ትራምፕ ብስራሕ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት 100,000 ዶላር ክኸፍሉ ኣዚዙ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፕሮግራም ቪዛ ኤች-1ቢ ንኽኢላታት ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት፡ ንኣመልከትቲ 100,000 ዶላር ዓመታዊ ክፍሊት ክኸውን ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ።

ትራምፕ እቲ መደብ ብዘይ ኣገባብ ከም ዝተተግበረ ዝጠቐሰ ኰይኑ፡ ክፍሊት እንተ ዘይተፈጺሙ ናብታ ሃገር ንምእታው ዝድርት'ዩ።

ነቐፍቲ ንነዊሕ እዋን፡ H-1Bs ንዕድላት ስራሕ ኣመሪካ ይጸልዎ'ሎ ክብሉ እንከለዉ፡ ከም ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ዝኣመሰሉ ዝድግፉዎ ድማ ኣመሪካ ካብ መላእ ዓለም ዝሓሸ ተመኵሮ ዘለዎም ክኢላታት ክትስሕብ ከም ዘኽእላ ይምጕቱ።

ካብኡ ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ንገለ ስደተኛታት ቪዛ ንምቅልጣፍ ሓድሽ "ጎልድ ካርድ" ዝተባህለ ኣሰራርሓ ዝዘርግሐ ኰይኑ፡ ዋጋኡ ካብ 1 ሚልዮን ፓውንድ ይጅምር።

እቲ ካብ 21 መስከረም ኣብ ግብሪ ዝውዕል ትእዛዝ፡ ንሓደስቲ ኣመልከትቲ ጥራሕ ዝምልከት ከም ዝዀነ ጸሓፊ ንግዲ ኣመሪካ ሃዋርድ ሉትኒክ ገሊጹ።

ክሳዕ ሕጂ፡ ቪዛታት ኤች-1ቢ ንምርካብ ብድምር ኣስታት 1,500 ዶላር ዝግመት ክፍሊታት'ዩ ዝሓትት ነይሩ።

ካብ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ኣመሪካ (USCIS) ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ንዝቕጽል በጀት ዓመት ዝቐርብ ሕቶታት ቪዛ H-1B ናብ ኣስታት 359,000 ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዝዓበየ ተጠቃሚ ናይቲ መደብ ኣማዞን ኰይኑ፡ ስዒቡ ድማ ዓበይቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ታታ፡ ማይክሮሶፍት፡ ሜታ፡ ኣፕልን ጉግልን ከም ዝዀና መረዳእታ መንግስቲ ይሕብር።