እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ውድብን ሃገራትን ብነቐፌታታት ጨርጊፉዎም
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንዓለም ዝርእየሉ መነጽርን ስነሓሳቡን ብግልጺ ብምቕራብ ንጹር መግለጺ ሂቡ።
ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ናብ ተቓወምቱን ሓሳባቶምን ዘቕንዐ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየደሉ፡ መደረኡ ብዓዱ ብምጅማር፡ ንኣመሪካን ገዛእ-ርእሱን መጒሱ።
ኣመሪካ ወርቃዊ ዘመን ተሕልፍ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ "ብውልቀይ ሸውዓተ ኲናታት ከም ዘብቅዕ ገይረ፡" ኢሉ። እዚን ሽልማት ኖቤል ሰላም ንዓይ ይግባኣንን ዝበሎ ንብዙሓት ዘካትዖም ዘረባ እዩ።
ቀጺሉ ናብ ኣአንጋዲ ናይቲ ዋዕላ ዝዀነ ሕቡራት ሃገራት ኢዱ ብምምልካት፡ ሰላም ኣብ ምስፋን ከም ዘይሓገዞ ወቒሱ። እቲ ፕረዚደንት ንዕላማ ናይቲ ውድብ ኣብ ሕቶ ብምእታው፡ ገዚፍ ዓቕሚ'ኳ እንተ'ለዎ ክንዲ ዕብየቱ ግን ኣይሰርሕን እዩ ኢሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ንዝፍትኑ ሓተትቲ ዕቝባ ንዝህቦ ሓገዝ'ውን ነቒፉ፣ "ሕቡራት ሃገራት ንዋሕዚ ደው ከብሎ እምበር፡ ክፈጥሮን ክምውሎን የብሉን፡" ኢሉ።
ሓያሎ ተንተንቲ ነዚ ትራምፕ ዘቕረቦ ነቐፌታ ይቕበሉዎ እዮም። ሕቡራት ሃገራት ግጭታት ኣብ ምፍታሕ ኣድማዒ ከም ዘይኰነ፣ ብፍላይ ባይቶ ጸጥታን ፍታሕ ዘየምጽእ ቢሮክራሲኡ ዓንቃፊን ምዃኑ የመልክቱ።
ብኻልእ መዳይ ግን ትራምፕ ንባዕሉ ጠንቂ ጸገማት ሕቡራት ሃገራት'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ዓበይቲ ቅልውላዋት ዓለም ዝፍትሑ ብኸም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ትካላት ተጠቂምካ ዘይኰነ፡ ከምኡ ብዝኣመሰሉ ሓያላት መራሕቲ መዓልቦ ከም ዝረኽቡ እዩ ዝኣምን።
ኣብ ግዜ ምምሕዳር ናይቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ ንሕቡራት ሃገራት እትህቦ ዝነበረት ገንዘብ ዝበዝሐ ክፋሉ ስለ ዘቋረጸቶ፡ እቲ ውድብ ኣብ መላእ ዓለም ዘካይዶ ዝነበረ ሰብኣዊ ዕማማት ክቕንስ ተገዲዱ እዩ።
ትራምፕ፡ ኤውሮጳ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ወፍሪ ብምግባራን ዶባታ ንስደተኛታት ብምኽፋታን ተሪር ነቐፌታ ኣቕሪቡ።
"ኤውሮጳ ኣብ ከቢድ ጸገም እያ ዘላ። ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራኣየ መጠን ብዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተወሪራ ኣላ። ብስደተኛታትን ኣብ ጸዓት ዘለዋ ነብሰ-ቕትለታዊ ክበሃል ዝከኣል ሓሳባትን ንምዕራብ ኤውሮጳ ናብ ሞት ከምርሓ እዩ፡" ኢሉ።
ክሊማዊ ለውጢ፡ "ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዓለም ዝተገብረ ዝዓበየ ናይ ምትላል ስራሕ፡" ምዃኑን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ክንዲ ካብ ቅሪተ-ኣካላት ዝርከብ ነዳዲ ምጥቃም ልዑል ወጻኢታት ጸዓት ክኸፍላ የገድደን ከም ዘሎን ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሰሜናዊ ባሕሪ ሓድሽ ግብሪ ብምስልዓ ነቒፉ።
"ነቲ ምትላል ሓምለዋይ ጸዓት ደው እንተ ዘይኣቢልካዮ ሃገርካ ክትፈሽል'ያ፡" ኢሉ።
