ዜጋታት ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ምኽባር ዋጋታት ኣብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ፡ ብሰንኪ ኲናትን ሓድጊታቱ ዝሕልሕል ትብል ዘላ ከተማ መቐለ ዝነብር ክብረኣብ ምስግና፡ ደሞዝን መንግስታዊ ኣገልግሎትን ኣብ ዘይነበረሉ ነዊሕ እዋን፡ ከቢድ ህይወት እዩ ኣሕሊፉ።
ዋላ’ኳ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ መነባብሮ ብሓፈሻ ከምዝተመሓየሸ ዝገልጽ እንተዀነ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ግን መዓልታዊ ከም ዝቀያየር ይዛረብ።
“ኣብ እዋን እቲ ኲናት ካብ ዝነበረ መነባብሮ’ኳ ዝሓይሽ እንተዀነ፡ ናብራ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ብዙሕ ሰብ መሃያ ኣይክፈሎን” ይብል።
“ንኣብነት ዋጋ ጣፍ መዓልታዊ እዩ ዝለዋወጥ። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግጭት ተላዒሉ ምስተባህለ ኣዝዩ ከቢሩ ነይሩ። ሐዚ ቅሩብ ምምሕያሽ ኣርእዩ ኣሎ።”
ንመብዛሕትኡ ወሰኽ ዋጋታት፡ ናብቲ ክልል ዘእትዉ መንገዲታት ተዓጽዮም ዝብል ምኽንያት እዩ ዝወሃቦ።
ካብ ክብሪ ዋጋታት ብተወሳኺ፡ ኣብታ ከተማ ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ክራይ ገዛ፡ ንህይወት ነበርቲ ፈታኒ ኰይኑ’ሎ።
“ደሓን ዝዀነ ገዛ እንተሓቲትካ፡ ዕስራ ሰላሳ ሽሕ እዮም ዝጽውዑልካ፤ ክራይ ገዛ ዝልከፍ ኣይኰነን” ይብል ክብረኣብ።
‘ኣብ መንጐ ኣታዊታትናን ወጻኢናን ዓብይ ፍልልይ ኣሎ’
ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስርሓት ህንጻ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ኤቢሳ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ቈልዓን እዩ።
ብሰንኪ ምኽባር ኣቝሑ ህንጻ፡ ስራሕ ደው ካብ ዘብል ሰለስተ ወርሒ ኰይኑዎ።
ስርሑ ንምጅማር ድማ ገና ሃንቀው ይብል ኣሎ።
ኣብ ርእሲ ስራሕ ምስኣን ናህሪ ዋጋታት፡ ንመነባብሮኡ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝበኣሰ ኣሰጋጊርዎ።
“ኵሉ ነገር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ኣሎ። ቅድሚ ኣዋርሕ 5 ብር ዝነበረ ዋጋ ባኒ፡ 10 ኰይኑ፤ 10 ብር ዝነበረ ድማ 15 በጺሑ። እቲ ዘገርም ዋጋ ምውሳኹ ጥራይ ዘይኰነስ ግራም ናይቲ ባኒ ምቕናሱ እውን እዩ” ኢሉ።
“ኵሉ ነገር ንምንታይ ከም ዝኸበረ ዝነግረካ የለን። ንምንታይ ከቢሩ እንተኢልካ ጸገም ቀረብ ከም ዘሎ እዩ ከም ምኽንያት ዝለዓል። ንመን ከም እንሓትት ኣይንፈልጥን” ክብል መረረኡ ይዛረብ።
8 ሽሕ ወርሓዊ ኣታዊ እኳ እንተሃለዎ፡ ምስ ኣታዊኡ ክነጻጽር ከሎ ነቲ ምኽባር ዋጋ ክጻወር ዘይከኣለ ኤቢሳ፡ ውሑድ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ብተመሳሳሊላብ ከቢድ ፈተና ከም ዘለዉ ይገልጽ።
“ሓንቲ ክፍሊ ብ3500 ተኻርየ፤ ጓለይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምብጻሕን ንምምላስን መዓልታዊ 25 ብር የውጽእ። ስለዚ ወርሓዊ ወጻኢታተይ ምሕሳብ ይከኣል እዩ” ኢሉ።
