ተስፋ ምጥርናፍ ስድራቤታት ዘጸልመተ ሓድሽ ፖሊሲ ኢሚግረሽን ብሪጣንያ

ድሕሪ ክንደይ ኰለልን ገልታዕታዕን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓድሽ ህይወት ክጅምሩ ዝሓስቡ መጻምዲ፡ ሕልምታቶም ዘማህምን ውሳነታት ይመጽእ ብምህላው ድሮ ስግኣታት ክሓድሮም ጀሚሩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ብዝሒ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ንምድራት፡ ኣብ ክሊ እቶም ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝኣትዎም ዘሎ ስምምዓት፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩን ምስ መጻምዶም ክጽንበሩ ዘመልክቱን ሰባት ዝድርት ሓድሽ ምትዕርራያት ይገብር’ዩ ዘሎ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ካብ ሚያዝያ 2024 ጀሚሩ፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ወይ ድሮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ዘለው ሰባት፡ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከብን ዜጋ ወጻኢ ሃገር ዝዀነን መጻምዶም ናብታ ሃገር ቅድሚ ምምጽኦም፡ ኣብ ዓመት 38 ሽሕን 700 ፓውንድ ኣታዊ ከም ዝረኽቡ ዘረጋግጽ ሰነድ ከርእዩ ክሕተቱ’ዮም።

እዚ ቅድም ኢሉ፡ 18 ሽሕን 600 ፓውንድ እዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ ናይ ስድራቤት ቪዛ ክሓቱ እንከለዉ፡ ኣብ ሓዳር ወይ ስቪላዊ ሽርክነት ከም ዘለው ዘረጋግጽ ወረቐት ከቕርቡ ክሕተቱ’ዮም።

ሚኒስተራት እታ ሃገር፡ እቲ ኣብ ደረት ኣታዊ ዝተገብረ ወሰኽ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝለዓለ ቝጽሪ ዝወሰኸ ኢሚግረሽን ንምንካይን ስድራቤታት ነብሰን ከም ዝኽእላ ንምርግጋጽን ክሕግዝ ምዃኑ ይገልጹ።

ወዲ 24 ዓመት ሊ፡ “እዚ ፖሊሲ፡ እታ ክምርዓዋ ዝደሊ ጓል፡ እታ ዘፍቅራ ጓል . . . ምስኣ ክነብር ኣይክእልን’የ ማለት’ዩ” ኢሉ

ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ምስታ ኣብ ማሌዥያ እትነብር ኣፍቃሪቱ ሳራ ክምርዖ መደብ ነይርዎ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሊድስ ንሱ ሕጊ እናጽንዐ ንሳ ድማ ኢንጅነሪን እናተመሃረት’ዮም ተራኺቦም።

እዞም መጻምዲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓድሽ ህይወት ክጅምሩ መደብ ነይሩዎም፤ እንተዀነ ሕጂ እዚ ስድራ ንምምስራት ዝነበሮም መደባት “በዚ ዓንዩ ኣሎ” ክብል ሊ ይዛረብ።

ሊ፡ ኣብ ቤልፋስት ተመራማሪ (ሪሰርቸር) ኰይኑ፡ 26 ሽሕ ፓውንድ’ዩ ዝረክብ። ኣብዚ ዕድመን ስራሕን ልምድን ኴንካ ልዕሊኡ ኣታዊ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ድማ ይዛረብ።

“ኵሉ ኣጽሊኡኒ፤ ኵሎም ዝነበሩና መደባት ሕጂ ሃደሽደሽ ይብሉ ኣለው። ኣነ ምስ ዘፍቅሮ ሰብ ክኸውን እንተዀይነ ኣብዛ ሃገር ክነብር የብለይን ማለት’ዩ። ግደ ሓቂ፡ ኣእምሮይ ፈቘድኡ’ዩ ተዘሪጕ ዘሎ።”

እንግሊዛዊት ጆሲ ኣብ ጥልያን ምስ በዓል ቤታ እያ ትነብር። እዞም መጻምዲ ተመራመርቲ (ሳይንቲስት) ኰይኖም ኣብ ታሕሳስ 2020 እዮም ተመርዕዮም።

ኣብዚ እዋን ናብ ብሪጣንያ መጺኦም ናብራኦም ክተኽሉ መደብ ነይርዎም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ተቘጺርካ 38 ሽሕን 700 ፓውንድ ኣታዊ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ትገልጽ።

ጓል 33 ዓመት ጆሲ፡ ሕጂ ብዛዕባ ቤተሰባ ዘለዋ መደብ ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ “እንድዒ፤ ዘይምምጻእ? (ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ)፤ እዚ ኸኣ ኣደይ ልባ ክሰብሮ’ዩ፤ ኣይፈልጥን። እንደዒ . . . ናብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ነገር’ዩ (ፈጺሙ ዘይክኣል) ዝደፍኣና ዘሎ፣ ናብ ብሪጣንያ ምምጻእ” ብምባል ስግኣታ ገሊጻ።

ወዲ 28 ዓመት ካም ብወገኑ፡ ድሮ እታ ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ኣብ ፍቕሪ ምስኡ ዝጸንሐት ኣሜሪካዊት በዓልቲ ቤቱ ናብ እንግሊዝ ንምምጻእ ሓድሽ ገዛ ክደሊ ጀሚሩ’ዩ።

ኣብ ዝቕጽል መጋቢት ካም ሓድሽን ጽቡቕ እቶት ዘለዎም ስራሕ ኣብ ዝጅምረሉ፡ ናይ ቤተሰብ ቪዛ ክሓቱ መደብ ገይሮም ነይሮም።

እዚ ሓድሽ መምርሒ መንግስቲ ስዒቡ ግን፡ ኣዝዮም ከም ዝተሻቐሉ ይገልጽ።

“ልዑል ቅዛነት ኣሎ፤ እዚ ንብዙሓት ሰባት ቃንዛን ስምብራትን ዘስዕብ’ዩ ክኸውን።”

