ ንኽምረጽ ክወዳደር’ዩ፡ እዚ ምስዘን ኣርባዕተ ሃገራት ኣውሮጳ ዝገበሮ ስምምዕ ንሳልሳይ ግዜ ንኽምረጽ ክሕግዞ ከምዝኽል ከኣ ይእመን።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ህንዲ ምስ ኣውስትራልያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን’ውን ተመሳሳሊ ንግዳዊ ስምምዓት ከምዝፈረመት ዝዝከር’ዩ።

ሚኒሰተር ንግዲ ዓባይ ብሪጣንያ ከሚ ባደኒች ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ህንዲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቅድሚ ምክያዳ ነጻ ንግዳዊ ስምምዓት ክፍርሙ ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ፤ እንተኾነ ናብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ‘በዳሂ’ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።