“ን 5 ሊትሮ ዘይቲ፡ 1100 ብር ንገዛኦ። ጣፍ ከም ደረጃኡ ንኪሎ ካብ 100 ክሳብ 150 በጺሑ። ከም ቀይሕ ሽጉርቲ፡ ኮመደረን ብርስንን ኣብዚ ሰሙን ዋጋኦም ብዕጽፊ ወሲኹ። ኣብ መንጐ ኣታዊናን ወጻኢታትናን ዓብይ ፍልልይ ኣሎ፤ ንመን ከም ዝጥራዕ ኣይፈልጥን” ክብል ወሲኹ።
‘በዓል መጸ ኣይመጸ ዋጋ ይውስኽ’
ቶሎሳ ሌሊሳ እውን ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ሓንቲ ክፍሊ ተኻርዩ ይነብር።
ኣብ ህንጻ ተዋፊሩ ንወርሒ ልዕሊ 8500 ብር ይረክብ። ኣታዊኡን ወጻኢታቱን ግን ከም ዘይመጣጠን ይገልጽ።
“ጽቡቕ ጣፍ ንኪሎ ካብ 100 ክሳብ 130 ብር እዩ። ባኒ ድማ ዋጋኡ ወሲኹ፣ ግራም ግን ቀኒሱ ይሽየጥ ኣሎ” ብምባል ኣብታ ከተማ ዘሎ ምኽባር ዋጋ ብምረት ይገልጽ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ቅንያት በዓል ዋጋታት ክውስኽ ልሙድ ተርእዮ ከምዝነበረን ድሕሪ በዓል ግን ይጐድል ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ሕጂ ግን በዓል ይዅን ኣይዅን ዋጋ ስቕ ኢሉ እዩ ዝውስኽ” ኢሉ።
“ነጋዶ፡ ንብረት ካብ ዕዳጋ ክሳብ ዝጠፍእ ሓቢኦም የቐምጥዎ እዮም፤ ማንም ስለዘይቈጻጸሮም ከኣ ንጕዳእ ኣለና። ሰብመዚ፡ እቲ ጸገም ናይ ነጋዶ እዩ ይብሉ፤ ነጋዶ ድማ ንመንግስቲ ይወቕሱ” ብምባል ነቲ ኵነታት የረድእ።
‘ሰባት በሊዖም ዘይሓድሩሉ ኵነታት ተፈጢሩ’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዘለዉ ምስ ምግቢ ዘይተኣሳሰሩ ኣቝሑ፡ ዓብይ ወሰኽ ዋጋ ከም ዝተራእዮም ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ጥላሁን ግርማ ይገልጽ።
ንሱ ኣማኻሪ ቢዝነስን በዓል ሞያ ቝጠባን እዩ።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ፡ ‘ውሑድ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ክጻወርዎ ዘይክእሉ ዓይነት እዩ” ይብል።
“ጣፍ ዝኣመሰሉ ካብ መሰረታዊ ምግቢታት ዝዀኑ ኣእካል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወሰኽ ዋጋ ኣሎ። ካብ ቀትሪ ንምሸት እኳ ዋጋ ይውስኽ እዩ” ክብል ይገልጽ።
እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ምግቢታት ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ከም ስሚንቶን ሓጺንን ዝኣመሰሉ ቀረባት እውን ዓቢይ ወሰኽ የርእዩ ኣለዉ።
“ንምግላጽ ዝኸብድ፡ ሰባት በሊዖም ምሕዳር ዘይክእልሉ ኵነታት ተፈጢሩ ኣሎ።”
ጣፍ ልዑል ወሰኽ ምርኣዩ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት እውን ክውስኽ እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ እዩ።
ኣብያተ ምግቢ፡ መዓልታዊ ዋጋ ዝውስኹሉን እቲ ወሰኽ ደው ብዘይ ምባሉ ድማ ውሑድ ኣታዊ ዘለዎም ንከቢድ ጸገም ዝተቓልዑሉ ኵነታት ኣሎ።