"ንኤውሮጳ እፈትዋ እየ፣ ንህዝቢ ኤውሮጳ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ። ብጸዓትን ስደተኛታትን ክትጕዳእ ክርኢ ድማ ኣይፈቱን እየ። እዚ ክልተ ገጽ ዘለዎ ስግኣት ድማ ንዅሉ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ እዩ ዘጥፍኦ። ብፖለቲካዊ መዳይ ቅኑዕ ክትከውን ብምድላይ ንውርሻኻ ኢኻ ተዕንዎ ዘለኻ።"
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳ ዝሃቦ ነቐፌታ ባህላዊ መሰረት ኣለዎ። ቍጽጽር ኣልቦ ስደት፡ ንኣይሁዳውን ክርስትያናውን ውርሻታት ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ዝኣምን ይመስል። ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ሃይማኖት ዘለዎ ኣረኣእያ ብግልጺ እዩ ዘርኢ። ኣብቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዖ መደረ፡ "ሓርነት ሃይማኖት ንሓሉ፡" ድሕሪ ምባሉ፡ "ነታ ኣብዛ ፕላኔት ዓቢይ ሃይማኖታዊ ስደት ዘጓነፋ ክርስትና ሓዊስካ፡" ኢሉ።
ብዛዕባ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ዝምልከት'ውን ሓያል መጠንቀቕታ ዝሓዘለ ሓሳብ ሂቡ። ፕረዚደንት ፑቲን ኲናት ከብቅዕ ምእባዩ፡ "ንሩስያ ብጽቡቕ ክትርአ ኣይገብራን፡" ኢሉ። ኣመሪካ ነቲ ምፍሳስ ደም ደው ንምባል፡ "ኣዝዩ ሓያል ቀረጽ ክትስልዕ፡" ድልውቲ ምህላዋ ተሓንዩ።
ብተወሳኺ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ጸዓት ሩስያ ካብ ምግዛእ ደው ከብላ ከም ዘለወን ብምግላጽ፡ ገለ ሃገራት ካብታ ሃገር ይገዝኣ ከም ዘለዋ ንመጀመርታ ግዜኡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከም ዝፈለጠ ገሊጹ።
ኣብ ኤውሮጳ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ቀንዲ ዓደግቲ ነዳዲ ሩስያ እየን። ዲፕሎማሰኛታት፡ ትራምፕ ነዚ ኵነታት ኣብ ልዕሊ ህንዲን ቻይናን ካልኣዊ እገዳ ከይገብር ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ይገልጹ፣ ክልተአን ብሕሱር ዋጋ ጸዓት ካብ ሩስያ ይገዝኣ ከም ዘለዋ ኣቐዲሙ ጠቂሱወን ዝነበራ እየን።
ካብዚ መደረኡ ንላዕሊ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዩክረይን ንፈለማ ግዜ ኵሉ ግዝኣታ ክትመልሰሉ ኣብ ዘኽእላ ኵነታት ክትህሉ ከም እትኽእል ጽሒፉ ነይሩ።
ትራምፕ ንሩስያ፡ "ኣብ ወረቐት ዘላ ነብሪ፡" እምበር፡ "ሓቀኛ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡" ከም ዘይብላ ብምግላጹ፡ ነቲ ከም ሓደ ካብ ዓለማዊ ሓይሊ ኰይኑ ክርአ ዝደሊ ፕረዚደንት ፑቲን ዘሕርቖ እዩ። ዲፕሎማሰኛታት ድማ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ ነቐፌታ ከም ዘለዎ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ይገልጹ።
ዩክረይን ብደገፍ ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን መሬታ ክትመልስ ከም እትኽእል እኳ እንተ ሓበረ፡ ንተሳትፎ ኣመሪካ ግን ኣይጠቐሰን።
ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ሓድሓደ ግዜ ብዝዛረቦ ዝነበረ ጭብጥታት ዘየሰነዩዎ መግለጺታት ገለኦም መራሕቲ ይስሕቁ ነይሮም። ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ዝበዝሕ ጥርቅም ኢሎም እዮም ሰሚዖሞ።
ነቶም መራሕቲ ሃገራት፡ "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ነገራት ብሓቂ ንፉዕ እየ፣ ሃገራትኩም ናብ ጸድፊ እየን ዝሃትፋ ዘለዋ፡" ኢሉዎም መደረኡ ዓጽዩ።