ብዝሒ ህዝቢ ቻይና ካብ 1961 ንፈለማ እዋን ነክዩ

ብዝሒ ህዝቢ ቻይና ንፈለማ እዋን ነክዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዝሒ ህዝቢ ቻይና ንፈለማ እዋን ነክዩ

ብዝሒ ህዝቢ ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመት ንፈለማ እዋን ክንኪ ተራእዩ።

ናይዚ ምኽንያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝነበረ 7.52 መጠን ወሊድ፡ ናብ 6.77 ስለዝወረደ ምዃኑ፡ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመተ 2022 ብዝሒ ህዝቢ ቻይና፡ 1.4118 ቢልየን ክበጽሕ እንከሎ፡ እዚ ኣሃዝ'ውን ኣብ 2021 ካብ ዝነበረ ብ 850 ሽሕ ምንካይ ኣርእዩ’ዩ።

ቻይና ነዚ ክስተት ምጉዳል ብዝሒ ህዝቢ ንምግታእ ኣብ ፖሊሲኣ ለውጢ ክትገብር ደሪኹ’ዩ።

እታ ሃገር ዝነበራ ፖሊሲ ‘ሓደ ቈልዓ’ ካብ ትገድፍ ሸውዓተ ዓመታት’ኳ እንተቝጸረ፡ ብዝሒ ህዝባ ግን ኣክንዲ ምውሳኽ የንቈልቁል ከምዘሎ ሓደ በዓል ስልጣን ቻይና ተዛሪቡ።

ኣብታ ሃገር ኣብ 2021 ሓፈሻዊ ወሊድ ሓደ ሽሕ ሰብ፡ ናብ 6.77 መጠን ወሊድ ዘንቈልቆለ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ቻይና ምስ ካልኦት ሃገራት ክትነጻጸር እንከላ ልዑል ምንካይ ኣርእያ።

ብኣንጻሩ፡ ኣሜሪካ 11.06፡ ዓባይ ብሪጣንያ 10.8 መጠን ወሊድ ከመዝግባ እንከለዋ፡ ልዑል ብዝሒ ህዝቢ ብምሓዝ ካብ ቻይና መሪሕነት ንምርካብ ተቓሪባ ዘላ ህንዲ፡ 16.42 መጠን ወሊድ ኣለዋ።

ዋላ’ኳ መጠን ወሊድ ኣብ ቻይና እንተነከየ፡ መጠን ሞት ድማ ካብ 1976 ንነጀው ልዑል ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዓሰርተ ዓመት ሓንሳብ ዝካየድ ቈጸራ ህዝቢ እታ ሃገር፡ መጠን ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዘገምታዊ ምዃኑ የመልክት፤ እዚ ኵነታት ድማ ኣብ ቁጠባን ጽላት ጥዕናን እታ ሃገር ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ምንካይ ብዝሒ ህዝብን ምውሳኽ ኣረጋውያንን ኣብ ቻይና ጥራሕ ኣይኰነን ተኸሲቱ፤ ኣብ ከም ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ምብራቕ ኤስያ እውን ኣጋጢሙ’ዩ።

ሰብሞያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምድኻም ቁጠባን ጠንቂ እቲ ምንካይ ህዝቢ ክኸውን ከምዝኽል እዮም ዝገልጹ። ኣብ ቻይና ብሰንኪ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ፡ ኣብ 2023 መጠን ሞት ክዛይድ ከምዝኽእል ይግመት።

ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ቻይና፡ በቲ ኣብ 1979 ተግባራዊ ዝዀነን ብዝሒ ህዝቢ ንምቍጽጻር ዝወጽአ ፖሊሲ ‘ሓደ ቈልዓ’ ን እዩ ተቐሪጹ።

ብመሰረት እዚ ድማ ስድራ-ቤት ቻይና፡ ሓደ ቈልዓ ጥራይ ክወልዱ እዮም ዝድረቱ። ነዚ ዝጠሓሱ ድማ ካብ ስራሕ ምብራርን ካልኦት ዝተፈላለዩ መቕጻዕቲን ክወርዶም ፀኒሑ።

ብታሪኽን ባህልን፡ ቻይናውያን ወለዲ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ወዲ ክወልዱ ልዑል ድሌት ስለዝነበሮም፡ ባስገዳድ ምንጻል ጥንሲ ይፍጸም ነይሩ። እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ጾታ ዓብይ ኣሃዛዊ ሓጓፍ ክፍጠር ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

እንተዀነ ፖሊሲ ‘ሓደ ቈልዓ’ እታ ሃገር፡ ኣብ 2016 ክእለ ተገይሩ፤ መጻምዲ’ውን ክልተ ቈልዑ ክወልዱ ተፈቒድሎም።

ካብዚ ቀረባ ዓመታት ንነጀው መንግስቲ ቻይና፡ እቲ ዘንቈልቍል ዘሎ ቍጽሪ ብዝሒ ህዝቢ ንምግታእ ዝተፈላለዩ ናይ ቀረጽን ኣገልግሎታትን መተባብዒ ይህብ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ፕረዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ብዕድመ ይኣርግ ንዘሎ ህዝቡ ንምትካእ፡ መጠን ወሊድ ሓፍ ምባል ካብ ቀዳሞት ዕማማት ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።