ዋላ’ኳ መንግስቲ ናህሪ ዋጋ 30 ሚእታዊት ከም ዝበጸሐ እንተገለጸ፡ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ምብጽሑ ዘርእዩ ምልክታት ከም ዘለዉ ኣቶ ጥላሁን ይዛረብ።
ንጽቡቕ ምስሊ ተባሂሉ መንግስቲ ብዘይ ትልሚ ዝኣተዎ ስርናይ ሰደድ ምግባር፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ስርናይ ትሑት ብምዃኑ መንግስቲ እቲ ሰደድ ንምዕዋት ኣብ ዋጋ ስርናይ ተመን ካብ ምውጻእ ብተወሳኺ፡ ነቝጣታት ፍተሻ ከም ዘዳለወ ጠቒሱ።
መንግስቲ ዘውጸኦ ዋጋ ዘየሐጐሶም ድማ፡ ነቶም ኬላታት ንምሕላፍ ናብ ናይ ስርናይ ኮንትሮባንድ ኣትዮም።
በዚ ምኽንያት ዋጋ ስርናይ ብምውሳኹ ዓብይ ሕጽረት ኣጋጢሙ።
“ብዙሓት ፋብሪካታት ሓደጋ ምዕጻው ኣጋጢምዎም፤ መወዳእታ እቲ ዕዳ ኣብ ልዕሊ ሸማቶ ወዲቝ” ይብል።
ምስ ጣፍ ተተሓሒዙ ድኹዒ ኣብ እዋን ዘይ ምቕራቡ ስግኣት ከም ዝፈጠረን ኣብ ቀጻሊ እውን ክኸብር እዩ ብዝብል ገዚኦም ዘቐምጡ ከም ዘለዉ እውን ሓቢሩ።
“እዚ ኩሉ ናይ መንግስቲ ድኽመት እዩ። ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ዘጋጠመ ሕጽረት ቀረብ፡ ኣብ ቀጻሊ ወሰኽ ዋጋ ክፈጥር እዩ ተባሂሉ ኣሎ።”
ብሰንኪ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብደረጃ ዓለም ዋጋ ስርናይን ዘይትን ምውሳኹ ካልእ ምኽንያት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ወሰኽ ዋጋ እዩ።
“ዋጋ ነዳዲ እውን ብሰንኪ ኲናት ወሲኹ እዩ። መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዋጋ ነዳዲ ኣመሓይሹ እዩ። (እዚ ቃለ መሕተት ቅድሚ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተገበረ ምምሕያሽ ዋጋ ነዳዲ ዝተኻየደ እዩ)።
እዚ ድማ ኣብ ሕድሕድ ዋጋ ሸቐጥ ሓዊ ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ እንተወሲኹ (ምስ ነዳዲ ዘይራኸብ እውን) ምስኡ እዩ ዝውስኽ። እቲ ዝግበር ወሰኽ እውን ካብ ናይቲ ነዳዲ ወሰኽ ዝዓበየ እዩ” ኢሉ።
ኣብ መንጐ ኣፍረይትን ሸማቶን ብዙሓት ደላሎ ምህላዎም እውን ከም ካልእ ጸገም ይጠቕሶ። ኣብ ኢድ ነፍስ-ወከፍ ውልቀሰብ ምስ ዝሓልፍ፡ እቲ ዋጋ እናወሰኸ ይኸድ።
ካልእ ምኽንያት ድማ ልዑል ዋሕዚ ገንዘብ ምህላዉ እዩ።
"ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ኢድ ሰባት እንተሃልዩን ምህርቲ እንተውሒዱን ምኽንያት ምኽባር ዋጋ ሸቐጣት ይኸውን'ዩ" ይብል።
ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ሕጽረት ካብ ወጻኢ ዝኣትዉን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረዩን ኣቝሑ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኵነታት ሰላም፡ ንሰባትን ኣቝሑ ንምጕዕዓዝ ኣጸጋሚ ኵነታት ምህላዉ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት መፈተሺ ነቝጣታት ምቛም . . . ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ቀረብ ትሑት ክኸውን ገይሮም እዮም።
"እቶም ተዛመድቲ ምኽንያታት እንተዘርዚርካዮም መወዳእታ የብሎምን" ይብል።