ብሰሉስ ወሃቢ ቃል ሪሺ ሱናክ፡ እቲ ሓድሽ ዝተሓተ ደረት ኣታዊ ፡ "ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመልካቲ፡ መጻምዶም፡ ዝምልከቶ ቈልዓ ወይ ካልእ ኣባል ስድራቤት ብዘይምኽንያታዊ ጽንኩር ሳዕቤን ኣብ ዝህልወሉ ፍሉይ ኵነታት" ክግደፍ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ኣመልከትቲ ንስድራኦም ብኸመይ ክድግፉ ከም ዝኽእሉ ከርእዩ ኣብ ዝግደዱሉ እዋን ውልቃዊ ዕቋርን ጥቕምታትን እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይገልጽ።

እዚ ሓድሽ ጠለብ (38 ሽሕን 700 ፓውንድ)፡ ንብዙሓት ናይ ስራሕ ቪዛ ዝሓቱ ዘለው ስደተኛታት ከም ትሑት መጠን ደሞዝ ዝተኣታተወ ከም ዝዀነ’ውን ይምጕት።

ከም ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ፡ ኣብ ብሪጣንያ ማእከላይ ዓመታዊ እቶት ናይ ምሉእ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ሚያዝያ 2023 34 ሽሕን 963 ፓውንድ እዩ ነይሩ።

እዚ መንግስቲ ኣብ ቪዛ ቤተሰብ ዘተኣታትዎ ዘሎ ለውጢ፡ ቍጽሪ ስደተኛታት ኣብ ዓመት ብ10 ሽሕ ከጐድሎ ትጽቢት ይግበር።

ክሳብ ሰነ 2023፡ ብቪዛ ስድራ ዝተመዝገበ ስደት፡ 39 ሽሕ ከም ዝነበረ መረዳእታታት የመልክቱ።

ብጠቕላላ ኣብዚ ዓመት ዝነበረ ስደት 672 ሽሕ ዝሕዝ ኰይኑ፡ መንግስቲ ነዚ ብ300 ሽሕ ከጕድሎ ይሰርሕ ኣሎ።

ዳይረክተር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝርከብ ተዓዛቢ ስደት ዶክተር ማደሊን ሳምፕቶን እቲ ለውጢታት ነቶም ልዑል ደሞዝ ዘይረኽቡ ሰባት ክጸልዎም ከም ዝኽእል ትገልጽ።

“እቲ ዓቢይ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ትሑት እቶት ዘለዎም ዜጋታት ብሪጣንያ፡ ብቐንዱ ትሑት እቶት ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን እዩ ክኸውን። እዚ ደረት እቶት ዝያዳ ካብ ለንደንን ደቡብ ምብራቕን ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ኣብዛ ሃገር ዝተሓተ ክፍሊት ኣብ ዘለወን ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ክጸልዎም’ዩ” ትብል።

ሓንቲ ካብኦም፡ ጓል 25 ዓመት ኬት’ያ፤ ንሳ ኣብ ሊንኮልን ኣብ ዝርከብ ሱፐርማርኬት ትሰርሕ።

እቲ ሓበሬታ ምስ ሰምዐት “ምሉእ ለይቲ ክትበኪ” ከም ዝሓደት ትገልጽ።

ኣብ 2020፡ ምስ ኣብ ኣሜሪካ ኢንደኒያና ዝቕመጥ ኲንላን ብናይ ኦንላይን መተግበሪ ‘ዴቲን’ ተላልያ፤ ኣብ ሓምለ እዚ ዓመት ድማ ተመርዕዮም።

ድሕሪኡ፡ እቲ መጻምዳ ናብ ብሪጣንያ ክመጽእ እሞ ኣብኡ ናብራ ክምስርቱ’ዩ መደብ ነይርዎም።

ንሳ፡ ዓመታዊ ኣታዊኣ 19 ሽሕ ፓውንድ’ዩ፤ “እቲ ንዓመታት ዝተለምናዮ ብላሽ ኰይኑ።”

ኣብ 2021 ኣብ ቱርኪ ዝተራኸቡ ሓደስቲ ጽምዲ ሩቢን ፉርካንን’ውን ተመሳሳሊ ሕርቃን ኣለዎም።

ጓል 31 ዓመት ሩቢ፡ ዓመታዊ ኣታዊኣ 23 ሽሕ ፓውንድ’ዩ። እዚ ለውጢ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ይጸልዎም ንዝብል ገና የሰላስሉ እኳ እንተለው፡ ንተስፋታቶም ዘጸልምት ከም ዝዀነ ግን ትዛረብ።

“ሎሚ ንግሆ ካብ ድቃሰይ ምስ ተንሳእኩ፡ እቲ ዜና ኣብ ፌስቡክ’የ ርእየዮ፤ ሰንቢደ። እቲ ሕጊ ድሕሪ 11 ዓመታት ከም ዝቐየርዎ ፈጺመ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ቅድሚ ሚያዚያ ቪዛ ክንረክብ ተስፋ ንገብር” ብምባል እናበኸየት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ወሲኻ፡ “እንተዘይሰሚሩ ግን ናብ ቱርኪ ካብ ምኻድ ወጻእ ካልእ ኣማራጺ የለን። እዚ መወዳእታ ዓለም ኣይኰነን፤ ቱርኪ’ውን ጽብቕቲ ሃገር’ያ። ግን ውሳነ ሪሺ ሱናክ ዘይኰነ ናተይ ውሳነ ክኸውን'የ ዝደሊ” ኢላ።