ዓዲ እንግሊዝ ሕግታታ ኣብ ዘትረረትሉ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ሰጊሮም

ኣብ ሓደ መዓልቲ 503 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዴንማርክ እትኽተሎ ኣገባብ ምክትታል ሓለዋ ዶብን ፖሊሲታት ሓተትቲ ዕቝባን ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ሓድሽ ሕጊ ከተኣታቱ ኣብ ዝሓስበሉ ዘሎ እዋን፡

እቶም ብቐዳም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ብሸውዓተ ንኣሽቱ ጀላቡ'ዮም ነቲ መትረብ ሰጊሮምዎ።

ብሰንበት'ውን ካልኦት ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ብምብጋስ ናብ ወደብ ዶቨር ናይ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ተባሂሉ።

ብሓፈሻ፡ ኣብተን ሰለስተ መዓልታት፡ ብድምር 1772 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ቈሪጾም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም፣ እዚ ኸኣ ኣብ 2025 ነዚ መትረብ ብምስጋር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ቍጽሪ ስደተኛታት ናብ 38 ሽሕን 726 ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ጸሓፊት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ፡ ሻባና ማሕሙድ፡ ኣብ ጥቅምቲ ነቲ ዴንማርክ ትኽተሎ ኣገባብ ሓለዋ ዶብን ፖሊሲታት ሓተትቲ ዕቝባን ከጽንዑ፡ ሰብ መዚ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምልኣኻ'ዩ።

ዴንማርክ ትኽተሎ ፖሊሲ ሓተትቲ ዕቝባን ኣገባብ ሓለዋ ዶብን ካብ መላእ ኣውሮጳ እቲ ዝተረረን ዝጸንዐን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ 2023፡ 26 ሽሕን 699 ኣብ 2024 ከኣ 32 ሽሕን 119 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ 2025 ዝሰገሩ ግን እዛ ዓመት ገና ከይተወድአት እንከላ ካብቲ ዓሚ ዝነበረ ብልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ዝዛየደ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ጸሓፊት ጉዳያት ውሽጢ-ዓዲ፡ ሻባና ማሕሙድ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ነቲ ዴንማርክ ትኽተሎ ኣገባብ ከም ሞዴል ብምውሳድ ነቶም ኣብታ ሃገር [ዓዲ እንግሊዝ] ዕቝባ ዘይረኸቡ ካብታ ሃገር ብቐሊሉ ክጥረዙ ዘፍቅድ ሕጊ፣ ከምኡ ኸኣ ነቶም ብምጥርናፍ ስድራቤት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዝያዳ ዘጽብብ ዝብል ዝርከቦ ሓደስቲ ጽኑዕ ሕግታት ከተፍልጥ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ዴንማርክ ኣብ ምጥርናፍ ስድራቤትን ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዝያውነት ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝፍቀዶም ስደተኛታትን ትኽተሎ ፖሊሲ ካብ መላእ ኣውሮጳ ዝኸበደ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ዴንማርክ ብዘይካ ኣብ 2020 ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ እገዳታት በረራ ዝገበረቶ ሕድገታት እንተዘይኰይኑ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ዝሓቱ ስደተኛታት ዕድመኦም ትሕቲ 40 ከምዝኸውን'ያ ገይራ።

ንዓዲ እንግሊዝ፡ ድሌት ካብ ዝፈጠሩላ ሕጊታት ሓደ ከኣ እዚ ምዃኑ ይንገር።

ሻባና ማሕሙድ፡ ኣብ መስከረም ኣብ ኣኼባ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ዶባት ብሪጣንያ ንምውሓስ ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ኵሉ ክግበር ምዃኑ'ያ ቃል ኣትያ።

እንተዀነ ንሕጊ ዴንማርክ ከምዘለዎ ምርዓሙ ዘየዋጽእን ንፖሊሲታት ሕሉፋት የማናውያን ምድጋምን'ዩ ብምባል ገለ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።