‘ማሕበራዊ ግጭትን ቅልውላውን ከስዕብ ይኽእል’
ኣቶ ጥላሁን ገሊኡ በሊዑ ገሊኡ ጠምዩ ኣብ ዝሓድረሉ ሃገር፡ ገበናት ከስፋሕፍሕን ማሕበራዊ ቅልውላው ክፈጥርን ከም ዝኽእል ስክፍታኡ ይገልጽ።
“ኣብ ገለ ቦታታት ኣቲኻ ጉቦ ምሃብ ግዴታ ምዃን ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ምኽንያቱ ደሞዞም ኣይኣኽሎምን።"
"ብእዋኑ ምምሕያሽ እንተዘይተገይሩ፡ ጽባሕ ማሕበራዊ ግጭት፡ ቅልውላውን ተቓውሞን ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ይብል።
ኣብ ከም በዓል ሱዳን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ኣብ ቅልውላው ከም ዘእተወን ይረአ ከም ዘሎ ዝጠቅስ ጥላሁን፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ስለዝተሓጋገዝ’ዩ፤ ማሕበራውን ስድራቤታውን ምትእስሳር ኣለዎ። እቶም ዘለዎም ሰባት ተጸበይቲ እንተዀይኖም ቅልውላው ከስዕብ እዩ” ክብል ስክፍታኡ ይገልጽ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝሒ ዘለዎም ተመዛበልቲ ኣብ ከባቢ መብራህቲ ትራፊክ ምርኣይ ይልመድ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ "ገሊኦም ስድራ ምሉእ እዮም፤ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣብ ታሪኽ ኣዲስ ኣበባ ንዓመታት ተራእዩ ኣይፈልጥን" ይብል።
"ንመንግስቲ’ውን ከቢድ ክኸውን'ዩ። ቍጽሪ ናብ ጐደናታት ዝወጹ ሰባት ምስ ዝወስኽ፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ’ዩ ዝኸውን። ጽባሕ ጠንቂ ግጭት ሕድሕድን ስእነት ሰላምን ስለዝኸውን ብኣጋኡ ፍታሕ ክረክብ ይግባእ።"
‘ሰላም ምርግጋጽ እንተዝከኣል ብዙሕ ነገራት ምተረጋግአ’
ሃገራዊ ባንክ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንመንግስቲ ዝወሃብ ቀጥታዊ ልቓሕ ምድራት ዝርከብዎም፡ ምኽባራ ዋጋ ኣቝሑ ከረጋግኡ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ምምሕያሻት ፖሊሲ ገንዘብ ክገብር ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ’ዩ።
ዕብየት ወጻኢታት መንግስቲ ክድረት፡ ሕጽረት ባጀት ብመንጽር ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ክቕንስ ተገይሩ።
እዚ ስጕምቲ መንግስቲ ካብ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ብፍላይ ድማ ካብ ሃገራዊ ባንኪ ዝውሰድ መጠን ልቓሕ ክቕንስ ከም ዝገብር’ዩ ኣመሓዳሪ እቲ ባንክ ኣቶ ማሞ ምሕረቱ ዝገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ሰነ፡ ኣብ በጀት ዓመት 2016፡ ዕብየት ውሽጣዊ ልቓሕ ብ14 ሚእታዊት ክድረት እዩ። ኵለን ንግዳዊ ባንክታት ነዚ መሰረት ብምግባር ትልሚ ዕብየት ልቓሐን ከስተኻኽላ ከም ዝግበር ተገሊጹ ኣሎ።
ባንክታት ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ዘጋጥመን እዋን፡ ካብ ሃገራዊ ባንክ ንዝወስዳኦ ህጹጽ ልቓሕ ዝኸፍልኦ ወለድ ካብ 16 ሚእታዊት ናብ 18 ሚእታዊት ክዓቢ እዩ።
