ዒድ ሸዋል፡ ዩኔስኮ ዝመዝገቦ ህዝባዊ በዓል ሓሪሪ እንታይ እዩ?

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ውድብ ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ)፡ በዓል ዒድ ሸዋል፡ ሓደ ካብቶም ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዓለም ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ሃረር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዩኔስኮ ክልተ ሓድግተaት ዘመዝገባ ከተማታት ኢትዮጵያ ኮይና’ላ።

ዒድ ሸዋል ድማ ብዩኔስኮ ከም ዘይጭበጥ ቅርሲ ዝተመዝገበ ሓምሻይ ባህላዊ ሓድጊ ኢትዮጵያ’ዩ።

ዒድ ሸዋል እንታይ’ዩ?

ጾም ሮሞዳን ንሰዓብቲ እስልምና ዓቢ ወርሒ ጾም’ዩ። ኣብ መወዳእታ ሮሞዳን ተወሳኺ ሽዱሽተ ፅጽወመለን መዓልታት ኣለዋ።

እዘን መዓልታት ምስ ተዛዘማ፡ ተወለድቲ ብሄር ሃረሪ ዒድ ሸዋል የብዕሉ።

ኣው ኣባድር ዚያራ፣ በድሪ፣ ሃቲመትን ዒድ ሸዋልን ካብቶም ኣብ ሃራሪ ጐሊሖም ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላት እዮም።

ኣው ኣባድር ዚዓራ፡ ባድሪን ሃቲማትን ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ይኽበሩ፤ ዒድ ሸዋል ድማ ዒድ ኣል-ፈጥር ስዒቡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዝኽበር’ዩር።

ብህዝቢ ሃራሪ ዝኽበር ዒድ ሸዋል ንሃረር ብፍላይ ድማ ንከባቢ ጀጎል ፍሉይ ተርእዮ ይህብ።

ኹሎም ሰዓብቲ እስልምና ብዓቢ ድምቀት ዘኽብርዎ ዒድ ኣል-ፈጥር ስዒቡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ክኽበር ዝተገብረሉ ምኽንያት ኣሎ።

ብመሰረት ትምህርቲ እስልምና፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጾም ሮሞዳን ጽግያት እንተርእየን ጾም የቋርጻ’የን። ብሰንኪ’ዚ ጾም ዘቋረፃ ደቂ ኣንስትዮ እተን ዘቋረጻለን መዓልታት ምእንቲ ክኽሕሳ ድሕሪ ዒድ ኣል-ፈጥር ንሹድሸተ መዓልታት ይፆማ።

ብዚ ምኽንያት ድማ ዒድ ሸዋል እተን ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ፆም ምስ ተዛዘመ ከም ዝኽበር ሓላፊ ቢሮ ባህሊ፡ ሓድጊን ቱሪዝምን ክልል ሃረሪ ኣይተ ተወለዳ ኣብዶሽ ይገልጽ።

ድሕሪ ሮሞዳን ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝጸውም ዓቢ ዓስቢ ከም ዝረክብ ስለ ዝእመን ደቂ ተባዕትዮ ይጾማ እየን።

እቲ በዓል ኣብ 8 ጥቅምቲ 1999 እዩ ከም ህዝባውን ባህላውን በዓል ክኽበር ተኣዊጁ።

ሸዋል ማለት ዓቢ ወርሒ ጾም ሮሞዳን ተዛዚሙ ዒድ ኣል-ፈጥር ምስ ተኸበረ ዘላ ወርሒ’ያ ይብል ኣይተ ተወለዳ።

ዒድ ሸዋል እተን ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ጾም ምስ ተዛዘማ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝኽበር በዓል ምዃኑ ወሲኹ ይገልጽ።

እቲ ሓላፊ ቢሮ ባህሊ፡ ቅርስታትን ቱሪዝምን ከም ዝብሎ፡ ዒድ ሸዋል ሰባት ናብ ሃረር መፂኦም ምስ ስድርኦም ጽቡቅ ግዜ ዘሕልፉሉን ዘይተመርዓዉ ድማ ዝሕፀዩሉን ባህሊ እዩ።

እዚ ፍሉይ በዓል ግን "ባህላዊ እምበር ሃይማኖታዊ (ሸሪዓ) ኣይኰነን" ይብል’ቲ ሓላፊ።

ዒድ ሸዋል፡ ባህላዊ ኣከዳድና ዝረኣየሉ ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ ብስልማት ዝደምቃሉ ዕለት እዩ።

እቲ በዓል መንእሰያት ማሕበራዊ ርክብ ዝምስርቱሉን ዝሕጸዩሉን ጥራይ ዘይኰነ፡ ባህሎምን ኣነባብራኦምን ዘንጸባርቕሉ ዕድል’ውን ምዃኑ ኣይተ ተዋለዳ ይገልጽ።

ካብኡ ተበጊሶም "ባህላዊ ዒድ ብሄረ ሃራሪ" ኢሎም ዝጽውዖዎ ኣለዉ።

ከተማ ሃረር ኣብ ዙርያ ጀጎል ሓሙሽተ ኣፍደገታት ኣለዋ፤ ዒድ ሸዋል ድማ ኣብተን ኣርጎባ-በሪን ኣስሱሚይ-በሪን ዝተበሃላ ክልተ ኣፍደገታት ይኽበር።

መንፈሳውን ባህላውን ንጥፈታቶም ንምጉላሕ ከበሮ ይጥቀሙ፣ ደባል ዝተበሃለ ሳዕስዒት ይስዕስዉ፣ ንፈጣሪ የመስግኑ፣ ብዝክሪ (ምስ መንዙማ ዝመሳሰል) ድማ ግጥምታት ምስጋና የቕርቡ።

እቲ በዓል ዕድመን ፆታን ብዘየገድስ ኩሉ ሰብ ክሳተፈሉ ዝኽእል ምዃኑ እቲ ሓላፊ ይጠቅስ።

ጽምብል ዒድ ሸዋል ካብቲ ቀንዲ በዓል ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ይጅምር።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ፡ ‘ኣው ኣኽባራ’ን ‘ኣው ሹሉም ኣሕመድ’ን ብዝበሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ካብ ሰዓት ሰለስተ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ፡ ብጣቕዒት ዝተሰነየ ዝክሪ ወይ መንዙማ ይቐርብ።

ካብቶም ኣብቲ በዓል ዝቐርቡ ባህላዊ መግብን መስተን ኣቅሌል፣ ሓሽር ቃሕዋ፣ ቁጢ ቃሕዋ ይጥቀሱ።

ኣቅሌል ብቀይሕ ጸብሒ ዝዳሎ ፍትፍት ክኸውን ከሎ፡ ሓሽር ቃሕዋና ቁጢ ቃሕዋ ድማ ምስ ጸባ ፈሊሖም ዝስተዩ ቡንን ሻሂን እዮም።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኣብ ወፃኢ ሃገራትን ዝነብሩ ሃራሪ፡ ተወለድቲ እቲ ብሄር ዘይኰኑ ማሕበረሰባት’ውን ዝዕደሙሉ በዓል ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ባህሊ፣ ሓድግን ቱሪዝምን እቲ ክልል ይገልጽ።

ዒድ ሸዋል፡ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ክኽበር ከም ዝጀመረ ይእመን።