እዚ ፖሊሲ’ዚ ኣብ ንግዲ ሰደድ ብምውፋር ኣታዊ ሸርፊ ወጻኢ ንዘምጽኡ ዓውድታት ክዕንቅፍ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
"እቲ ገደብ ልቓሕ ንዝተወሰኑ ዓውድታት ዝምልከት እንተዘይኸውን ኢለ ይሓስብ" ይብል ጥላሁን። "ባንክታት ሓድሽ ልቓሐን ብ14 ሚእታዊት ጥራይ ክውስኻ ምግባር፡ ብዙሕ ገንዘብ ናብ ኢድ ሰባት ከይኣቱ ዝገበር'ዩ። ብብዝሒ ገንዘብ ሒዞም ኣብ መኽዘናት ኣቝሑ ዝዕቅቡ ሰባት ዝሕዝ እዩ። ነቲ ቀንዲ መጠን ምኽባር ዋጋ ኣቝሑት ክቈጻጸሮ እዩ፡” ኢሉ።
እቲ ፖሊሲ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከም ዘምጽእ ንምግምጋም ካብ ክልተ ወርሒ ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ምጽባይ ከም ዘድሊ’ውን ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ምስ ሰላም፡ ቀረብን ጠለብን ዝተኣሳሰሩ ጸገማት ግን ካብ ቍጽጽር ሃገራዊ ባንክ ወጻኢ ምዃኖም የስምር።
“ዜጋታት ኣብ ዝጭወይሉ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ምውጻእ ኣብ ዘፍርሓሉ ሃገር” እቲ ፖሊሲ ጥራይ ነቲ ጸገም ከም ዘይፈትሖ የመልክት።
"ሰላም ክረጋገጽ እንተዝኽእል ብዙሕ ነገራት ምተረጋግአ። ኣዝመራ ጣፍ ሓሊፍና ኢሎም ሰልፊ ዝወጹ ብዙሓት እዮም። ዋላ'ኳ ገለ ይቕሬታ እንተሓተቱ፡ እታ ሃገር ኢትዮጵያ ስለዝዀነት ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ዝለቐቑሉ ጉዳይ ክኸውን ነይርዎ።”
መንግስቲ ልዑል ምትእትታው ክገብር፡ ቀረብ ዕዳጋ ንኽህሉ ኣፍረይትን ሸማቶን ከተኣሳስርን ደላሎ ክንክን ግቡእ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ቀንዲን ልዕሊ ኵሉን ብድሆ መንግስቲ ዝዀኑ ኮንትሮባንድ ዝሰርሑ ሰባት'ዮም።"
"እቲ ሰላማዊ ዝነበረ ንግዲ ስሚንቶ ኣብ መወዳእታ ኮንትሮባንድ ኰይኑ፤ ንሱ ምስ ተተንከፈ ድማ ክሳብ ሰብ ምቕታል ተበጺሑ። ኣብ ህንጸት ንዘጋጠመ ምዝንባዕ ቀንዲ ምኽንያት ኮንትሮባንድ ዝሰርሑ ሰባት'ዮም። ድኹዒ’ውን ብኮንትሮባንድ ክሽየጥ ጀሚሩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣቕሓ ብኸመይ ኮንትሮባንድ ከም ዝዀነ ክፍለጥ ኣለዎ። ተሪር ስጕምቲ ክውሰድ ኣለዎ። እቲ ዝስማዕ ዘሎ ዘሕምም’ዩ። ዕጡቓት እውን ከም ዝሳተፉ’ዩ ዝንገር። ድኹዒ ብኽቡር ዝዓደገ ሓረስታይ፡ እኽሊ ብሕሱር ኣይሽየጥን እዩ፡" ይብል።
መንግስቲ መሰረታዊ ኣቝሑት ገዚኡ ብኣፍረይቲ ማሕበራት ኣቢሉ ብፍላይ ድማ ንትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት ከቕርብ ከም ዘለዎ ጠቒሱ፡ "መንግስቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉው ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ እቶም ኮንትሮባንድ ዝሰርሑ ሰባት ብመንጽር ቀረብ ዝዀነ ነገር ክገብር ዘለዎ ይመስለኒ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







